ድለ

ኣብ ዒራቕ ናይ ሰበኻ ሞሱል ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሙሳ፥ እሙን ናምነት ምዃን የድሊ ኣብ ዒራቕ ናይ ሰበኻ ሞሱል ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሙሳ፥ እሙን ናምነት ምዃን የድሊ 

ኣብ ዒራቕ ናይ ሰበኻ ሞሱል ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሙሳ፥ እሙን ናምነት ምዃን የድሊ

ጳጳስ ኣገልጋሊ ሕዝብን ጓሳን እዩ፡ ስለዚህ ናይ ቀረባነትን ንኹሉ ቀረባን ብፍላይ ነቲ ዝተናዕቀን ዝተነጸለን ዝጣበቕን ወሰናስን ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ሓለፋ ዝብል ንክርስትያን ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ሰብእዊ ፍጥረት ዝሓልን ሕውነትን ምቅርራብን ምሕዝነትን ዝሃንጽ ዘተን ተራኻብነት ዘነቓቕሕ እዩ

ናይ ሃይማኖት ሰብ ምዃን ናይ ምርኻብ ሰብ ምዃን ይሓትት፡ ነዚ ዝበሉ ካብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ዒራቕ ናይ ሰበኻ ሞሱል ሊቀ ጳጳስ ንኽዀኑ ዝተሾሙ ብጹፁ ኣቡነ ሚካኤል ናጂብ ሙሳ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ዒራቕ ሎምን ጽባሕን ብተስፋን ሓሴትን እናማዕደዉ፡ ናይዚ መሰረት ናይ ሕውነትን ዘተን ሃዋሁ ምፍጣር ምዃኑ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ሙሳ ኣብ ዒራቕ ሰበኻ ሞሱል ዝተወልዱ ክዀኑ እንከለዉ፡ እታ ብዝነበረ ውግእን ውጥረት ኣዚያ ዝባደመት ሰበኻ ሞሱል ዝህልውካ ተልእዀ ቀሊል ኣይኰነን፡ ናይ ናጽነት ሓሴት ብንቕቓሕ ሓልዮት ምንባር የድሊ፡ እዚ ምምላስ ማሕበረ ክርስቲያን ናብ ቦታኦም (ሞሱል) ምንቕቓሕን ምትብባዕን ዝብል ምዃኑ ዕለት 18 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ ክዀኑ እነከልዉ፡ ብፁዕነቶም እቶም ናይ ሞሱል ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ንኸዀኑ ዝተሸሙ ብፁዕ ኣቡነ ሙሳ ባግዳድ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ብዙሓት ምእመናንን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ልኡካንን ናይ ሞሱል ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኽብሉ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብውግዒ ንኽርከቡ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስሞዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሙሳ ዕለት 25 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ሞሱል ሰበኻ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ኣብ ሞሱል ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ ክርስቲያን ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝጀመሩ ካብ ሰበኻ ሞሱል ዝወጸ መግለጺ ይሕብርል

ክርስቲያናዊ ውርሻ ምዕቃብን ምክልኻልን

ሰበኻ ሞሱል ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና እስላማዊ መንግስቲ (ዳዒሽ) ኣብ 2014 ዓ.ም. ድሕሪ ዝፈጠሮ ቅልውላውን ዕግርግርን ውጥረትን መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ከባቢ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌ ከባቢኡ ሓዲጉ ዝተሰደ ክኸውን እንከሎ፡ ናብ ከባቢኡ ይምለስ ከምዘሎን እዚ ጉዳይ’ዚ ዕዉት ንምግባር ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ክውን ከምዝዀነን፡ እቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ታሪኻውን ብቋንቋ ኣራማይስጥን ዓረብን ዝተጻሕፈ ሰነዳት ብስነ ኣሓዝ ብዝተራቐ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ምጋበርያ ብምጥቃም ክዕቀብ ከማተገብረን፡  ልዕሊ 800 ብራናታት ካብ ሓደጋን ውድመትን ብሓልዮት በነዲክታውያን ከምዝደሓነ ብፁዕንቶም ብስልኪ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብዝ አካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም ኣስዒቦም፥

ጳጳስ ጓሳን ናይ ዘተን ተራካብነትን ሰብ

ጳጳስ ኣገልጋሊ ሕዝብን ጓሳን እዩ፡ ስለዚህ ናይ ቀረባነትን ንኹሉ ቀረባን ብፍላይ ነቲ ዝተናዕቀን ዝተነጸለን ዝጣበቕን ወሰናስን ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ሓለፋ ዝብል ንክርስትያን ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ሰብእዊ ፍጥረት ዝሓልን ሕውነትን ምቅርራብን ምሕዝነትን ዝሃንጽ ዘተን ተራኻብነት ዘነቓቕሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዒራቕ ናይ ሰበኻ ሞሱል ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሙሳ፥ እሙን ናምነት ምዃን የድሊ
02 February 2019, 16:50