ኣየርላንድ፥ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣየርላንድ፥ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት 

ኣየርላንድ፥ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት

እቲ ዕለት 15 ለካቲት ዝካየድ ናይ ጸሎትን ሽምዓ ናይ ምውላዕ ስነ ስርዓት፡ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን፡ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዝዝተየሉ እዋን እውን ኣብ መላእ ቍምስናታት ኣየርላንድ ክቕጽል

ኣብ ኣይርላንድ ዓርቢ ዕለት 15 ለካቲት ምእንቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዜጋታት ዝጽለየሉ ዕለት ምዃኑን ኣብ መላእ ቁምስናታትን ሰበኻታትን እታ ሃገር ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ናይ ሽምዓ ምውላዕ ስነ ስርዓት ክካየድ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ኣርማግ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኣየርላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኤኣሞን ማርቲን ኣብቲ ብቕዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዝትይ ናይ መላእ ሃገራት ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝሳተፉ ሓደ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዕለት 15 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ መላእ ቁምስናታት ኣየርላንድ፡ ምእንቲ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝጽለየሉ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ቅድም ኣቢሎም ምስቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታትን ኣባይቲ ስድራኦምን ተራኺቦም፡ ዳርጋ ኵሎም ጸሎት ከምዘድልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ስቓዮም ከይርሳዕን ቤተ ክርስቲያን ንፍሕን ንንስሓን  ርህውቲ ክትከውን እክብሉ ከምዝሓተትዎም ኣውን ገሊጾም፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዘካየድዎ ርክብን ተመክሮኡን ባዕሎም ኣብቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ተረኺቦም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከካፍልዎም ከምዝዀኑ ሓቢሮም።

እቲ ዕለት 15 ለካቲት ዝካየድ ናይ ጸሎትን ሽምዓ ናይ ምውላዕ ስነ ስርዓት፡ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን፡ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዝዝተየሉ እዋን እውን ኣብ መላእ ቍምስናታት ኣየርላንድ ክቕጽል ከምዘተሓሳሰቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።  

ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት
13 February 2019, 10:35