ኣባ ፓቶን ኣብ ምስሪ ንዝሪ ርክብ ቅዱስፍ ራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣንን ኣባ ፓቶን ኣብ ምስሪ ንዝሪ ርክብ ቅዱስፍ ራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣንን 

ኣባ ፓቶን ኣብ ምስሪ ንዝሪ ርክብ ቅዱስፍ ራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣንን

ቤተ ክርስቲያን ንዝኽሪ መበል 800 ዓመት ርክብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣን ኣል ማሊክ ኣል ካመልን ኣብ ዝካየድ በዓል

ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዳሜታ ኣብ መንጐ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ስሉጣን ኣል ማሊክ ኣል ካማልን ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዝክሪ መበል 800 ዓመት እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ግብጺ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ሃገራት ኤሚራት ዓረብ ዘካየድዎ ርክብን ብኽታሞም ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ንዘውጽእዎ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘለዎ ኣገዳስነት ንምቅላሕ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራ ዓቃቢ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ኣብ ምስሪ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣባ ፓቶን ኣብ ዳሜታ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዕለት 1 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝብገስ ኰይኑ፡ ዕለት 2 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ኣብ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ክሳተፉ እዮም፡ ዕለት 3 መጋቢት ሰንበት ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሴፍ ቤተ ክርስቲያን ንዝኽሪ መበል 800 ዓመት ርክብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣን ኣል ማሊክ ኣል ካመልን ኣብ ዝካየድ በዓል ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉዩ ልኡኽ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩ ምዃኖም ናይቲ ምብጻሕ ዝክረ ነገር ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰን ናይ እስክንድሪያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ዕለት 26 ለካቲት 2019 ዓ.ም.  ክካየድ ተባሂሉ ዝነበረ ርክብ ከምእተመሓላለፈን እቲ ርክብ ዝካየደሉ ዕለት ገና ክውሰን ምዃኑ ሓቢሩ።

ብቕዱስ ኣቦናን ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ዝተፈረመ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ

እቲ ኣብ ዱባይ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ዝተኻየድ ርክብን ብሓባር ከቲሞም ዘውጽእዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ነቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣን ኣል ማሊክ ኣል ካማልን ዝተኻየደ ርክብ መበል 800 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ዝተፈጸመ ብምዃኑ ነቲ ቅድሚ 800 ዓመት ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ዝሕድስ ምዃኑ ኣባ ፓቶን ምስ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምስሪ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ርእሰ ብሔር ኣል ሲሲን ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ዘካየድዎ ርክብ እውን ንገዛእ ርእሱ ናይቲ ናይ ቅዱስ ራንቸስኮን ሱልጣንን ርክብ ዘእውን እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ንፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ምትሕብባርን ንዓቢይ ኢማም ኣል ጣይብ ንዘካይድዎ ጻዕሪ ምስጋናን

ኣባ ፓቶን ምስ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ምስሪ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ንናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ብምኽንያት እታ ቤተ ክርስቲያኖም ዘጋጥማ ብዙሕ ጸገማትን ስቓይን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ንምምስካርን ንዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝበጽሕዎ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ምኽንያት ንዘርኣይዎ ቆራጽነት ኣፍልጦ ብምሃብ ንምምስጋን እውን ዝሃቀነ ምዃኑ ኣፍሊጦም። ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ዓመጽ ጸረ እግዚኣብሔር እዩ ዝብል ሰብኣዊ ሕውነት ዝምስክርን ሃይማኖት ምስልምና ዓመጽ ኣብ ውሽጡ ብኑባሬ ዝሓዘ እዩ ቢሉ ንዝኣምን ጌጋ ምዃኑ ዘተሓሳስብን ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሰላም ምዃኑ ዝምክር እውን እዩ፡ እቲ ናይ ኣቡ ዱባይ ተመክሮ ሰናይ ርክብን ሕውነትን ክኡል ምዃኑ ዘመላኽት ኩነት እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣባ ፓቶን ኣብ ምስሪ ንዝሪ ርክብ ቅዱስፍ ራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣንን
27 February 2019, 16:29