ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ኣካይዱ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ኣካይዱ 

ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ኣካይዱ

ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሓጐስ ሓይሽ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያን ምስ ገሊጹ፡ እዚ ድሕሪ 21 ዓመት ንመጀመሪያ ጊዜ ዝካየድ ዘሎ ርክብ

ብናይ ሰበኻ ኣስመራ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኤርትራ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም ዝተመርሔ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤርትራ ልኡካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ 21 ዓመታት ንመጀመሪያ ግዜ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ጉጅለ ልኡካን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤርትራ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ብናይ ኢትዮጵያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ኣዲስ ኣበባ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነየሱስ  ሱራፍኤል ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ካብ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰበኻ እምድብር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሙሴ ገብረጊዮርጊስን ናይ ሓረር ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ሞረስኪን እውን ከምእተሳተፉ ክምልከት እንከሎ፡ ነቲ ብብፁዕ ኣቡነ መንስግተኣብ ተስፋማርያም ዝተመርሔ ጉጅለ ልኡካን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ድሙቕ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም፡

ድሕሪ 21 ዓመት ዳግማይ ዝተበገሰ ርክብ

ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሓጐስ ሓይሽ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያን ምስ ገሊጹ፡ እዚ ድሕሪ 21 ዓመት ንመጀመሪያ ጊዜ ዝካየድ ዘሎ ርክብ ብምዃኑ ዘሕደረሎም ዓቢይ ሓጐስ ሓቢሮም ኣስዒቦም ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነየሱስ እውን ብወገኖም ነቲ ብብፁዕ ኣቡነ መንግስትኣብ ዝተመርሔት ጉጅለ ልኡካን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤርትራ ንዘካይድዎ ምብጻሕ ኣመስጊኖም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤርትራ ዓባይ እንክብሉ ከምዝገለጽዋ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላማዊ ርክብ ግደ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን

ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ንናይ ክልቲኣተን ሃገራት ምርግጋጽ ሰናይ ርክብ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከቱ እውን ገሊጾም፡ ንዛ ዕለት’ዚኣ ስለ ዝበቓዕና ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይዀኖ ቢሎም፡ ክትበጽሑና ስለ ዝመጻእኩም ሓጐስና ወሰን የብሉን እንክብሉ ብስም መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ፥ ብሓባር ንዝበርትዔ ርክብ

ናይ ኤርትራ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ፡ ስለ እቲ ርክብ ኣመስጊኖም ኣብ መንጐ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ምትእስሳር ተበራቲዑ ክቕጽል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ ልምዓት ኣብ ጐድኒ ሕብርተሰብ ቆይማ እተሳልጦ ዕዮታት ምስ ገለጹ፡ እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ናይ ሰላም ርክብ ተበራቲዑ ክቕጽል ሎሚ ከም ቀደም ጸሎት ከይቋረጽ ኣተሓሳሲቦም ደጊሞም ስለ እቲ ዝተገበረሎም ውዕዉዕ ኣቀባብላ ብስም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤርትራ ኣመስጊኖም።

Photogallery

ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ኣካይዱ
15 February 2019, 10:13