ኣዋጅ ቅድስና ኢንግሊዛዊ ካርዲናል ጆን ሀንርይ ንውማን ኣዋጅ ቅድስና ኢንግሊዛዊ ካርዲናል ጆን ሀንርይ ንውማን 

ኣዋጅ ቅድስና ኢንግሊዛዊ ካርዲናል ጆን ሀንርይ ንውማን

ሕይወት ብፁዕ ነውማን ኣብ ድልያ ሓቂ ዝተጸምደን ኣብ ጽሑፋቱ እውን ናይ ምልዋጥ ጉዕዞኡ ድሕሪ ብርቱዕ ምንዋጽ ማዕበል ምብጻሕ ኣብ ጽኑዕ ናይ ባሕር በሪ

ኣብ ቀረባ እዋን መስራቲት ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ስድራ ቤት ህንዳዊት ገዳማዊት ብፅዕቲ ማሪያ ተረዛ ኪራመ ማንኪዲያ ቅድስናን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ 1897 ዓ.ም. ኣብ ኤኳዶር ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበለ ኣባ ቪቶሪዮ ኤሚሊዮ ሞስኮ ሶካርደናስን ብፅዕናን ክእወጀሎምን ሃንጋርያዊ ካርዲናል ሚንድስዘንትይ እውን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ንዝብል ስያሜ ብቑዓት ክበሃሉ ምዃኖም ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቺዩ ተቐቢሎም ካብ ብፁዕነት ዘቕረቡሎም ሕቶ ኣዋጅ ቅድስና ንካርዲናል ጆን ሀንርይ ነውማንን ንሃንጋርያዊ ካርዲናል ጆሰፍ ሚንድስዘንትይ ኣብ እዋን ስርዓት ዴስነት ሃንጋሪ ኣደዳ ስደትን መከራን ዝዀኑ ንዝህትት ንኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ክብሪ ክን ንኽብሎ ዝሓትት ሰነድ ተቐቢሎም ይኹንታ ከምዝሃቡሉን ካልኦት ሓሙሽተ ደቀ ቤተ ክርስቲያን እውን ንኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን ክብሪ ብቑዓት እንክብሉ ከምዝወሰኑ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ካብ ደበንገራይን መልኣከ ሞትን ናብ ሓቂ ዝብል ጥቕሲ ኣብ ናይ መቓብሩ ስፍራ ዝተጻሕፈ ቅድስና ዝእወጀሎም ብፁዕ ጆን ሀንርይ ነውማ መላእ ሕይወቱ ነጋዳይ ናብ ሓቂ ዝነበረን ኣብ 1801 ዓ.ም. ኣብ ሎንደን ዝተወልደ ዲያቆን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ደሓር ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቃቢተ ሓቂ ምዃና ኣሚኑን ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተመሊሱን ኣብ 1847 ማዕርገ ክህነት ተቐቢሉን፡ ብር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ካርዲናል ዝተሰምዩን ዕለት 11 ነሓሰ 1890 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፡ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ብፅዕና ከምዝተወጁሎም ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።

ደላይ ሓቂ

ዕለት 18 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ ሎንደት ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዋዜማ ኣዋጅ ብፅዕና ነውማን ዝተሳተፉ በነዲክቶስም መበል 16፥ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እንተድኣ ተቐቢልናን ሕይወትና ነገልግሎቱ እንተድኣ ኣውዒልናዮ፡ ኣብ መንጐ እምነትናን ኣነባብራ ህላዌናን ፍልልይ ክህልው ኣይክእል እንክብል ነውማን ዝበሎ ቃል ጠቒሶም፡ ንሓቅን ንቀልባዊ (ኣእምሮኣዊ) ቅንዕናን ንግልጽን ገርሄይና ምልዋጥን ዘሎካ ጥልቂ ተምሳጥ ብዙሕ መስዋዕትነት የኽፍል፡ ስለምንታይ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ስለ ዝጠልብን እምነቱ ከኣ ካብዚ እምበር ካብ ሰብኣዊ ኣንደበተ ርቱዕነት ወይ ካብ ሰብኣዊ ብልሓትን ኣመክንዮን ስለ ዝነቕል ስለ ዘይኰነ እዩ ከምዝበኡ ሎሞናኰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ የዘኻኽሩ።

ድሕሪ ብርቱዕ ምንዋጽ ማዕበል ኣብ ርግጸይና ናይ ባሕሪ በሪ ምብጻሕ

ሕይወት ብፁዕ ነውማን ኣብ ድልያ ሓቂ ዝተጸምደን ኣብ ጽሑፋቱ እውን ናይ ምልዋጥ ጉዕዞኡ ድሕሪ ብርቱዕ ምንዋጽ ማዕበል ምብጻሕ ኣብ ጽኑዕ ናይ ባሕር በሪ እንክብል ከምዝገልጽዎ እዩ።

ኣብ ናይ ምልዋጥ ህሞት ኣባይ ዝኽወን ዝነበረ ቀልባዊ ምልዋጥን ኣብ ኣእምሮይ ዝኽወን ዝነበረ ግብረ ገባዊ ምግባራትን የስተውዕሎ ኣይነበኵን፡ ኣብቲ ግልጸት ጸኒዑ ዝቖመ ኣምነት ዘሎኒ ኰይኑ ይስምዓኒ ኣይነበረ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ወናኒ ኰይነ እውን ይስምዓኒ ኣይነበረን። ውዕዉዕ ስምዒተይ ክብታ ኣየርኣየን። ድሕሪ እዚ ዅኡ ምንዋጽ ብማዕበል ኣብ ሓደ ጽኑዕ ናይ ባሕሪ በሪ ከምዝበጻሕኩ ተሰመዓኒ፡ ካብታ ሰዓት ኣቲኣ ኣትሒዘ ሓጐሰይ ዘይቀያየር ኰይኑ ረኸብክዎ (ካብ ጽሑፋት ኒውማን ዝተወስደ)

ንቕድስና ዝተጸውዔ ሕይወት

በነዲክቶስ መል 16 ዕለት 19 መስከረም 2019 ዓ.ም. ንኣዋጅ ብፅዕና ነውማን ኣብ ሎንደን ቢርሚንግሃም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ነውማን ኣብቲ ባዕሉ ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝመስረቶ ናይ ቍምስና መራኸቢ ስፍራ ዝፈጸመሞ መንፈሳውን ሰብኣውን ኣገልግሎት፡ ንህሙማንን ድኻታትን ብምእላይን እሱራት ብምብጻሕን ዝነበሮ ምስክርነት እምነት፡ ነውማን ምስ ዓረፈ ንኽሰናበቶ ዝተረኽበን እቲ ዝዓረፈ ኣካሉ ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበረ ኣደባባይ ዝነበረ ሕዝቢ ሱታፌኡ ይምስክሮ። ናይ ነውማን ናይ ካርዲናል መነሳዊ መርሖ፥ Cor ad cor loquitur – ልቢ ንልቢ ይዛረብ (ንልቢ ዝዛረብ ልቢ እዩ) ዝብል ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ሓሳብ’ዚ ብፅዕና ክእውጅሉ እንከለዉ ዘኪሮም፡ ሕይወት ክርስትና ጸዋዕታ ንቕድስና ከምዝዀነን እዚ ኸኣ ናይ ሰብኣዊ ኦቢ ዓቢይ ድላይ ናብ ናይ ልቢ ኣግዚኣብሔር ንጥልቂ እትወት ሱታፌ ምዃኑ የመላኽተልና እንክብሉ ከምዝተንተንዎ ሎሞናኰ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡

መስራቲት ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ስድራቤት ብፁዕቲ እናቴ ማሪያ ተረዛ ቺራመል ማንኪዲያን (ዕለት 26 ለካቲት 1876 - ዕለት 8 ሰነ 1926 ዓ.ም.) ቅድስና ክእወጀለን እዩ፡

ኣብ ኤኳዶር ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሳልቫኦረ ቮቶሪዮ ኤሚሊዮ ሞስኮሶ ካርደናስ (ዕለት 21 ለካቲት 1846 - ዕለት 4 ግንቦት 1897 ዓ.ም.) ብፅዕና ክእወጀሎም እዩ።

ሃንጋርያዊ ካርዲናል ጆሰፍ ሚንድስዘንትይ (ሃንጋይ ዕለት 29 መጋቢት 1892 - ኣብ ኣውስትርያ/ቭየና ዕለት 6 ግንቦት 1975 ዓ.ም.)፡ መስራቲ ማሕበረሰብ ቅድስቲ ስድራ ቤተ ኣብ ኢጣሊያ ዕለት 24 ጥሪ 1880 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ብረሻ ዕለት 12 ታሕሳስ 1939 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወዱ ናይ ሰበኻ ካህን ኣባ ጆቫኒ ባቲስታ ዙኣቦኒን፡ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ስፕየን ዕለት 5 ለካኢት 1894 ዝተወዱ ኣብ ስፐይን ከተማ ኮሚላስ ዕለት 13 ለካቲት 1974 ዓ.ም. ዝዓረፉ ኣባ ኤማኑኤለ ጋርሲያ ኔቶን ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ክስመዩን፡ ማሕበር ልኡካን ጥዑም ቃል ብስራት መስራቲት ስተፋኒያ ፎርማይ (ዕለት 28 ነሓሰ 1876 - ዕለት 1 ጥሪ 1954 ዓ.ም. ኢጣሊያ)፡ መስራቲት ማሕበር ደናግል ብስራተ ገብርኤል እናቴ ማሪያ በረኒቸ ዱከ ሀንኸር (ዕለት 14 ነሓሰ 1898 - ዕለት 25 ሓምለ 1993 ዓ.ም. ዝዓረፋን) ኣገልግልቲ እግዚኣብሔር ክስመያን ምዃነን ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ኣዋጅ ቅድስና

 

14 February 2019, 17:30