ጳጳሳት ኣብ ዘተ፡ ወንጌላዊ ሓሴት፥ ሲኖዶሳውነትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ጳጳሳት ኣብ ዘተ፡ ወንጌላዊ ሓሴት፥ ሲኖዶሳውነትን ኣስፍሆተ ወንጌልን 

ጳጳሳት ኣብ ዘተ፡ ወንጌላዊ ሓሴት፥ ሲኖዶሳውነትን ኣስፍሆተ ወንጌልን

ኣብ ክፍለ ሃገር ቶስካና ኣብ ዝርከብ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ምንቅስቓስ ማእከል ኣብ ዘሎ ናይ ወንጌል ሓሴት ስነ መጽናዕቲ ማእከል ንቤተ ክርስቲያናዊ ሕዳሴ ዘበግስ ቲዮሎጊያዊ ድርዀት ንምልላይ ናይ መናብርተ ጥበብ መምሃራንን ልዕሊ 40 ዝግመቱ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ጳጳሳት

ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ወንጌል ሓሴት ብዕምቆት ንምጽናዕን ዘቕርቦ ሕዱስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ራእይን ምእንጋድ ካብ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ዝነቅል ናብ እትብልን ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ናብ ናይ ከተማታትን ህልውናን ወጻኢ እትብል ተኽእሎታት ኵሉ ንምስትውዓልን ንምስዓብን ዘኽእል መገዲ ንምልላይ ልዕሊ 40 ዝዀነ ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ኢጣሊያ ጳጳሳት፡ ላፒያኖ ኣብ ዝርከብ ናይ ወንጌል ሓሴት ናይ መጽናዕቲ ማእከል ዕለት 18 ለካቲት ዘበገስዎ ዓውደ መጽናዕቲ ሎሚ ዕለት 20 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ተዛዚሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ወንጌላዊ ሓሴት ብዕምቆት ንምስትውዓልን ብሓባር ምስ ካህናትን ኣብ ዝዀነ ይኹን ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ክስዓብ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ፊረንዘ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ብሔራዊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዘስመሩሉ ሓሳብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ብሰበኻን ብብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ደረጃ ዝስዕብዎ ዘለዉ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ተመክሮታቱ ንምክፋልን ብዝበለጸ ብዕምቆት ንምልላይ ኣብ ላፒያኖ፥ ናይ ዲኖዶሳውነትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ሓደስቲ ኣርካን፡ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ብዝብል ኣርእስቲ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ፡

ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ነቶም ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃን ሓለፋ ዘለዎም ንድኻታትን ማሕበራዊ ጽምብሮን ናይ ሓባር ጥቕሚ ብምንዳይ ነቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ምሕዝነት ዝድግፍ ናይ ምርኻብን ዘተን ባህሊ ናይ ምትብባዕን ብቕዓት ይሃልኹም (ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሕዳር 2015 ዓ.ም.)

ከምዝተንተነን ክሕበር እንከሎ፡

ቤተ ክርስቲያናዊ ሕዳሴ ብመንጽር ምክፋል ተመክሮታት

ኣብ ክፍለ ሃገር ቶስካና ኣብ ዝርከብ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ምንቅስቓስ ማእከል ኣብ ዘሎ ናይ ወንጌል ሓሴት ስነ መጽናዕቲ ማእከል ንቤተ ክርስቲያናዊ ሕዳሴ ዘበግስ ቲዮሎጊያዊ ድርዀት ንምልላይ ናይ መናብርተ ጥበብ መምሃራንን ልዕሊ 40 ዝግመቱ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ጳጳሳት፡ ኣቢያተ ትምህርቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ሕንጻት ካህናትን ኣገልግሎት ኣብ ማሕብራውን ኤኮኖምን ናይ ስራሕ ፖሊቲካን ዕዮን ናይ ምርኻብ ባህልን ዝብሉ ብመሰረት ናይ ወንጌል ሓሴት ብምትንታን ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን ንምንቕቓሕ ዘካይድዎን ሎሚ ዘጠቓልልዎን ዓውደ መጽናዕቲ፥

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብን ቁምስናትትን ተቕዋምትን ሰበኻታትን ምሕደራ ክፍለ ከተማታትን ኣብ ዝዀነ ይኹን ከባብን ካብ ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝነቐለ ዓሚዩቕ ናይ ሲኖዶሳውነት ኣገባብ ንምልላይ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘመላኽቶም መርገጽታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ መምዘኒ ምስትውዓል የድሊ (ዕለት 10 ሕዳር 2015)

ዝብል ናይ ቅዱስ ኣቦና ምዕዳን ፈልዩ ዘዕሞቐ እዩ።

ካብ ኣነ ናብ ንሕና ዝብል ናይ ሓባር መንፈሳውነት

ብዛዕባ ሕንጸት ውሉደ ክህነትን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን፡ ኣብ ናይ ሱታፌ መንፍሳውነት ዘተኰረ ክኸውን ከምዘለዎን፡ ካህናት ካብ ብሓባር ምዕያይ ካብ ዝብል ዓይነት ሰራሕተይና ካብ ምዃን ዝነቕል ብሓደ ምዃን ኣየድልይን፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ሰራሕተይናታት ብሓደ ዝዀንዎ ዓይነት ኩነት ክኸውን የብሉን፡ ውሉደ ክህነት ካብ ኣነ ናብ ንሕና ዝብል መንፈሳውነት ክሰጋገር እዩ ዘለዎ፡ ብሓደ ግን ዝተፈላለዩ ምዃን ሓደገይና እዩ፡ ሎሚ በዓልቤታውነት ድዩ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሓን ኩሉ ናብ ገዛእ ራሳዊ ምእኩልነት ዝድርኽ ብዙሕ ምኽንያት ኣሎ፡ ካብዚ ምጥንቃቕ የድሊ፡ እዚ ቅዱስ ኣቦና ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ኣብ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘመላኽትዎ ሓቂ እዩ፡ ኣንሕና ናይ ቅድስቲ ስላሴ ኣርኣያን ኣምሳልን፡ ኣብቲ ምግምማዕ ዝረኣየሉ ዓለም ምምስካር የድሊ፡ ስለዚህ ስላሴኣውነት ተምክሮ ምግባርን ምክፋልን፡ እዚ ስነ ርእየት ኣይኰነን፡ ተመክሮ መንፈሳውነትን ንሕናውነት የድሊ፡ ኣብ ውሉደ ክህነትን ትምህርቲ ዘርአ ክህነትን ክሰፍሕ ዘለዎ ሕንጸት ምዃኑ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብኣጽንዖት የተሓሳስብ።

ጳጳሳት ኣብ ዘተ፡ ወንጌላዊ ሓሴት፥ ሲኖዶሳውነትን ኣስፍሆተ ወንጌልን
20 February 2019, 17:32