ኣብ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንምርኻብ ኣብ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንምርኻብ 

ኣብ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንምርኻብ

ብመርከብ ዝጓዓዙ ዘለዉ መንእሰያት ኣብዚ ጉዕዞኦም ኣብ ኢንዶነዢያ ምስ ናይ ጃካርታ ውሁዳን ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንእሰያት ከምእተራኸቡን

ኣብቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 3,500 ካብ ፖላንድ ዝመጹ መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ካልኦት ልዕሊ 37 ዝግመቱ እውን ቅድም ክብል ንኽሳአፉ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ክዝከር እንከሎ ካብ ፖላንድ ዝመጹ መንእሰያት ብዙሓት ከምዝዀኑን ካብ ፖላንድን ፈረንሳን እውን ድሮ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንኽሳተፉ ኣብ ባሕሪ ጉዕዞ መርመከብ ዝርከቡ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብኵለንተናኻ ናብ ፓናማ፡ 150 ካብ ፖላንድ ዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣብቲ ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መእሰያት ንኽሳተፉ ዳር ምሎድዛዝይ ብእተሰምየት መርካብ ጉዕዞ የካይዱ ከምዘለዉን እዞም ካብ ፖላንድ ዝነቐሉ መንእሰያት፥ ዕለት 11 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ናይ ባሕሪ ጉዕዞኦም ከምዝጀመሩን ነቶም መንእሰያት ኣብዚ ናይ ባሕሪ ጉዕዞም ኣባ ሚካል ሳኒኪ ኣባል ማሕበር ፓሎቲኒ የሰንዮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ጉዕዞ ኣብ ድልያ ክርስቶስ

እቶም መንእሰያት ኣብቲ ናይ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስ መላእ ዓለም መንእሰያት ኰይኖም ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡን ቃሎምን ምዕዳኖምን ስልጣናዊ ትምህርቶምን ጽን ክብሉ ዘለዎም ድላይ ብርቱዕ ምዃኑ ኣባ ሳኒኪ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ኣብዚ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ቅዳሴን ምስጢረ ንስሓን ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ምሕረትን ዕርቅን ዘርእይዎ ተሳታፍነት ብሓቂ ብሩህ መጻኢ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኪደት እንታይ ተመስሎኡ ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ርክብ ምስ ካልኦት መንእሰያት ማሕበረ ክርስቲያን

እዞም ብመርከብ ዝጓዓዙ ዘለዉ መንእሰያት ኣብዚ ጉዕዞኦም ኣብ ኢንዶነዢያ ምስ ናይ ጃካርታ ውሁዳን ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንእሰያት ከምእተራኸቡን፡ ኣብ ኢንዶነዢያ ካብ መላእ ሕዝቢ 99 ሚእታዊ ዝሽፍን ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ክኸውን እንከሎ ማሕበረ ክርስቲያን 1 ሚእታዊ ጥራሕ ዝሽፍን ምዃኑ ይንገር፡

ካብ ፈረንሳ ናብ ፓናማ

ካልኦት 32 መንእሰያት ፈረንሳ ናብቲ ኣብ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ብተመሳሳሊ መገዲ ጉዕዞ ባሕሪ ናብ ፓናማ ይጓዓዙ ከምዘለዉን፡ ነቲ ጉዕዞ ምስ ክርስቶስ ዘራኽብ ናይ እምነት ጉዕዞ እንክብሉ ከምዝሰመይዎን ቅድም ኣቢሎም ኣብ ሳንቲያጎ ደ ካምፖስተላ ቅዱስ ስፍራን ኣብ ፋጢማን ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራን መንፈሳዊ ንግደት ከምዘካየዱ ካብ ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብር ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈ ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንምርኻብ
12 January 2019, 17:11