ድለ

ናይ ፓናማ ርእሰ ብሔር፡ ር.ሊ.ጳ.ን ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያትን ንኽነእንግድ ስንድዋት ኢና ናይ ፓናማ ርእሰ ብሔር፡ ር.ሊ.ጳ.ን ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያትን ንኽነእንግድ ስንድዋት ኢና 

ናይ ፓናማ ርእሰ ብሔር፡ ር.ሊ.ጳ.ን ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያትን ንኽነእንግድ ስንድዋት ኢ

ካብ 2009 ዓ.ም. ኣትሒዛ ፓናማ ነታ ቀዳመይቲ ኣብ ሳንታ ማሪያ ላ ኣንቲጓ ቖመት ሰበኻ መበል 500 ዓመት ምስረታኣ ንምብዓል ኣብ ምስንዳው ካብ ዝነበረትሉ ኣዋን ኣትሒዛ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ንኽትዕደል ትጽበ ከምዝነበረትን እዚ እውን ናይ መላእ ዜጋታት ፓናማ ሃረርታ ከምዝነበረን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፓናማ ንምእንጋድ ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓና፡ ፓናማ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኸትእንግድ ብምሕራዮም ዓቢይ ኵርዓት የሕድረልና፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ሃገረ ፓናማ ርእሰ ብሔር ቫረላ ክዀኑ እንከለዉ፡ ፓናማ ካብ ዕለት 23 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ንዓለም እተብጽሕ ሃገር ከምእትኸውን ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ፓናማ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንምእንጋድ ዘድሊ ኵሉ ምቅርራባት ኣጠናቒቓ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያት ንኸተንእግድ ስንድውቲ ምዃና ዝገለጹ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ዅዋን ካርሎስ ቫረላ ሮድሪገዝ፡ ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ሎረና ካስቲሎ ደ ቫረላን ደቆቶምን ብሓባር ነቲ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምኽንያት ገይሮም ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ መደባት ምስ ተስተሳተፉ ክኸውን እንከሎ፡

ርእሰ ብሔር ዅዋን ካርሎስ ቫረላ ሮድሪገዝ

ካብ 2009 ዓ.ም.  ኣትሒዛ ፓናማ ነታ ቀዳመይቲ ኣብ ሳንታ ማሪያ ላ ኣንቲጓ ቖመት ሰበኻ መበል 500 ዓመት ምስረታኣ ንምብዓል ኣብ ምስንዳው ካብ ዝነበረትሉ ኣዋን ኣትሒዛ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ንኽትዕደል ትጽበ ከምዝነበረትን እዚ እውን ናይ መላእ ዜጋታት ፓናማ ሃረርታ ከምዝነበረን ሓቢሮም፡ እዚ ድላይ’ዚ እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ እዚ ሕልሚ’ዚ ክኽወን ኩሉ ከከም ሓላፍንፈቱ ነጢፉ ክዓዪ ከምዝጸንሐ እውን ገሊጾም፡  እቲ ሃረርታ ከኣ ክፍጸም በቒዑ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ተወላዲ ላቲን ኣመሪካ ዝዀኑ ር.ሊ.ጳ. ምእንጋድን ኣብታ ዝተወለዱላ ክፍለ ዓለም ናይ መላእ ዓለም መንእሰያት ክራኸቡን ኣብ ዙርያኦም ሓቢሮም ዝነብርዎ ሕውነት ንዓለም ዓቢይ ምስክርነት እዩ፡ ናይ መላእ ዓለም መንእሰያት ከራኽብ ዘኽእል ሓላፍነት ጸጋ እዩ፡ ፓናማ እውን ሓቢራ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብምእንጋድ ነቲ ጸጋ ትቋደስ ምስ በሉ፥ ነዚ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ከተእንግድ ቅዱስነቶም ካብ ዝወሰኑሉ ዕለት ንነጀው ንኽልተ ዓመት ክትሳናደው ከምዝጸንሔት ኣውን ሓቢሮም፡ ከም ሃገር ነዚ ዓለም ሓቆፍ መግለጺ ንምእንጋድ ሓላፍነት ምውሳድ ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር በቲ ዘለዋ ጽቡቕ ድላይን ኣአንጋዲ ባህላን ነዅሉ በዲሃ ዘድሊ ምቅርራባት ኩሉ ፈጺማ ኣብ ኣኹል ሰዓት በጺሓ ኣላ፡ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላእ ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካን ብፍላይ ከኣ ንማእከላይ ኣመሪካ ዓቢይ ምልክታ ሓዲጉ ዝሓልፍ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኰነን ምስ በሉ፡ እምበኣር ከስ ፓናማ ቅዱስነቶም ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያትን ንምእጋድ ምስንዳዋታ ኵሉ ኣጠናቒቓ ትርከብ፡ ኣብ ፓናማ ንምንቅሳቕ ዝሕግዝ ፍኖተ መልክኣ ምድሪ ከተማታትን ፓናማ ድሮ ከምእተቐረበን እዚ ኸኣ ንነጋድያንን መበጻሕትን ኩሉ ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶምን መንእሰያት ዓለምን ከነእንግድ ኵርዓትን ሓበንን ይስምዓና ክብል ኣብ ፍቓድን ሓይልን እግዚኣብሔር ብምትእምማን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናይ ፓናማ ርእሰ ብሔር፡ ር.ሊ.ጳ.ን ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያትን ንኽነእንግድ ስንድዋት ኢና
22 January 2019, 17:27