ድለ

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ር.ሊ.ጳ. ንዅሉ ምስ እተገልግል ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡ እዮም ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ር.ሊ.ጳ. ንዅሉ ምስ እተገልግል ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡ እዮም 

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ር.ሊ.ጳ. ንዅሉ ምስ እተገልግል ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡ

ምስ ዘተፈላለያ ሃይማኖታትን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ኣገልግሎት ንኽርስቶስ ኣብ ብጻይካ ምግልጋል ብዝብል ሕይወት ትዝትይ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ፓናማ ዝራኸብዋ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ትመስል

መንእሰያት ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንሃገረ ፓናማን የድልዩ እያቶም፡ እታካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 28 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እተአንግድ ሃገረ ፓናማ፡ ቅድስ ኣቦና ብጸሎት ትጽበይ ኣላ፡  ር.ሊ.ጳ. ኣብ ፓናማ ኣገልጋሊት ምስ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡ እዮም ነዚ ዝበሉ ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ዶሚንጎ እዮኣ መንዲየታ ክዀኑ እንከለዉ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ፓናማ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2019 ዓ.ም. ናይታ ሃገር ናይ መንእሰያትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓናማን ጭቡጥ ኩነት ንመላእ ዓለም ዘቃልሕ እዩ፡ ዘተ ምስቲ ካባኻ ዝተፈልየ ርሑቕካ ግና ዘይኰነ፡ ማንም ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ተምሳሉ ርሑቕ ኣይኰነን፡ ኩላትና ኣብቲ ፍጹም ሰብ ኢየሱስ ንእግዚኣብሔር ቀረባን ንሓድ ሕድና እውን ቀረባ ኰይንና ኢና፡ ኣብ ፓናማ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ናይዚ ኵነት’ዚ ጭቡጥ ምስክር እያ፡ ምስ ዘተፈላለያ ሃይማኖታትን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ኣገልግሎት ንኽርስቶስ ኣብ ብጻይካ ምግልጋል ብዝብል ሕይወት ትዝትይ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ፓናማ ዝራኸብዋ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ትመስል፡ ኣብ ኣግልግሎት ኵሉ ንዅሉ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓናማ ነቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንምእጋድ እተካይዶ መንፈሳውን ሰብኣውን ምድላዋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዕለት 22 ብምኽንያት ናይቶም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘበገሱ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ  መዓልቲ በዓለ ቅድስና ብምትሕሓዝ ክትሰናደው ከምዝጸንሔት እውን ሓቢሮም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓናማ መንእሰይን ፍስህትን ህብረ ባህልን ህብረ ዓሌትን ዝዀነት ሓደ እምነት ምስ እትነብርን ኣብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን እትርከብ ኣብሳሪት ቃለ ወንጌል ምስ ዝዀነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስነቶም ክራኸቡ እዮም፡ ብናይ እግዚኣብሔር ምሕረት እተጸናንዕን ትምህርተ ክርስቶስ ብምንቕቓሕን ብምንባርን ቅዱስ ኣቦና ኣብ እምነት ንኸጽንዕዋን ቃሎም ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮኦምን ስብከቶም ንኽትዕድለ ብሓንቀውታ ትጽበይ ኣላ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ካብ ዕለት 22 ጥሪ ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናብ እተእንግድ ሃገረ ፓናማ መንእሰያት፥ ብሓቀይና ሰውራ ኣገልግሎት ካብ ገዛእ ርእስኹም ውጹን ናብ ካልኦት ኣብሉን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዕለት 22 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ይዝከር፡

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ ር.ሊ.ጳ. ንዅሉ ምስ እተገልግል ቤተ ክርስቲያን ክራኸቡ እዮም
17 January 2019, 08:55