ታሪኽ ኣመጻጽኣ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1985 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ርሑስ በዓለ ልደን ሓድሽ ዓመትን ምንዮቶም ንናይ ኵሪያ ሮማና ናይ ቀረባ ተሓባበሮቶም ካርዲናላትን ጳጳሳትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ

ታሪኽ ኣበጋግሳ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ዝኣወጅዎ ቅድስ ናይ ድሕነት ዓመት ብናቶም ድላይ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽቐውም ምስ ዝገበርዎ ዓቢይ ቅዱስ መስቀል ዝተተሓሓዘ እዩ፡ “እቲ ነጋዲ መስቀል” ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ዓቢይ መስቀል ሎሚ ኣብ ዝተፈላላለያ ሃገራት ማለት ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት በቢ ክልተ ዓመት ኣብ ዝካየደለን ሃገራት ዑደት ዘካይድ ኰይኑ ዋና መንበሪኡ ኣብቲ ናይ መንእሰያት ማእከል ቅዱስ ሎረንዞ ኣብ ኢጣሊያ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ዓቢይ 3.8 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ መስቀል ድሕሪ ቅዱስ ዓመት ድሕነት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበረ መስቀል ክኸውን እንከሎ ንምእመናን ተረኪቡን ኣብ ማእከል መንእሰያት ቅዱስ ሎረንዞ ክቐውም ምስ ተገብር መስቀል ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ብዝብል መጸውዕ ክፍለጥ ጀመረ፡ ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ንፈለማ ጊዜ ንግደት ኣብ ጀርመን ዘካየደ ክኸውን እንከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ዝካየደልን ሃገራት ዑደት ዘካይድ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሰለስተ ሚእቲ ሺህ መንእሰያት ምስ ር.ሊ.ጳ.

ዕለት 31 መጋቢት 1985 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓለ ሆሳእና ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት፡ 300 ሺሕ መንእሰያት ነታ መስቀል ዝተሰከሙ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብውዱብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ውሳኔ መሰረት  1985 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ዓመት መንእሰያት ተባሂሉ ስለ ዝተሰምየ በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ ዙሪያ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምዝ ተረኸቡ፡ ነዚ ዝርኣዩ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥

ታሪኽ ኣመጻጽኣ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ቅዋሜ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1985 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ርሑስ በዓለ ልደን ሓድሽ ዓመትን ምንዮቶም ንናይ ኵሪያ ሮማና ናይ ቀረባ ተሓባበሮቶም ካርዲናላትን ጳጳሳትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ነቶም ኣብ ዙርያኦም ተረኺቦም ንዝነበሩ 300 ሺህ መንእሰያት ምስ ቢሎም እናሓሰቡን እቲ ርክብ ዘሕደረሎም ሓሴት እውን ገሊጾም፡ ብእግዚኣብሔር ብፍሉይ ዝተባርከ ኩነት እንክብሉ እውን ኣረጋጊጾም፡ በዚ ምኽንያት’ዚ  ምስ በዓለ ሆሳዕና ተተሓሒዙ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክበዓል ገበሩ፡ ሓላፍነቱ ከኣ ነቲ ኣብቲ እዋን ጳጳሳዊ ናይ ዓለማያን ምእመና ጉዳይ ዝሓልይ ንዝነበረ ቤት ምኽሪ ክኸውን ወሰኑ፡ ቀጺሉ እቲ ኣብ በዓለ ሆሳዕና ዝበዓለ መዓልቲ መእሰያት ብሰበኻ ደረጃ ክኸውን በቢ ክልተ ዓመት ከኣ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እትሕረይ ከተማ ክካይድን ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መእሰያት ር.ሊ.ጳ. ዝሳተፍሉ ኰይኑ ብወግዒ ተበገሰ።

ታሪኽ ኣመጻጽኣ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ዕለት 23 መጋቢት 1986 ዓ.ም. ቀዳምይ ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፡ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 12 ሚያዝያ 1987 ዓ.ም. ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ኣርጀንቲና ቦኖስ ኣይረስ ከተማ፡

ኣርጀንቲና

 

ዕለት 27 መጋቢት 1988 ዓ.ም. ሳልሳይ ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፡ ካብ ዕለት 15 ክሳብ ዕለት 20 ነሓሰ 1989 ዓ.ም. ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ስፐይን ሳንቲያጎ ደ ኮምፖስተላ፡

ስፐይን

ዕለት 2 ለካቲት 1990 ዓ.ም. ሓምሻይ ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፡ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 15 ነሓሰ 1991 ዓ.ም. ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፖላንድ ከተማ ቸስቶኮዋ፡

ፖላንድ

ዕለት 12 ለካቲት 1992 ዓ.ም. ሻብዓይ ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፡ ካብ ዕለት 10 ክሳ ዕለት 15 ነሓሰ 1993 ዓ.ም. ሻምናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ደንቨር፡

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ዕለት 27 መጋቢት 1994 ዓ.ም. ታሽዓይን ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 15 ጥሪ 1995 ዓ.ም.  ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላን፡

ፊሊፒንስ

ዕለት 31 መጋቢት 1996 ዓ.ም. መበል ዓሰርተ ሓደ ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፡ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 25 ነሓሰ 1997 ዓ.ም. መበል 12 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓሪስ፡ ዕለት 28

ፈረንሳ

መጋቢት 1999 ዓ.ም. ሰበኻዊ መበል 13 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡ ካብ ዕለት 15 ክሳብ ዕለት 20 መበል 14 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሮማ፡  ዕለት 8 ለካቲት 2001 ዓ.ም. መበል 16 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን0

ሮማ

ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 28 ሓምለ 2002 ዓ.ም. መበል 17 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ፡ ዕለት 13 ሚያዝያ 2003 ዓ.ም. መበል 18 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፡ ዕለት 4 ሚያዝያ 2004 ዓ.ም. መበል 19 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2005 ዓ.ም. መበል 20 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ጀርመን ከተማ ከለንን፡

ካናዳ

ዕለት 9 ሚያዝያ 2006 ዓ.ም. ሰበኻዊ መበል 21 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡ ዕለት 1 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም. መበል 22 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡ ካብ ዕለት 15 ክሳብብ ዕለት 20

ጀርመን

ሓምለ 2008 ዓ.ም. መበል 23 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ኣብ ኣውስትራሊያ ከተማ ሲድነይን፡ ዕለት 5 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም. መበል 24 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡

ኣውስትሪያ

ዕለት 23 መጋቢት2010 ዓ.ም. መበል 25 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ስፐይን ከተማ

ስፐይን

ማድሪድ ዕለት 1 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. መበል 27 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ሓምለ 2013 ዓ.ም. መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ብራዚል ከተማ

ብራዚል

ሪዮ ደ ጃነይሮን፡ ዕለት 13 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. መበል 29 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡ ዕለት 29 መጋቢት 2015 ዓ.ም. መበል 30 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን፡

ፖላንድ

ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 31 2016 ዓ.ም. መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፖላንድ ከተማ ክራኮቪያን፡ ዕለት 9 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. መበል 32 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያን፡ ዕለት

25 መጋቢት 2018 ዓ.ም. መበል 33 ሰበኻዊ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ከእተኻየዱን ናይ ለምዘበን መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እዚ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ኣብ ፓናማ ዝካይድ ይኸውን።

ታሪኽ ኣመጻጽኣ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት
21 January 2019, 11:48