ነዋ ተወልደ መድኃኔ ዓለም ፍሥሓ ለኵሉ ዘየአምን። ነዋ ተወልደ መድኃኔ ዓለም ፍሥሓ ለኵሉ ዘየአምን።  

ሰንበት ዘአማኑኤል 28 ታሕሣሥ 2011 ዓ.ም. ( 1/6/2019)

መዝሙር፡ ውእንዘ ሀለዉ ህየ በጽሐ ዕለተ ወሊዶታ. . አብኡ እንከለዉ መዓልቲ ምውላዳ በጽሐ በዅሪ ወዳ ወለደት፥ ንስኺ ቤተልሔም ምድረ ሳይዳ ካባኺ ንጉሥ ይሁዳ ክወጽእ እዩ፥ አዋልድ ጢሮስ ሽዑ ክሰግዳ እየን፥ ክቡር ዕንቊ ዝኾነ መሰረታ አብአ ሰብአይ ተወልደ፥ ኩሎም ነገስታት ምድሪ ይሰግዱሉ መባኡ ኸአ ወርቂ ከርበን ዕጣን እዩ፥ እንሆ መድኃኔ ዓለም ተወሊዱ ሓጎስ ንኹሉ ዝአምን”።

ንባባት፡  ሮሜ 8፡3~18፥ 1ዮሓ 4፡1~9፥ ግ.ሓ. 3፡22~ፍ፥ ሉቃ 1፡26~56።  ምስባክ፡  1. ምስለከ ቀዳማዊ በዕለት ኃይል፥ በብርሃኖሙ ለቅዱሳን፥ ወለድኩከ እምከርስ እምቅድመ ኮኮበ ጽባሕ።

2.   የሐዩ ወይህብዎ እምወርቀ ዓረብ ወዘልፈ ይጸልዩ በእንቲአሁ፥ ወኵሎ አሚረ ይድኅርዎ።

አብ ልጡርግያ ዓድና ታሕሣሥ 28 አማኑኤል ተባሂሉ ይፍለጥ አብ አርባዕተ ዓመት ልደት በዚ ዕለት ይኸውን። በዚ ዕለት ኩሉ ሰብ ንብዓለ ልደት ምቅርራብ ክኸውን ምእንቲ ኩሉ ይጸውም ፍሉይ ምቅርራብ ይግበር። ሰብ ብነፍሱን ብሥግኡን ንልደት መድኃኒ ዝኸውን ምቅርራብ ይገብር። አማኑኤል ዝብል ስም “እንሆ ድንግል ክትጠንስ  ወዲውን ክትወልድ እያ ስሙ ኸአ አማኑኤል ኪብልዎ እዮም ትርጉሙ ኸአ አምላኽ ምሳና ማለት እዩ” (ማቴ 1፡22~23) ካብ ዝብል መሰረት እዩ። ኢየሱስ ምስ ተወልደ አምላክ ሰጋ ለቢሱ አብ መንጎና ተረኺቡ። ብዓለ ልደት ነዚ ዝምስክር ስለ ዝኾነ ቅድሚ ልደት ዘላ ዕለት ንትስብእቲ ክርስቶስ ስለ እትሕብር አማኑኤል ትብሃል።

ነዚ ክሕግዘና ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ሉቃስ አንቢብና። ልኡኽ አምላኽ ኮይኑ ገብርኤል መልአክ አብ ማርያም ተላኢኹ። ብስራት ክነግራ እሞ ንአምላኽ ክትተሓባበሮ። “ሰላም ንአኺ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ንስኺ እንካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ ” እናበለ ማርያም መን ምዃናን ምስ አምላኽ ከመይ ዝበለ ርክብ ከምዘለአን ምስ ካልኦት አንስቲ ክትርኤ እንከላ ከመይ ዝበለት ከም ዝኾነት ገሊጹ። ማርያም ወላእኳ ከማና ሰብ ትኹን ፍሉይ ዝገብራ በቲ አምላኽ አብ ዝገበሮ እዩ። ሓደ ወዱ ካብአ ስለ ዝተወልደ ፍልይቲ ክትከውን ግድን ኮይኑ። አብ ሕይወትና አምላኽ ንፍሉይ ነገር ክሓርየና እንከሎ ክነስተውዕል ይግብአና። አምላኽ ክንተሓባበሮ ይደሊ ብፍላይ አብ ድሕነት አሕዋትና ክንልአኾ ይደሊ እዩ። ንመልእኽቲ አምላኽ ክንቅበል ፍቓደኛታት ክንከውን ሎሚ እዋኑ እዩ።

“ማርያም አብ ቅድሚ አምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኽሞ አይትፍርሂ፥ እንሆ ክትጠንሲ ወዲ እውን ክትወልዲ ስሙ ኸአ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ” እናበለ እቲ ካብአ ዝውለድ መን ምዃኑ ገሊጹላ። አደ አምላኽ እታ ዝቐረበት አብ አምላኽ እያ ፍቕሩን ዕብየቱን ብዝያዳ ተረዲኣ ዝተቐበለት አደ ሎሚ አብ ወዳ ክተቕርበና ጣዕምን ፍቕርን ወዳ ክትሕብረና ንቕረባ። መድኃኔ ዓለም ፈጣሪ ዓለም ክንፈልጦ ክነለልዮ ሎሚ እዋኑ እዩ። ንሱ ከም ማንም ሰብ ኮይኑ መጺኡና ክንፈልቶ ክንቅበሎ ንማርያም ሓብርና ንበላ።

አብ ፋርስ ዝብሃል ሃገር ሓደ ለባምን ጥበበኛኝ ንጉሥ ከምዝነበር ይንገር። ንህዝቡ አጸቢቑ ይፈትዎም ስለ ዝነበረ ከመይ ከምዝነብሩ ጸገማቶምን ኩሉ ሕይወቶምን ክፈልጥ ይደሊ ነሩ። ሓደ መዓልቲ ናይ ሓረስታይ ክዳን ተኸዲኑ አብ ብብዝሒ ድኻታት ዝቐምጡሉ ገዛውቲ ከይዱ። ካብቶም ክርእዮም ዝመጸ ንሱ ንጉሥ ምዃኑ ዝፈለጠን ዝገመተን አይነበረን። ሓደ ካብኦም ብዘይመጠም ድኻ ዝነበረ አብ ሕማቕ ቦታ ይቕመጥ ነሩ። እቲ ንጉሥ ምስኡ በሊዑ ኩሉ ተሳቲፉ ንቦትኡ ተመሊሱ። ድሕሪ ገለ መዓልታ ነቲ ድኻ ክዳን ንግሥነቱ ተኸዲኑ ብዓቢ ዓጀባ መጺእዎ መን ምዃኑ ኸአ ገሊጽሉ። እቲ ንጉሥ ገለ ህያብ ወይ ገለ ነገር ክገብረሉ ዝሓቶ መሲልዎ ነሩ። እንተ ኾነ እቲ ድኻ ሰብ “ንስኻ ግርማኻን ክብርኻን አዳራሽካን ሓዲግካ ንአይ ክትበጽሕ አብዚ ናይ ድኻታት ቦታ ጸልማት ዝመልኦ መጺእካ። አነ ዝበላዕክዎ መግቢ ድኻታት ምሳይ በሊዕካ። ንልባይ ሓጎስ አምጺእካሉ። ንኻልኦት ምናልባት ዓቢ ህያብ ሃብቲ ሂብካዮም ትኸውን ንአይ ግን ርእስኻ ሂብካኒ ኢልዎ ይብሃል።

አብ ልደት ናይ ነጋውስ ንጉሥ ንሰማያዊ ዝፋኑ ሓዲጉ አብዚ ትሑትን ውርደት ዝመልኦ ዓለምና ሕይወትና አብ ኩሉ ድኽነትና ሽግራትና ቃንዛታትና ክሳተፍ አብ መንጎ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ናይ ዝሓደሮ ነብዕል። እቲ ሕቶ ኢየሱስ ፍሉይ ህያብ ናይ ዝሃበና አይኮነን ንሱ ሕይወቱ ብርእሱ ሂቡና አሎ። አብዚ ወጻኢ እንርከብ ናይ “Santa Claus” ታሪኽ ንፈልጦ ኢና ሳንታ ብለይቲ መጺኡ አብ ትሕቲ ናይ ልደት ገረብ ህያባቱ ሂቡ ይጠፍእ ይኽወል ቆልዑት ሳንታ ዘይ ወዳእ ህያብ ዝህብ ግን ዘይፍለጥ ሂቡ ዝኸይድ እዮም ዝፈልጡ። ክርስቶስ ግን ሂያባቱ ሂቡ ዝጠፍእ አይኮነን። ምሳና ክነብር አብ መንጎና ክሓድር ይመጸና። ሰብአዊ ጸገማትና ክካፈል ይመጸና። ብርእሱ አብ መንጎና ምርካቡ እቲ ዝበለጸ ህያብ እዩ። ከምቲ አብዚ ታሪኽ ዝተነግረ ካብ ንጉሥ ንዋታዊ ህያብ ካብ ምቕባል ምስ ንጉሥ ምዃን ዝበለጸ ህያብ እዩ።

ዘለዓለምዊ ውሉድ አምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማያዊ ዝፋኑ ሓዲጉ ከማና ስጋ ለቢሱ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ንአና መሲሉ። እዚ እዩ እቲ አብ መዓልቲ ልደት እነብዕሎ ምስጢር። አብ ቤተልሔም አብ ብዓቲ ዝተወልደ ዘለአለማዊ ቃል አምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ እንታይነት ምስጢሩ አብ መንጎና ሓዲሩ ገሉጹልና። አብ ዕብ 10፡5 “ክርስቶስ አብ ዓለም ክመጽእ አንከሎ” “እግዚአብሔር ሰውነት አዳልዩሉ” ዝብል ንረክብ እዚ ኸአ ነቲ ናይ ኢየሱስ ትስብእቲ ከመልክት ኢሉ እዩ።

ኢየሱስ አብ ዓለም ዝመጸ ፍቓድ አብኡ ክፍጽም እዩ (ዕብ 10፡5)። አብ ቤተ መቕደስ አይሁድ አብቲ ዝበለጸ ቦታ መስዋዕቲ መሪጹ እዚ ኸአ ንድላይ አምላኽ ምቕባሉ ከርእየና ኢሉ እዩ። ንድላይ አምላኽ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ክንፍጽም ኢልና እንገብሮ ንእነዕርጎ ብመስዋዕቲ ክንትክኦ ይክአል እዩ።

ሎሚ ዓቢ ጋሻ አብ መንጎና ክሓድር ይመጽአና አሎ ፍሉይ ምቅርራብ ክንገብር ይግብአና፡

·         ነፍስና አንጺሕና ክንቅበሎ። ዝኾነ ንኢየሱስ ዘይበቅዕ ሕይወት እንተ አሎና ክንሳሕ ክንጸር። አምላኽ አብ ዝነጽሐ ልብና ክሓድር እዩ ዝደሊ ዘሎ። አብ ሕይወትና አቲና ክንክእል ይግብአና። ሎሚ ብሃንደበት ብዘይተፈልጠ ዘይኮነ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ኩሉ ይሕብረና አሎ። መላእኽቱ ሰዲዱ መድኃኒ ተወሊድልኩም አሎ ብጽሕዎ ምስ ህያባትኩም ይብለና አሎ። ልብና አንጺሕና አብ ገዛና አብ ሓዳርና አብ ሕይወትና ነእትዎ።

·         ንዓቢ ጋሻ ዝግባእ ምቅርራብ ንግበር። ክቡር ጓሻ መጠን ዕብየቱ ነኽብሮ ንሱ ይሕጎሰሉ እዩ ዝበልናዮ ንቕርብ ብፍላይ ብዓል ጽቡቕና እንተ ኾነ ሞሳ ናይ እቲ ዝገበረልና ክንመልስ ዝክአለና ንገብር። ሎሚ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ አብ መንጎና ሓዲሩ ደቂ ሰማይ ክገብረና አፍደገ ድሕነት ክኸፍት ይመጽእ አሎ ንሰናዶ። ናይ ሓጎስ ሽምዓ አብ ሕልናና አብሪህና ንቀበሎ። ግዙፋዊ ምቅርራብ ጥራሕ ዘይኮነ ልብናንን ሕይወትና ብምልኡ ሓደ መንፈስ ሒዙ ንቀበሎ።

·         እንቋዕ ድሓን መጻእካ አብ ዓለምና ንበሎ። ጓሶት መጀመርያ ልደት ክርስቶስ ዝተነግሩ እዮም። ክበጽሕዎ ተሓቢሮም። ህያባቶም ሒዞም ተቐቢሎሞ። እንቋዕ ድሓን መጻእካ አብዛ ጭንቀት ውርደት ዝመልአ ዓለምና፥ ናትካ ምምጻእ ንኹሉ ዝቕይር ስለ ዝኾነ ልደትካ ብስራት ሓጎስ ሰላም እዩ እዮም ሎሚ አብ ልበይ ምጻእ ንበሎ። ከመጽአና ከአ እዩ ንቀበሎ።

·         ምስጢር ልደት ፈሊጥካ ምኻአል። ልደት አምላኽ ትስብእቲ ዝለበሰሉ ፍጡር ባህሪ አምላኽ ዝለበሰሉ ዓቢ ምስጢር እምነትና እዩ። አማልኽቲ ኢኹም ደቂ እቲ ልዑል ኢኹም ዝብል ጸሎት አብ ትስብእቲ ክርስቶስ ዝተመስረተ እዩ። ዓለትና መንነትና ደቂ አምላኽ ኮይኑ። ናይ አምላኽ ዘይምዃን ናትና አይኮነን። ልደት አብቲ አምላኽ ዝገበረልና ሰናይ ክንምለስ ዝዕድመና እዩ።

አብዚ መጨረሽታ መዓልቲ ንምጽአት ክርስቶስ እንዝክረሉ እዋን ንኹሉ ንአምላኽ ዝበቅዕ ገርና ብዓልና ክነብዕል ንሕተት አሎና። አብ መዓልቲ ሓጎስ አብ መዓልቲ ብርሃን ክንአቱ ሎሚ ፍሉይ ነገራት ሕይወትና ርኢና ክንክእል እሞ አምላኽ ናትና ክኸውን ንሕና ኸአ ናቱ ኮና ክንርከብ ፍቓደኛታት ንኹን።

ታቦት አምላኽ ዝኾነ ልብና ብኹሉ ነጺሑ ክህሉ ነታ አብ ማህጸና ዝጾረቶ ማርያም ንሕና እውን አብ ሕይወትና ጸርና ምስኡ ክንውሃሃድ ሎሚ ሓግዝና ንበላ። ከምቲ ንስኺ ዕብዮቱን ምስጢሩን ርኢኺ ዝተቐበልክዮ ዝሰማዕክዮ ንሕና እውን ሕይወትና ክንቅይር ክንሰምዖ ሕይወትና ታቦቱ ክንገብሮ ነቲ ካብኡ ዝፈልየና አሊና ንወድኺ ክንበጽሖ ሓግዝና ንበላ።

በዚ ብሩኽ ልደት ንኹልኹም ኩሉ ጸጋታቱ ክዕድለኩም እና ተመነኹ ንአኻትኩምን ንኹሎም ፈተውትኹምን ርሑስ ልደተ ክርስቶስ እብል። አብ ሃገርናን ዓለምናን ሰላም ነጊሱ ኩሉ ዝሕጎሰሉ ዘመን የውርደልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

06 January 2019, 12:30