መጸአ ቃል እምደመና ዘይብል ዝንቱ ውእቱ ወልደየ ዘአፈቅር ሎቱ ስምዕዎ መጸአ ቃል እምደመና ዘይብል ዝንቱ ውእቱ ወልደየ ዘአፈቅር ሎቱ ስምዕዎ 

ብዓለ ጥምቀት 11 ጥሪ 2011 ዓ.ም. (1/19/2018)

መዝሙር: ሖረ ኢየሱስ በትፍሥሕት ውስተ ከብካብ “ኢየሱስ አብ ማእከል ሕዝቢ ተአምራትን ድንቂ ነገራትን እናገበረ ናብ መርዓ ተሓጒሱ ከደ ክብሩ ነርድእቱ ገለጸ ንሳቶም ከአ ብአኡ አመኑ፥ በቲ ብአምላኽ ዝተዋህበ በረኸት እቲ አቦ ዳስ አድነቐ ወዲ አምላኽ ተስፋናን በጃናን ኮነ፥ ካባና ስዉር እንከሎ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ለወጦ” ይብል።

ንባባት፡ ቲቶ 2፡11-14፥ 3:4-7፥ 1ዮሓ 5፡1-13 ግ.ሓ. 10፡34-39፥ ሉቃ 3፡15-22  ምስባክ፡  1. ርእዩከ ማያት እግዚኦ፥ ርእዩከ ማያት ወፈርሁ፥ ደንገፁ ቀላያተ ማይት ወደምፀ    ማይትሆሙ። መዝ. 76፡16

       2. ባሕርኒ ርእየት ወጎየት ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅረሁ አድባር አንፈርዕፁ ከም ሓራጊት።  መዝ.113፡34

ዘመነ አስተርእዮ ኢና ዘሎና እዚ ኸአ ብፍሉይ ንጥምቀት እዩ ዜስምዕ ምኽንያቱ ኸአ ጎይታና ክብሪ መለኮቱ አብ ጥምቀቱ ስለ ዝገለጸልና። ዘመን አስተርእዮ 5 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ።

እዚ እዋን ድርብ ብዓላት እነብዕለሉ ጊዜ እዩ፥ ማለት ጥምቀት፥ ቃና ዘገሊላ፥ ክብረ ብዓል ቅዱስ ሚካኤል አብ ከረን፥ እዚ ኹሉ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ሓቀኛ መልክዑ ሒዙ ሰላም ፍቕሪ ሓጎስ ለቢስና ክንጉዓዝ ምእንቲ እዩ። ናይ ኢየሱስ ጥምቀት እንታይ እዩ? ጥምቀት እንታይ ማለት እዩ እንታይከ ይጠቕመና፥ እንታይ ፍሉይ መልእኽት የዘኻኽረና ኢልና ክንስተንትን የድሊ።

ጥምቀት ኢየሱስ አምላኽ ብርእሱ ባኅርና ለቢሱ አብ መንጎና ዝሓደረሉ ብዓቢ ተገልጾ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተፈጸመ እሞ ንነፍስወከፍና ፍሉይ ትእምርቲ ከምዝሃበና ዘዘኻኽር እዩ። አምላኽ አብ መንጎና ብፍሉይ መንገዲ ሓዲሩ ተገሊጹና፥ እዚ ግልጸት አስተርእዮ ንብሎ። ሰለስተ ተገልጾታት ብፍሉይ ንዝክር፥ (1) ልደት፡ ኢየሱስ አብ መብልዕ ማል አብ ቤተልሔም ምስ ተወልደ ተገሊጹና። ነዚ ቀዳማይ ግልጸት ክርእዩ ዝተዓደሙ ንኹሎም ድኻታት፥ ሓጢአተኛታት፥ ንኹሎም ብትሑት ዓይኒ ዝርአዩ ወኪሎም ዝመጸ እቶም ሕያዊት ጓሶት እዮም። እዚ ቀዳማይ አስተርእዮ ይብሃል። (2) ኢየሱስ ምስ ተወልደ ንኹሉ ዓለም ክግለጽ እዩ መጺኡ። ማቴዎስ ወንጌላዊ ነዚ ከረድአና ኢሉ ነቶም ሰለስተ ፈላጣት ካብ ርሑቕ ምስራቕ ዝመጹ ሰብአ ሰገል ከም ዝተገልጸ የዘንትወልና። (3) ናይ አምላኽ ህላዌ አብ መንጎና ብኢየሱስ አቢሉ እዩ እዚ አብ አርባዕቲኦም ወንጌላውያን ተገሊጹ ንረኽቦ። እዞም ክልተ ቀዳሞት ግልጸታት ምስ ልደት ኢየሱስ ክተሓሓዙ እንከለዉ እዚ ሳልሳይ ግልጸት ግን ድሒሩ ዝመጸ ስብከቱ አብ ጊዜ ምጅማር እዩ ተገሊጹ ማለት አብ ጊዜ ጥምቀቱ ብዮውሓንስ።

አብ ትንቢተ ኢሳያስ 40፡1-11 ዘሎ እንተ አንበብና ናይ ተስፋን ምጽንናዕን ንህዝበ አምላኽ ዝተዋህበ ንርኢ። ትንቢት ኢሳያስ ብምልኡ ንክርስቶስ እዩ ዘመልክት ንሱ እቲ ቅቡእ አምላኽ ክንሓዊ ኢሉ አብ መንጎና ዘሎ፥ ብዝያዳ ምስኡ ዘሎና ርክብ ከጽንዕን ሰላምና ክሐድስን ኢሉ ምሳና ዘሎ እዩ። ኢሳያስ ከምዚ እናበለ ይገልጾ “ንሕዝበይ አጸናንዑ እወ ንሕዝበይ አጸናንዑ . . . . . ነቶም ዝተበጀዎም ሕዝቢ ኂዙ ብኃይሊ ኺገዝእ ይመጽእ አሎ፥ ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ይከናኸነን ንዕያውቱ አኪቡ አብ ሕቕፉ ይስከመን ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድአት ይመርሐን” ይብል። እዚ እዩ እቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአሉ፥ አብ ጊዜ ጥምቀቱ ብአምሳል ርግቢት አብ ልዕሊኡ ወሪዱ ንአገልግሎት ክወፍር ዝተዋህቦ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ቲቶ ዝጸሓፋ (2፡11-14) ዘዘኻኽረና “ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ ማለት በቲ ኻልአይ ልደት ዚህብ ምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን አድኃነና፥ ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ አብ ልዕለና አብዚኁ አፍሰሶ” (ቲቶ 2፡5-7) ይብለና። ክርስቶስ ብጥምቀቱ ንአና መንጪ ጸጋ ጥምቀት ቀደሰልናን ከፈተልናን። ብጥምቀቱ ገሩ ኸአ ጉዕዞ ድሕነትና ጀመሮ። አብ ክርስቶስ ብምጥማቕና አብ ናይ ድሕነት መስርሕ ተቐባልነት ረኺብና።

አብ ወንጌል ሉቃስ እግዚአብሔር አብ “ብአኻ ዝተሓጎስኩ ፍቁር ወደይ ንስኻ ኢኻ” እናበለ ክዛረብ ተሰምዐ። አብዚ ጥምቀት አምላኽ ንክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ አጠሚቕዎ አብ ተልእክኡ ምሕረትን ሰላምን አብ ኵሎም ህዝቢ ከምጽእ ኸአ አበጊስዎ። ክርስቶስ ተልእኮኡ ክጅምርን ብግዚኡ ንዝነበረ ስርዓት ክፍጽምን ንአና ፍሉይ ጥቕሚ ምስጢረ ጥምቀት ከረድአናን ኢሉ እዩ ተጠሚቑ እምበር ግድን ዘድልዮ ኮይኑ አይኮነን፥ ምኽንያት አብኡ ዝኾነ ናይ አዳም ኃጢአት ሳዕበን አይርክበን ስለዚ ጥምቀት ዮሓንስ ይኹን ካልእ አየድልዮን እዩ ነሩ። ንአና ግን የድልየና ምኽንያቱ ብጸጋ ጥምቀት ኢና ካብቲ ካብ አቦና አዳም ዝወረስናዮ ኃጢአት እንነጽሕ። አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ነዚ ክገልጽ እንከሎ፥ “ክርስቶስ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ንአና መሰለ ይብል” (ዕብ 4፡15)።

አዕሙቕ አቢልና እንተ ርአና እንታይ እዩ ምስጢር ጥምቀት ኢየሱስ ኢልና ክነስተንትን ግቡእ እዩ። ኢየሱስ ክጥመቅ ዝደለየሉ ምኽንያት ንሱ ብዘይካ ሓጢአት ብምልኡ ንአና ከም ዝመሰለ እሞ አባልና ከም ዝኾነ ከረድአና ኢሉ እዩ። ብኹሉ ብዘይካ ሓጠአት ንአና መሲሉ ቀሪቡና። እቲ አምላኽ ንአና ብዝቕረበ መገዲ ክቐርበና ዝደለዮ መንገዲ በቲ ዝተሓተ ንአና መሲሉ ቀሪቡና። ንሱ ንአና ንኃጣን መታን ክመልስ ኢሉ ንስርእሱ አዋረደ አብ መጨረሽታ ከአ አብ መስቀል ብዘሕፍር ሞት መይቱ ደቂ ሰማይ ገሩና።

አብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝኾነ ነገር ክርዳእ እንተኾና ልዕሊ እቲ አብኡ ዝተፈጸመ ማለት ጥምቀት ክንሓስብ አሎና። አብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተፈጸመ ነገር ዘርእየና ኢየሱስ ብምሉእ ሰማያዊ አብኡ ከም ዝተቐበሎን ከም ዘጽደቖን እዩ። አብ ሩባ ዮርዳኖስ ኢየሱስ ብሰማያዊ አብኡ ንተልእኮ ከም ዝተበገሰ ንርኢ። አብዚ ምሉእ ሓላፍነት ካብ ሰማያዊ አብኡ ከም ዝተቐበል ንርኢ። ካብቲ ማይ ክወጽእ እንከሎ ሰማያት ተኸፍቱ መንፈስ አምላኽ ከአ አብ ልዕሊ ኢየሱስ ወረደ፡ “እዚ ዘፈቅሮ ወደይ እዩ ብአኡ ዝሰመርኩ” ዝብል ቃል ከአ ተሰምዐ። እዚ ናይ ኢየሱስ መንፈስ ቅዱስ ምቕባል እዩ ክንብሎ ንኽእል። እቶም ብዓይኒ እምነት ዝርእዩ ጥራሕ ክርእይዎ ዝኽእሉ። ንሕና እውን አብ ጊዜ ጥምቀትና ነዚ ጸጋ ኢና ተቐቢልና።

አብ ግ.ሓ. ጴጥሮስ ንቀርኔለዎስ ነቲ መጀመርያ ካብ አረማውያን ዝአመነ ከጠምቖን ብዝዕባ ኢየሱስ ክዛረቦ እንከሎ “አምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን አኃይልን ቀብኦ” ይብል። አብዚ እቲ ቕብአት ብማይ እምበር ብዘይቲ ከም ዘይኮነ ንርኢ። አብዚ ቅብአት እዚ ኢየሱስ ንጉሥን ጎይታን ከም ዝኾነ ንርኢ። ክርስቶስ ዝብል ስም ንቕብአቱ እዩ ዘመልክት ትርጉሙ ኸአ “እቲ ቕቡእ” ማለት ኮይኑ ብዕብራይስጢ”መስሕ” ዝብል እዩ። እዚ ኹሉ ኢየሱስ ንተልእኮ ቅድሚ ምውፋሩ ዝተገብረ ስርዓት አብ ዝተፈጸመሉ ጊዜ ዝኾነ እዩ።

አብ ትንቢት ኢሳይያስ 42፡1-7 ዘሎ አነጻጺርና እንተ ረኤና ምስ ምስጢር ጥምቀት ኢየሱስ  ዝሰማማዕ መግልጺ ንርኢ “አነ ዝኃረኽዎ ብእኡኸአ ባህ ዝብለኒ ዝድግፎ ባርያይ እንሆ መንፈሰይ አብኡ አኅዲረ አሎኹ” ዝብል ነንብብ። ነዚ ናይ ኢሳያስ ትንቢት ምስ ናይ ኢየሱስ ተልእኮ ከምዚ ዝስዕብ ገርና መቒልና ክንርእዮ ንኽእል።

  • አይክጭድርን ድምፁ ዓው አቢሉ አብ አደባባይ አይክስማዕን እዩ።
  • ጭፍሉቕ ሻንብቆ አይክሰብርን ኪጠፍእ ደልዩ ዚተክኽ ጧፍ ድማ አይኬጥፍእን እዩ።
  • ፍትሒ አብ ምድሪ ክሳብ ዝምስርት ኃይሉ አይሓምቕን አይሕለልን. . . . ።
  • አነ ጸዋዕኩኻ አብ መድሪ ፍትሒ ምእንቲ ኽትገብር ከአ ኃይሊ ሃብኩኻ።
  • ብርሃን አሕዛብ ክትከውን ሓረኹኻ፥ ንስኻ ኸአ አዒንቲ ዕዉራት ክትከፍትን ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ነቶም አብ ጸልማት ተአሲሮም ዚነብሩ ኸአ ኻብ ማእሰርቶም ከተውፅኦም ኢኻ።

እዘን አብ መጨርሽታ ዘለዋ ቃላት ኢየሱስ አብ ናዝሬት አብ ዓዱ አብ ቤተ ጸሎት አይሁድ አብ ሉቃስ 4፡18-19 ክደግሞ ንርኢ። እዚ ዅሉ ብግሩህ መንገዲ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ክፍጸም ንርእዮ። እዚ ዓቢ ግለጸት አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥናን ጎይታናን አብ መንጎና ምስ ኃደረ ክዉን ኮነ።

ጥምቀት ክርስቶስ ክንዝክር እንከሎና ናይ ነፍስ ወከፍና ጥምቀት ምስቲ ናይ ኢየሱስ ዘልኦ ርክብን ክነስተንት ትርጉሙ ፈሊጥና ዳግም ክንሕድሶ ንማለት እዩ። አብ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝተመሃርናዮ ጥምቀት ናይ አቦና አዳም ሓጢአት የጥፍአልና ደቂ እግዚአብሔር ከአ ይገብረና። ብፍላይ ሕፃናት ካብ ወለዲ ዝተወርሰ ሓጢአት ብቕጽበት ከንጽሖም እንከሎ እሞ ሓንሳብ ምስ ነጽሑ ካብአታቶም ዝሕተት ዘይብሎም ይኾኑ ንሓዲስ ሕይወት አብ ክርስቶስን አብ ማሕበሩን ይአትዉ።

አብ ገለ ክፍሊ ዓለማት ብፍላይ አብተን ብሃብቲ ርእሰን ዝኸአላ ክርስትና ደኺሙ ሃብቲ ዓለምን ዛሕሊ መንፈስን ዛሕሊ አብ ዘሎ እዋን ገለ ክርስትንኦም ክኽሕዱ ገለ ኸአ ነቲ ብንእስነቶም ዝተቐበልዎ ጥምቀት ክንጸጉ ንርኢ። ካቶሊካውያን ምዃኖም ዝነጽጉ ንርኢ። እንተኾነ ክትርድኦ ጽጉም እዩ ክርስትና ትርጉም ሕይወትካ ዝህበካ ኩሉ ሕይወትካ ሕጉስ ክትከውን ቅኑዕ መንገዲ ዝሕብረካ ከንሱ ሰባት ንግጉይ መገዲ ይመርጹ። ንሕና ሓቀኛ ትርጉም ጥምቀትና እንተ ተረዳእና እዚ ጨሪሹ አይምኾነን።

ጥምቀት ከም ኩሎም ምስጢራት ፈሊኻ ዝርአ አብ ሓደ ፍሉይ ክፍሊ ሕይወትና ዝርአ አይኮነን። ክንጥመቕ ከሎና ንምሉኡ ሕይወትና አሰንዩ ዝኸይድ ጸጋ ከም ዘልብሰና ብምእማን እዩ። ንሕና ሕፃናት ከሎና ይኹን ምስ ዓበና ይኹን ዝህበና ጸጋ ሓደ እዩ ንሱ ኸአ ብምሉእ ምስ ማሕበር ቤተክርስትያን አባላት ንኸውን። ተቐበልቲ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ኩሉ እጃምና ነበርክት። ጥምቀት ብዘይድላይና ዝተዋህበና ብሓይሊ ዝተገብረልና ጉዳይ አይኮነን። በዚ ምኽንያት እዩ ብፍላይ ነቶም ምስ ዓበዩ ዝጥመቑ ነዊሕ ምስንዳውን ምምሃርን ምፍላጥን ዘድልዮም። ከምኡ ድሕሪ ጥምቀት እውን ቀጻሊ ትምህርንት መግለጽን በብእዋኑ ዝውሃብ። በዚ ኢና ጥምቀት አብ ቅድሚ ምሉእ ማሕብር ቤተክርስትያን እንፍጽሞ። ናይ አቦና አዳም ሓጢአት ብገለ መንፈሳዊ አንብሮ ኢድ ወይ ብገለ ተአምራታዊ ቃላት ብምድጋም አይ ኮነንን ዝጠፍእ ብጥምቀት እዩ ዝጠፍእ።

ጥምቀት ክሕግዘና እንተኾነ ኩሉ ጊዜ ምስ ከማና ዝበሉ ሰባት ዝተአሳሰረ ጥቕሚ ክህልወና አልኦ። ጥምቀት ምስ ማሕበረ ዘየራኽብ እንተኾነ ቤተክርስትያን ሱቕ ኢላ አይትህበናን እያ። ጥምቀት ምስ ካልኦት ርክብ ክህልወና ከሎ ጥራሕ ኢና ክንቅበሎ እንኽእል። ጥምቀትና ልክዕ ከምቲ ናይ ኢየሱስ እምነትና ምስ ካልኦት ክንካፈሎ ማለት ብቓልን ብአብነትን ክነተግብሮ አሎና። እዚ ክንገብር ካብቲ ንሰውነትና ካብ ሓጢአት ክንከላኸል እነጥፍኦ ሓይሊ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል።

ሕርየትና ሕያው መሰኻኽር ወንጌል ክንከውን፥ ናይ ዓለም ጨው ክንከውን፥አብ ጎቦ ዝተደኮነት ከተማ ክንከውን፥ ሽምዓ ኮና አብ ከባቢና ዘሎ ጸልማት ብብርሃን ክንኩልዖ፥ ምስኩሎም ማህበር ክርስቶስ ኮና ብሓደ መንግስቲ አምላኽ ክነቕውም እዩ። ነዚ አዕሙቕ አቢልና እንተ ሓሰብናሉ ዘሎናዮ ዘመን ብፍላይ ክርስትያን ወላ እውን ደቂ ሓደ እምነትን ዓድን ነነድሕዶም ጨካኔ ብዝመልኦ ክጣፍኡን ክጸልኡን ክትርኢ ከሎኻ አብ ሕልናኻ ምልክት ሕቶን ብሓቂ ዘሰክፍን ኩነት ይፈጥር። ብጥምቀት ዝለበስናዮ ሓላፍነትን ጸጋን ንጸጋም ሓዲግና ልኡኻት ሰይጣንን መሳርሕቱን ኮና አሎና። ስለዚ አብ ልብና አብቲ ብጥምቀት ዝአቶናዮ ማሕላ ንመለስ። እዚ ካብ ኢሳያስ 42 ዝጠቐስናዮ ንኢየሱስ ይኹን እምበር ዘመልክቶ ንነፍስወከፍና እውን ይምልከት እዩ። ጥምቀትና ሓደ ጊዜ ዝተወሃብናዮ አብ መዝገብ ጥምቀት ተመዝጊቡ ዝተርፍ አይኮነን፥ ሕያው ነገር ብቐጻሉ ክዓሙቕን ክህብትምን ዘልኦ ጉዳይ እዩ።

ሎሚ ልብና ንሰማያዊ አቦና ከፊትና ናብኡ ንጠምት እሞ እተን ንኢየሱስ “እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ ብአኡ አጸቢቐ ዝተሓጎስኩ” ዝብላ አብ ነፍስወከፍና ክድገማ። ጥምቀት ንሓዲስ ጉዕዞ መንፈስ ክንክተል እሞ ንስብከተ ወንጌል ክንወፍር ሓዲስ ሓይሊ ዝህበና እዩ እሞ ኩልና ብሓደ አሜን ከምኡ ይግበረልና ንበሎ።

ብሩኽ ብዓለ ጥምቀት ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

19 January 2019, 18:59