“እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ”! “እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ”! 

እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ!

ኣብ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ጸልማት ዝቕንጥጥ፡ ፍትሕን ሓቅነትን ዘምጽእ፡ ሕይወት ዝህብ ዓቢይ መድኃኒ ንቕበል

“እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ”!

 በዓለ ልደት፥ ፳፱ ታሕሣሥ፳፻፲፩፣ 7 ጥሪ: 2019 ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት ሕዝበ እግዚኣብሔር

“እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ”! በዓለ ልደት፥ ፳፱ ታሕሣሥ፳፻፲፩፣ 7 ጥሪ: 2019 ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ እነሆ ሎምዘመን እውን፣ ብኃይሊ እቲ ኲሉ ዝከኣሎ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፣ በዓላት ልደትን ጥምቀትን ኣብ እነኽብረሉ መዓልታት ንኣቱ ኣሎና። ንናይ ሎምዘመን ኣስተንትኖና ዝመረጽክዎ ኣርእስቲ ከኣ ካብ መጽሓፍ ነቢይ ኢሳያስ ዝተወስደ እዩ። ንሱ ብዛዕባ ምጽኣት መድኃኔ ዓለም ክንበ እንከሎ ቅድሚ መድኃኔ ዓለም ምምጻኡ ጸልማትን ሞትን ባርነትን ከምዝነበረ፣ ንሱ ምስ መጸ ግን ፍትሕን ሰላምን ከምዝነገሠ ኣነጺሩ ይገልጽ። “እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፣ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም” (ኢሳ 9፡2) ክብል ከሎ፣ ብዛዕባ እቲ ንጋሆ መጺኡ ምሸት ዝኸይድ ብርሃን ፀሓይ፣ ወይ እቲ ምሸት መጺኡ ንጋሆ ዘልግስ ጸልማት ለይቲ ኣይኮነን ዝዛረብ። ንኢሳይያስ ብርሃን ማለት ነጻነት ሓርነት ቅሳነት ሰላም ምዕባለ ማለት እዩ። እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ዝነበረ ሕዝቢ ብርሃን ረኣየ ማለት ከኣ፣ እግዚኣብሔር ነቲ ንሕዝቡ ዝኸበዶም ኣርዑትን ነቲ መንኲቦም ዚዘብጦም ዝነበረ በትርን ስለዝሰበሮ፣ ነቶም ንሕዝቡ ዝጭቊኑዎም ዝነበሩ ኣሕዛብ ስለዝሰዓሮም፣ እዩ ዘስምዕ (ኢሳ 9፡4 ረአ)። ነዚ ህያብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ብርሃን ዘምጽእ ከኣ ሓደ ኃያል ሕፃን ምስ ተወልደ እዩ። “ሕፃን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተዋሂቡና እዩ፣ ንሱ ከኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ንሱ ‘ግሩም መኻሪ’፡ ‘ብርቱዕ ኣምላኽ’፡ ‘ዘለዓለማዊ ኣቦ’፡ ‘መስፍን ሰላም’፡ ተባሂሉ ኪጽዋዕ እዩ። ብዘመን መንግሥቱ ድማ ኲሉ ጊዜ ሰላም ኪኸውን እዩ። ኣብ ዙፋን ንጉሥ ዳዊት ኮይኑ ኪገዝእ እዩ። ካብ ሕጂ ንዘለዓለም ብሓቅን ብፍትሕን ኪገዝእ እዩ። እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነዚ ኪገብሮ መዲቡ ኣሎ” (9፡6-7)። እንደገና ከኣ፣ “ኦ ኢየሩሳሌም ብርሃንኪ ወጺኡ፣ ክብሪ እግዚኣብሔር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ ተንሥኢ ከም ፀሓይ ብርሂ። እንሆ ጸልማት ንምድሪ ጣቓ ድማ ንሕዝብታት ኬጐልብቦም እዩ፣ ኣብ ልዕሌኺ ግና ብርሃን እግዚኣብሔር ኪወጽእ፡ ክብሩውን ኪረአ እዩ። ኣሕዛብ ብርሃንኪ፣ ነገሥታት ከኣ ጸዳል ብራቕ ፀሓይኪ፡ ኪርእዩ ኪመጹ እዮም” (ኢሳ 60፡1-3) ይብል። ሚልክያስ ነቢይ ከኣ “ንኣኻትኩም ነዞም እተኽብሩኒ ግና ምድኃን ኃይለይ ከም ፀሓይ ጽድቂ ኪበርቀልኩም እዩ፣ ከም ጩራ ፀሓይ ከኣ ፈውሲ ኬምጽኣልኩም እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ከም ፍታሕ ብተይ ክትወጹን ክትዕንድሩን ኢኹም” (ሚልክ 4፡2) እናበለ ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ድኅነት ከም ፈዋሲ ብርሃንን ጩራ ፀሓይን ገቢሩ ይገልጾ። እቲ ነቢያትን ኣሕዛብን ዝተጸበዩዎን ወትሩ ዝጽበዩዎን ሕፃን ድማ፣ እቲ ኣብ ጸሎት ሃይማኖት፥ “ብርሃን ዘእምብርሃን ኣምላክ ዘእምኣምላክ” ፣ ብርሃን ካብ ብርሃን ኣምላኽ ካብ ኣምላኽ እናበልና፣ እምነትና እንገልጸሉ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ እዩ እቲ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ዓቢይ ብርሃን ዝኾነሎም። ንሱ እዩ እቲ ኣርዑት ባረነቶምን ጭቆናኦምን ዘልገሰሎም። ዘካርያስ ኣቦ ዮሓንስ መጥምቕ እውን ኣብ መዝሙር ምስጋናኡ፣ ነቲ ኣብ እርጋኑ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ወዱ “ኣታ ሕጻን እውን መገዲ ልዑል ክትጸርግ ቀቅድሚ ጐይታ ክትከይድ ኢኻ እሞ ናይቲ ልዑል ነቢይ ተባሂልካ ክትስመ ኢኻ” ድሕሪ ምባል፣ ንነቢይ ኢሳያስ ጠቒሱ ብዛዕባ እቲ ካብ ማርያም ዝውለድ መድኃኒ፡ “ንሱ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ዚርከቡ ኬብርህ እዩ፣ ነእጋርና ከኣ ናብ መንገዲ ሰላም ኪመርሕ እዩ” (ሉቃ 1፡79) እናበለ ተስፋ ኣበው ኣብ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጸመ ክገልጽ ንርእዮ። ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ብወገኑ፣ ኣብቲ “ቀዳሚሁ ቃል” ዝብል ቀዳማይ ምዕራፍ ወንጌሉ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ወልደ እግዚኣብሔር ክዛረብ ከሎ፣ “ሕይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ከኣ ኣይሰዓሮን”(ዮሓ 1፡4-5) ይብለና። ቀጺሉ ድማ “እቲ ንኲሉ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጸ” (ዮሓ 1፡9) ኪብል ንረኽቦ። እዚ ሕይወት፡ ሓቂ፡ ብርሃን፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ መን እዩ? እንተበልና፣ ዝተፈላለየ ስያሜ ድኣ ይወሃቦ እምበር፣ ኢየሱስ ሕፃን ከምዝኾነ ኣይንጠራጠርን ኢና። ንሱ፡ ኣብ ክንዲ ሞት ሕይወት፡ ኣብ ክንዲ ሓሶት ሓቂ፡ ኣብ ክንዲ ጸልማት ከኣ ብርሃን፡ ዝዕድል ከኣል ኲሉ እንኮ መድኃኒና ምዃኑ ንምርግጋጽ እዩ ቅድም ዝተባህለ፡ ሕጂውን መዓልቲ መጸ ዝበሃለና ዘሎ። በዚ ዝመጽእ በዓላት ልደትን ጥምቀትን ልደቱን ኣስተርእዮቱን ከነብዕል ከሎና እምበኣር ነቲ ጸልማትና ዝቕንጥጥ፡ መንፈሳዊ ሕይወት ዝዘርኣልና፡ ናብ መንገዲ ሓቅን ፍትሕን ዝመርሓና፣ ካብ ባርነት ኃጢኣት ሓራ ዘውጽኣና መድኃኒ ንቕበል ኣሎና ማለት እዩ። ድሕሪ ልደቱ፡ ማርያምን ዮሴፍን ንኢየሱስ ሕፃን ናብ ቤተመቕደስ ምስ ወሰዱዎ፡ ስምዖን ኣረጋዊ ነቲ ሕጻን ኣብ ሕቚፉ ተቐቢሉ፡ “ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን ንሕዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ ዚገልጽ እዩ”(ሉቃ 2፡32 ) ኢሉ ነቲ ምምጻእ መድኃኒ ኪርኢ ዘፍቀደሉ ልዑል ኣምላኽ ከመስግን ንረኽቦ። ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ከኣ “ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፣ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም”(ማቴ 4፡16) ብምባል እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ትንቢት ኣብ ልደት ኢየሱስ ብሓቂ ከምዝተፈጸመ የረጋግጸልና። ብሓቂ ከኣ “እቲ ቃል ሰብ ኮነ፣ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ከኣ ምሳና ነበረ። ከምቲ ነቦኡ ሓደ ወዱ ዝኾነ ዚረኽቦ ክብሪ ዝኣክል ክብሩ ረኣና” (ዮሓ 1፡14)። ኣብ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ጸልማት ዝቕንጥጥ፡ ፍትሕን ሓቅነትን ዘምጽእ፡ ሕይወት ዝህብ ዓቢይ መድኃኒ ንቕበል ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ዮሓንስ ወንጌላዊ ብምጽኣት ኢየሱስ “ንሕና ኲልና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና” (ዮሓ 1፡16) ዝብል። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ድኅነት ብሥራት ክእውጅ ምስ ጀመረ ብዙኅ ጊዜ ብዛዕባ ብርሃንን ጸልማትን ክዛረብ ንሰምዖ። ኣብ ወንጌል፡ ባዕሉ ኢየሱስ ደጋጊሙ “ ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ፣ እቲ ዝስዕበኒ ከኣ ብርሃን ሕይወት ኪረክብ እምበር ብጸልማት ኣይክኸይድን እዩ”(ዮሓ 8፡12) “ኣብ ዓለም ከሎኹ ብርሃን ዓለም ኣነ እየ” (9፡5) ክብል ንረኽቦ። ብካልእ ኣዘራርባ ድማ “መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ” (ዮሓ 14፡6) ይብለና። እዚ ብርሃን እዚ ከኣ፣ መንገዲ ሕይወትን፡ ሓቅን፡ ድኅነትን፡ ከርእየና እዩ ናብ ዓለም መጺኡ። ንሕና ከኣ ምርጫናን ውሳኔናን ክንገብር ንዕደም ኣሎና። ሎሚውን ንነፍስ ወከፍና ንብርሃንዶ ንጸልማት ትመርጽ/ጺ? ዝብል ሕቶ ይቐርበልና ኣሎ። መልስናኸ እንታይ እዩ? ኣብ ደብረ ታቦር ኢየሱስ “ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፡ ገጹ ከም ጸሓይ በርሀ፣ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ”(ማቴ 17፡2)። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝጽበየና ዘሎ ዘይዓርብ ጸሓይ፣ ዘይጽልምት ሕይወት፣ እዩ ዘመልክት። “ሽዑ ኢየሱስ ‘ገና ቊሩብ መዓልቲ ብርሃን ምሳኹም ኣሎ፣ ስለዚ ጸልማት ከየርክበኩም ብብርሃን ተመላለሱ፣ ምኽንያቱ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ክትኮኑ ከኣ ብርሃን ከሎኩም ብብርሃን እመኑ’ በሎም (ዮሓ 12፡36)። “እቲ ብኣይ ዝኣምን ዘበለ በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ብኣይ ኣይኮነን ዚኣምን። እቲ ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ እዩ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ከይነብር፣ ኣነ ብርሃን ኮይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣሎኹ”(12፡44-46)። ነቲ ኢየሱስ ዘምጽኣልና ድኅነት ክንቅበል ድልዋት ዲና? በዚ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ነቲ ጊዜ ፍለጥዎ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን በጺሑ እዩ፡ ከመይ ምድኃን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቀሪቡ ኣሎ። ለይቲ ኃሊፉ መዓልቲ ቀሪባ እያ። ስለዚ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ” (ሮማ 13፡11-12) እናበለ ዝምዕደና። ቀጺሉውን “ብጓይላን ስኽራንን ብምንዝርናን ዕብዳንን ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ፡ ከም ብመዓልቲ ብቅንዕና ንንበር። ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበሱዎ እምበር ንዊንታ ሥጋኹም ከተርውዩ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ” (ሮማ 13፡ 13-14) እናበለ ስራሕ ጸልማት ገዲፍና ብርሃን ክርስቶስ ክንለብስ የተባብዓና። ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ፡ ትርጉም እቲ መድኃኒና ዘምጽኦ ብርሃን ሓቂ እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ይገልጸልና። “ጸልማት ኃሊፉ እዩ ብርሃን ሓቂውን ድሮ የብርህ ኣሎ። ‘ኣብ ብርሃን ኣሎኹ’ ዚብል ንኃዉ ከኣ ዚጸልእ፣ ገና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንኃው ዘፍቅር ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር። ኣብኡውን መዓንቀፊ የልቦን። እቲ ንኃዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፣ ኣብ ጸልማትውን ይነብር፣ ጸልማት ነዕይንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ” (1 ዮሓ 2፡8-11) ይብል። ቀጺሉ ድማ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፣ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና ኣምላኽ ኣባና ይነብር፣ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም”(1 ዮሓ 4፡12) ብምባል እታ እውነተይና ብርሃን ሓቂ፣ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ምዃና የረድኣና። ቅዱስ ጴጥሮስ ብወገኑ ምምጻእ መድኃኔ ዓለም እንታይ ከምዝገበረልና ክገልጽ ከሎ፡ “ንስኻትኩም ግና ዕቤት ናይቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ክትነግሩ ኅሩይ ወለዶ፡ ናይ ንጉሥ ካህናት፡ ቅዱስ ሕዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ሕዝቢ ኣይነበርኩምን፣ ሕጂ ግና ሕዝቢ ኣምላኽ ኢኹም። ቅድም ምሕረት ኣይረኸብኩምን ነቢርኩም፣ ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም” 1ጴጥ 2፡9-10) ይብል። ስለዚ፣ መዝሙር ሰንበት ዘብርሃን ከምዝብሎ ንሕናውን፡ ኣብዚ በዓላት እዚ፣ እቲ “ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ቡሩክ እዩ። ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ብርሃኑ ዘብርህ መርዓዊኣ ንቤተክርስትያን ናብ ዓለም መጽአ። ንዝጠፍአ ዝረድእ፣ ዝተዘርዉ ዝእክብ መጺኡልና”(ዘብርሃን) እናበልና ንቀበሎ። ብሓቂ ተኸተልቲ ክርስቶስ እንተኮይንና፣ ንሕናውን ብወገንና፣ ንካልኦት ብርሃን ክንኮኖም ጸዋዕታናን ኃላፍነትናን ምዃኑ ባዕሉ ኣነጺሩ ነጊሩና ኣሎ። “ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም፣ ኣብ እምባ ዘላ ከተማ ክትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ ኣብ ቤት ንዘሎ ኲሉ ምእንቲ ኪበርህ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ ተንብሮ እምበር ኣብ ትሕቲ ከፈር ከተንብሮ ኣይተብርሆን ኢኻ። ከምኡ ከኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኬመስግንዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” (ማቴ 5፡14-16)። እምበአር፡ ብዘይካኡ ሓንቲ ነገር ክንገብር ከምዘይንኽእል ተኣሚናን፣ ነቲ “ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ መንገድታት ክመርሖም ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ፣ ንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ክገብረሎም ኣይክኃድጎምን ድማ እየ” (ኢሳ 42፡16) ዝብል ኣምላኽና፣ ንሕና ከኣ “ቃልካ ንስጉምተይ መብራህቲ ንመንገደይ ብርሃን እዩ” (መዝ 119፡105)፣ “ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፡ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፣ ናብታ መኅደሪኻ ዝኾነት ቤት መቕደስካን የብጽሓኒ” (መዝ 43፡3)። “ስለምንታይ ዝጒሂ፣ ስለምንታይከ ዝህወኽ፣ ተስፋይ ኣብ ኣምላኽ ክገብር እየ፣ ንመድኃንየይን ኣምላኸይን መሊሰ ከመስግኖ እየ” (መዝ 43፡5) እናበልና ምስጋና ብዝመልኦ ልቢ ንለምኖ። እምነትና ምስ ቅዱስ ዮሓንስ፣ “እግዚኣብሔር ብርሃን እዩ፡ ኣብኡ ከኣ ጸልማት ዚብልዎ ከቶ የልቦን። ‘ምስኡ ኅብረት ኣሎና’ እናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፣ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና ንሓድሕድና ኅብረት ኣሎና ፣ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ኃጢኣት የንጽሓና እዩ” (1 ዮሓ 1፡5-7) ከምእንብል እዩ ዚገብረና። ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት እምበኣር፣ ነታ ‘ኣንቲ ምሥራቅ፣ ወወልድኪ ፀሓየ ጽድቅ!” እናበልና እንውድሳ እግዝእትነ ማርያም፣ ነዚ ኢየሱስ ወዳ ዘምጽኣልና ብርሃን፣ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ፡ ብእምነትን ብትሕትናን ብፍቕርን ክንቅበል ኣማልድልና ንበላ። “ኣዲኡ ድማ ነዚ ኲሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” (ሉቃ 2፡51)። ንኲልና፣ ብርሃን ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ዝመልኦን ዝተቐደሰን በዓላት ልደተ ጥምቀት ይግበረልና። ኣሜን።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ

05 January 2019, 17:45