ማርያም፥ ኣላሚት መለኰታውነት

ሓደ ካብቶም ማእለያ ዘይብሎም ንማርያም ዝትወሃበ መጸውዕ ስም፡ ኣደ እግዚኣብሔር ዝብል እዩ፡ እዚ ንታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይን ክቡርን ዝዀነ፡ ካብ ጥንቲ ብዙሓት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ነዚ መጸውዕ ስም ሃልዮምን ዘሚሮምን ድርሳናት ኣቕሪቦምን እያቶም፡

ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 1 ጥሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ እተብዕለሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ንማርያም ዝተወሃበ ቅዱስ መጸውዕ ስም ካብ ርሑቕ ክልተ ሺሕ ዓመታት ኣትሒዙ ንብዙሓት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ናይ ዝለዓለ ምርምርን መጽናዕትን ኣስተንፍሶ ዝዀነን፡ ሰብ ክንየው ምድራዊ ሕይወት ናብ ሰማየ ሰማይ ከቕንዕ ዘኽእሎ እግዚኣብሔር ይኹን ዝብሎ ተመክሮ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ድሕነት ታሪኽ ብመሰረቱ ዕርቃናውነት ዝተሸፈነሉ፡ ካብ ሕፍረት ተላቒቕካ ክብርኻ ዳግም እትረኽበሉ ታሪኽ እዩ፡ ኣዳም ዕርቃኑ ስነ ዝነበረ ካብ መንግስተ ሰማይ እቲ ካብኡ ዝውለድ መላእ ዘርኢ ሰብ ለኪሙ ይሃድም፡ ኣብ መንጐ እቲ ቃልሲ መንፈስ ሰናይን መንፈስ ክፍኣትን ካልእ ሳልሳይ እቲ ሓድሽ ዕርቃን ዝሽፍ ሓድሽ ልብሲ እትኣልም ገባሬ ኣካል እታ ሎሚ ዓመታዊ ክብረ በዓል እመ ኣምላክ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃበ ቅድስቲ መርያም ዝበልካዮ ይኹነለይ ብምባል ትዋሳእ፡ ማርያም ናይ ጓለንስተይት ተክለ ሰብነት ተብርህ፡ እቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዘመልክት ልብሲ ትኣልም።

ማህሌት ቅዱስ ኤፍሬም

ሓደ ካብቶም ማእለያ ዘይብሎም ንማርያም ዝትወሃበ መጸውዕ ስም፡ ኣደ እግዚኣብሔር ዝብል እዩ፡ እዚ ንታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይን ክቡርን ዝዀነ፡ ካብ ጥንቲ ብዙሓት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ነዚ መጸውዕ ስም ሃልዮምን ዘሚሮምን ድርሳናት ኣቕሪቦምን እያቶም፡ እቲ ብዓብይ ዝጥቐስ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኤፍሮም ሶሪያዊ ዲያቆን ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍን ሊጡርጊያን ሊቅ፡ እቲ ብዛዕባ ናይ ማርያም ኣደነት ብልደትን ግልጸትን ኣቢሉ ዝገልጾ ጥልቂ ማህሌት ምጥቃስ ዝክኣል እዩ።    

ናይ መለኰታውነት ኣገልጋሊት

“እቲ ወልደ ከሃሌ ኵሉ መጸን ኣባይ ሓደረን ኣነ ከኣ ኣዴኡ ኰንኵ (…) እቲ ናይ ኣዲኡ ልብሲ ዝለበሰ ስጋይ ስጋኡ ገይሩ ዝለበሰ ንሳ ድማ ንኽብሩ ለበሰት” እንክብል ኤፍሬም ድሕሪ ብስራት ገብርኤል ዘሎ ኩነት ማርያም ይገልጸልና፡ ማርያም ይብል ቅዱስ ኤፍሬም፡ ንወዳ “ኣነ ኣገልጋሊት መለኰታውነትካን ኣደ ሰብኣውነትካን” ዝብሉ ቃላት ኣብ ልሳና የንብር፡ ናይ ማርያም ፍጽመ ፍጹማን ኣደነታ ንኽገልጽ ነቲ ኣብ መንጐ ፈጣርን ፍጥረትን ዘሎ ደልሃመት ይገልጽ።

ቅዱስ ኣምብሮዚዩስ ንስኺ ፍጹም ሰብ ንኽትኰኒ መታን፡ ንሱ ሕጻን ኰነ ብኣጭርቕቲ ተጠቕለለ ንስኺ ካብ መግነዝ ሞት ናጻ ክትኰኒ መታን፡ ንኣኺ ኣብ መንበረ ታቦት ንኸንብር፡ ንሱ ኣብ መብልዒ ማል ተወልደ ንሱ ኣብ ምድሪ ንስኺ ናብ ከዋኽብቲ ክትበጽሒ መታን  እንክብሉ እቲ ማርያም ኣደ እግዚኣብሔር ምዃና ኣደ ሰብኣዊ ኩሉ ፍጥረት ናይ ምዃን ሓለፋ ከምዘዕስላ ይገልጽ።

ዘይቋረጽ ኣደነት

ካብቲ ህሞት ትስብእቲ ንደሓር ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ንኽብረ በዓለ እመ ኣግዚኣብሔር ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፡ ኢየሱስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ሰብኣውነትና የንብር፡ ብዘይ ሰብ እግዚኣብሔር የሎን የብል፡ ኢየሱስ ዝለበሶ ስጋ ካብ ኣዲኡ ተቐበለ፡ በዚ ርክብ’ዚ ኣቢሉ ሕጂን ንሓዋሩን ኣዴኡ ክትከውን ፈቐደ፡ ኣደ እግዚኣብሔር ዝብል ስያሜ ንማርያም ኣደ እግዚኣብሔር ቢልና ክንጽውዓን እግዚኣብሔር ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣብታ ኣብ ማሕጸና ዝተሰከመቶ ኣደ ሕጻን ብምዃን ቀረባ ኰነ” እንክብሉ ዘለዓለማውነት ኣደነት ማርያም ይትንትኑ።

ማርያም፥ ኣላሚት መለኰታውነት
02 January 2019, 09:04