ኰንጐ፡ መግለጺ ማሕበረሰብ ልምዓት ናይ ደቡብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኰንጐ፡ መግለጺ ማሕበረሰብ ልምዓት ናይ ደቡብ ሃገራት ኣፍሪቃ 

ኰንጐ፡ መግለጺ ማሕበረሰብ ልምዓት ናይ ደቡብ ሃገራት ኣፍሪቃ

መግለጺ ማሕበረሰብ ልምዓት ናይ ደቡብ ሃገራት ኣፍሪቃ

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ቅልውላው ካልእ ሳዕቤን ከይህልዎ ኣብታ ሃገር መንግስቲ ሓገራዊ ሓድነት ክቐውምን ቆጸራ ህዝባዊ ድምጺ ዳግም ክካየድ ኣንጐላን ቦትስዋናን ሎሰቶን ማዳጋስካርን ማላዊን ማሪሸስን ሞዛምቢክን ታሚቢያን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐን ሲሸልስን ደቡብ ኣፍሪቃን ስዋዚላንድ ታንዛኒያን ዛምቢያን ዚምባብዌን ዝሓቁፍ ማሕበረሰብ ልምዓት ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝሓተተ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ፡ ሕጹይ ኰይኖም ዝቐረቡ ማርቲን ፋዩሉ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብቲ ናቶም ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ማእከል ናይ ጸጥታ ሃይሊ ከምዝዋፈረን፡ እዚ ኸኣ ንዘለዎ ተስፋ ቍርጸት መግለጺ እዩ ቢሎም፡ እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዘዕተሮ ውጽኢት ብትኽኽል ኣይተገልጸን ቢሎም ቆጸራ ሕዛባዊ ድምጺ ዳግም ክካየድ ጻውዒት የቕርቡ ከምዘለዉ ካብ ኰንጐ ዝወጹ ዘለዎ ምንጪ ሓበሬታ የመላኽቱ። 

ኰንጐ፡ መግለጺ ማሕበረሰብ ልምዓት ናይ ደቡብ ሃገራት ኣፍሪቃ
14 January 2019, 17:53