ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ፥ በዓለ ልደት ንዓመጽ ኣይፋል ምባል እነብዕለሉ እዩ ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ፥ በዓለ ልደት ንዓመጽ ኣይፋል ምባል እነብዕለሉ እዩ 

ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ፥ በዓለ ልደት ንዓመጽ ኣይፋል ምባል እነብዕለሉ እዩ

ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ሰላም ክነብርን መጋበርያ ሰላም ዝኸውንን ኣብ ዓለም ኰነ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ኣብ ማሕበራውን ውልውቃውን ሕይወቱ ሰላም ክብልን ሰላም ከብጽሕን ዝኽእል ኣብ ልቡ ነቲ ናይ ሰላም ንጉስ ናይ እግዚኣብሔር ሓይሊ መግለጺ ዝዀነ ምስ ዘአንግድ እዩ

ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ብፁዕነቶም ስቪኣቶስላቭ ሸቭቹክ ምእመናን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ኣይፋል እናበሉ ሰላም ዘብጽሑን ገብርቲ ሰላምን ንኽዀኑ ብምኽንያት ዕልት 7 ጥሪ ብናይ ምስራቕ ስርዓት ዝበዓል በዓለ ልደት ዘግእግዚእነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተላብዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

በዓለ ልደት ምብዓል ማለት፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ኣይፋል ብምባል ንመላእ ዓለም ናይ ሰማያት ሰላም ምብሳርን ምብጻሕን ማለት እዩ፡ ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ስድራ ቤትን ኵሉ፡ ንሕይወት ሕራይ ዝበሃለሉ ሕይወት ዝምስከረሉን እዩ፡ መላእ ክርስቲያን ናይ ሰላም መልእኽተይና ምዃኑ ዝሕድሰሉን ሰላም ኣብ ምስፋሕ ዳግም ቃሉ ኣሐዲሱ ዝብገሰሉ ቅዱስ ዕለት እዩ ዝበሉ ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ናይ ኬየቭን ካይችን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕነቶም ሸቭቹክ ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፡ ናይ ምስራቕ ስርዓት እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ዕለት 7 ጥሪ በዓለ ልደት ከምእተብዕልልን

ኣብ ስድራ ቤት ዓመጽ ኣይፋል ምባልን ናይ ሕይወት ባህሊ ምንቕቓሕን

ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ሰላም ክነብርን መጋበርያ ሰላም ዝኸውንን ኣብ ዓለም ኰነ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ኣብ ማሕበራውን ውልውቃውን ሕይወቱ ሰላም ክብልን ሰላም ከብጽሕን ዝኽእል ኣብ ልቡ ነቲ ናይ ሰላም ንጉስ  ናይ እግዚኣብሔር ሓይሊ መግለጺ ዝዀነ ምስ ዘአንግድ እዩ፡ ኰሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር ብሓይልን ብዓመጽን ኣብ ልዕሊ ድኹማት ብዝፍጸም ግብረ ጭቆና ዝግለጽ ዘይኰነስ ኣብ መብልዒ ማል ብዝውለድ ንኡስ ሕጻን እዩ ከሃሌ ኵልነቱ ዝገልጾ፡ ናይ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስቲ ድንግል ምርያምን ኣብነት ምስዓብ ማለት ዓመጽ ኣይፋል ምባልን ናይ ሕይወት ባህሊ ምምስካርን ማለት እዩ፡ ብቓልን ሕይወትን፡ ኣብ ሓዳር ሰላማዊ ሕይወት ምምስካርን፡ ዕለታዊ ሕይወት ብዘምጽኦ ጸገም ዘይብተኽ ፍቕሪ ምምስካርን፡ ናይ ሞት ባህሊ ብምቅዋም፡ … እዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ዓመጽን ናዕብን መጋበርያ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከይኸውን

ብፁዕነቶም ህልው ኩነታት ሃገሮም እናሓሰቡ፥ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ኡክራይን ዘሎ ውጥርትን ግጭትን ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ እውን ዘኪሮም፡ ምእመናን ዓመጽን ናዕብን ከም መጋበርያ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከይጥቀሙሉን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ወከልቲ እውን ብወገኖም ዓመጽ ከም መጋበርያ ከየተባብዑን ሓደራ ቢሎም፡  ብሔርተይናዊ ሕዝባውነት ዝብል ኣመለካኽታ ናይ ሓባር ጥቕሚ ከረጋግጽ ማለት ዘይሕሰብ እዩ፡ እቶም ናብ ስልጣን ዝሕርዩ፡ ስልጣን ዓመጽ ብሓይሊ ዝቃወምን ቅኑዕን ነባርን ሰላም ካብ እግዚኣብሔ ምዃኑ ዝኣምንን ስልጣን ምግልጋልን ትሕት ምባልን ምዃኑ ክስትውዓል ሓደራ ከምዝበሉ ካብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓ ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።

 

05 January 2019, 14:44