ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ዝገልጽ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብቐዳምነት ባዕሎም ብቓልን ተግባርን ኣናመስከሩ ክንበር ዘስተምህርዎ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጻእ ኣብ ማእከል ዓውደ ውግእ ቤት ሕክምና ተመሲላ እትርከብ ሰብኣዊ ፍጥረት እትናብይ መክበብባዊት ቤተ ክርስቲያን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈ “Cardine. Il WebDoc sulla Misericordia di Papa Francesco - እምኒ መኣዝን: መረብታዊ ሰነድ ዛዕባ ናይ ቅዱስ ኣቦና ግብረ ምሕረት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣርባዕተ መደብ ግብረ ሰናይ ዝካየድ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ብዘሰናደዎ መደብ ዝሳለጥን ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ዝመርሕዎ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ሓልዮትን ዝምስክር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነፍሲ ወክፍ ክርስቲያን ክነብሮ ዝተጸውዐ ሓልዮትን ምሕረትን ምዃኑ የዘኻኽር።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ቤተ ምሕደራ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራይውስኪ፡ ኣብ ሮማን ከባቢ ሮማን ዝርከቡ ድኻታት ኣሕዋት ኣባ ኮንራድ ቢሎም ዝጽውዕዎም ብጽሞናን ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ዝገልጽ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብቐዳምነት ባዕሎም ብቓልን ተግባርን ኣናመስከሩ ክንበር ዘስተምህርዎ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጻእ ኣብ ማእከል ዓውደ ውግእ ቤት ሕክምና ተመሲላ እትርከብ ሰብኣዊ ፍጥረት እትናብይ መክበብባዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ንትሁታንን ዝተናዕቁን ኣብ ሓሳርን መከራን ድኽነትን ንዝርከቡ ሓለፋ ናይ እትብል ቤተ ክርስቲያን እትነብሮ ግብረ ሰናይ ዝገልጽ መርበባዊ ዘገባ ምስማዐ ርእየት እዩ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዕለት 1 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዝመሓላለፈ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም፥ ቅድድም ኣጽዋር ውግእን ምሕርቲ ኣጽዋር ውግእን ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ውግእን ጸቕጥን ምፍርራህን ጸረ ግብረ ገብን ስምምዕን ሰላምን ምዃኑ ኣጽኒዖም የመላኽቱ፡ እቲ ኣብ ዓለም ንውግእን ምህርትን ሸመተን ኣጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ዓለም ዝረአይ ድኽነት ንምውጋድ ዘኽእል ኵለንተናዊ መደብ ሰብኣዊ ምዕባለን ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዘኽእል ምዃኑ ይሕብሩ፡ እቲ ብጳጳሳዊ ቤት ምሕደራ ምጽዋት ዝንበር ዘሎ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ሓልዮትን ዝምስክር መደብ ግብረ ሰናይ ምስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኣቨኒረ ምስ እተሰምየ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣን ትቩ200ን ካልኦት ግብረ ሰናይ ማሕብራትን ብምትሕብባር ይትግበር ምህላዉ ይፍለጥ። በዓለ ልደት ምስ ስኡናትን ድኻታትን ዝተናዕቁን ክንበር እንከሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባር ከምዝኸውን ብፁዕ ካርዲናል ኮርናርድ ክራየቭዝኪ ይሕብሩ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ናይ ኢጣሊያ ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ተቖጻጻሪ ሓይሊ ጸጥታ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምትሕብባር ዕለት 20 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣፈት ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ናይ ሓይሊ ጸጥታ መዓስከር ንልዕሊ 60 ዝግመቱ ድኻታት ናይ በዓለ ልደት ናይ ምሳሕ መኣዲ ብምቕራብ ባዕሎም እቶም ሓይሊ ጸጥታ ነቶም ድኻታት እናሳሰዩ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ብምግላጽ ከገልግሉ ከምዝወዓሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምሕረትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ
20 December 2018, 16:18