ቶማስ መርቶን፡ ፍካሬታት ድሕሪ 50 ዓመት ዝክረ እረፍቱ ህያውነቱ ሎሚ እውን ቶማስ መርቶን፡ ፍካሬታት ድሕሪ 50 ዓመት ዝክረ እረፍቱ ህያውነቱ ሎሚ እውን 

ቶማስ መርቶን፡ ፍካሬታት ድሕሪ 50 ዓመት ዝክረ እረፍቱ ህያውነቱ ሎሚ እውን

ፍሉዩን ሃብታም ፍካሬን ነቲ ኣብቲ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረ ብድሆታት ንምስጋር ዘኽእል መገድታቱ ብቓልን ብሕይወትን ዝሓበረ፡ ኣብ ሰብን ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ደረት ተርእዮ ዘአንፈተ

ዕለት 10 ታሕሳስ 1968 ዓ.ም. ኣባ ቶማስ መርቶን ባሕታውን ደራስን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መላእ ሕይወት ኣብ መንጐ ዝተፈልለያ ሃይማኖታት ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕን ኣብ መንጐ ዘፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ኣሚቱ ኣብ ዝገበር ናይ ሓባር ዘተ ምትብባዕን ስለ ሰላምን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብር ዘወፈዩ ድሕሪ 50 ዓመት ዕረፍቶም ሎሚ እውን ፍካሬታቶ ኩሉ ኣዉንን ህልውን እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቶማስ መርቶን ናይ ዘተ፡ ሰላም ኣብ መንጐ ህዝብታትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣነቓቓሕን ከምዝነበሩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓለም ለኻዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ገሊጾም፡ ፍሉዩን ሃብታም ፍካሬን ነቲ ኣብቲ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረ ብድሆታት ንምስጋር ዘኽእል መገድታቱ ብቓልን ብሕይወትን ዝሓበረ፡ ኣብ ሰብን ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ደረት ተርእዮ ዘአንፈተ እዩ ቢሎም ከምዝገለጽዎ ይዝከር።

ኣብ 1915 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ዝተወልዱን ኣባኦም ተወላዲ ነውዚላንድን እዴኦም ዜጋ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከምዝነበራን፡ ክልእቲኣቶ ወልዶን ናይ ስነ ንድፍን ቅብእን ሊቃውንቲ ከምዝነበሩን፡ ኣብ ሸውዓተ ዓመት ዕድመኦም ወላዲቶም ወደ 15 ዓመት እንከለዉ ኸኣ ኣቦኦም ብሞት ዝተፈለየኦምን ደሃር ናብ በርሙዳ ተዛዊሮምን ድሕሪ ቁሩብ እዋን ናብ ፈረንሳ ተመሊሶም ትምህርቶም ምስ ኣጠናቐቑ ዝለዓለ ትምህርቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘጠናቐቑን፡ ብዝነበሮም ብሩዕ ጠባይ ካብ ካብሪጅ መንበረ ጥበብ ዝተሰጉን ኣብ ነው ዮርክ መንበረ ጥበብ ኰሎምቢያ ብስነ ጥበብ ሊቕነት ዘመስከሩ፡ ኣብ 1938 ዓ.ም. እምነት ክርስትና ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበሉ እዮም።

ኣብ 1941 ዓ.ም. ኣብ ባሕታውያን ገዳም ቅድስተ እመቤት ዘጌተሰማንየ ኣትዮም ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግዚያዊ መብጽዓ ኣብ 1947 ዓቢይ መብጽዓ ፈጺሞ ኣብ 1949 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐበሉ።

ካብ ናይ ቀረባን ርሑቕን ናይ ሕይወት ተመክሮኦም ኣብ ዓለም ሰላም ክረጋገጽን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እውን ውሑስ ክኸውን ብቓልን ተግባርን ዘገልገሉን፡ ኣብ ’60 ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ብግልጺ ከምዝድግፉ እውን ዝሓበሩን ሰላም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስትያንን ዘነቓቕሑን፡ ኣብ ምስራቕ ዓለም ምብጻሕ ዘካየዱን ምስ ዳላይ ላማ ዝተራኸቡን ኣብቲ እዋን መርቶም 53 ዓመት ዕድመ ክምዝነበሮም መላእ ጽሑፋቶም ፍካሬታትምን ስደርስዎ ዝነበረ ግጥምታትን ኵሉ ኣብ ዓበይቲ 60 ናይ ጥበብ መጽሓፍ ዝተሰነደ ምዃኑ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዕረፍት ኣባ መርቶን  ምስ ቫቲካን ነውስ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣባ ሲመኦን ላይቫ ሓቢሮም። ምስ መርቶም ኣብ 12 ዓመት ዕድመኦም ከምእተራኸቡን፡ ምስ ተራኸቡ እውን ንገዛእ ርሶም ገዳማዊ ንኽዀኑ ከምዝደለዩን ጸኒሖም ጸጋ ጸዋዕታ ገዳማዊ ሕይወት እውን ከምእተዓደሉ የዘኻኽሩ።

13 December 2018, 16:50