2018.12.05 ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ 2018.12.05 ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ 

ሰንበት ዘኖላዊ ታሕሣሥ 21 2011 ዓ.ም. 12/30/2018

መዝሙር፡ ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም . . “ቅድም እቲ ሙሴ አብ ኦሪት ዝተዛረቦ ነገሮም ዳዊት ድማ ኃይልኻ አርኢ ንዓ አድኅነኒ እቲ ጓሳና ካብ ሰማያት ወሪዱ እዩ እቲ ጓሳና በጃ ኮይኑ ንዓለም ከድኅን እዩ ተአዚዙ ንእስራኤል ጓስኦም ኮይኑ ከድኅን ወሪዱ መጸ፥ ንስኻ ብአፍ ነብያት ዝመጸ ረዳኢ አምላኽ ኢኻ ናብ ሕዝብኻ ሰላም ስደድ ሕያዋይ ጓሳ ምስጉን ከማኻ ዝበለ መን አሎ ምእንቲ ህዝብኻ በጃ ክትከውን ብትእዛዝ አቦኻ ካብ ሰማይ ወሪድካ ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ”

ንባባት፡ ዕብ. 10:5-10፥ 1ጴጥ 1፡16-ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡17-ፍ፥ ሉቃ 1:39-45።   ምስባክ፡ኖላዊሆም ለእስራኤል አጽምእ፥ ዘይሬእዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ፥ ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።  ኦ ጓሳ እስራኤል ጽን በለና አታ ንህዝብኻ ንደቂ ዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሓና፥ አታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ ተገለጽ።

ካብ ታሕሣሥ 1-26 ዘሎ ዘመነ ስብከት ይብሃል ምኽንያቱ ነብያት ናይ ጎይታ ብሥጋ ምምጻእ አግፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ብምስትምሃሮም ምስባኾም፥ ቤተ ክርስትያን በዚ እዋን ንዝኽሪ ጥራሕ ዘይኮነ ነፍስወከፍ ንአምላኽ አብ ልቡ ከሰናዱ ኢላ እተቀራርበሉ እዋን ስለ ዝኾነ። ናይ ሎሚ ሰንበት ብፍሉይ ዘኖላዊ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክርስቶስ እቲ እንኮ ጓሳና ምዃኑ ተረዲእና አብ መጓሰኡ ክንርከብ ክንሓስብ ሕይወትና መንፈስ አምላኽ ለቢሱ ደቂ አምላኽ መጓሰ አምላኽ ዘብል መገዲ ክንሕዝ እሞ ደቂ ገዛ ኮና ደምበና ክነለሊ። እዚ ጓሳ ዝብል ካብ ጥንቲ ብነብያት ዝተነገረ እዩ። ኩሎም ነብያት ክርስቶስ ጓሳና ከምዝኾነ ተነበዩ፥ ባዕሉ ኢየሱስ ከአ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ አነ እየ” እናበለ አስተምሂሩና (ዮሓ 10፡14)። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ምስ ሓዋርያቱ እንከሎ ሓደ መጓሰ ክንከውን ጸልዩልና። ናይ አምላኽ መጓሰ ኮና ክነብር እዩ ተፈጥሮና አብ ካልእ መጓሰ ክንሕወስ ድላይ አምላኽ አይኮነን። ሎሚ መጓሰና አለሊና ደንበና ክንአቱ አምላኽ ይጽውዓና አሎ።

ሓንቲ አደ ናብ ቆመሳ ቀሪባ አባቴ “ውፉይ ሕይወት” እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ሕጽር ብዝበለዶ ምገለጽኩሙለይዶ እናበለት ሓቲታቶም። እቶም ካህን ከአ ሓደ ጻዕዳ ወረቐት አብ ኢዶም ሒዞም፥ አብ መጨረሻ ጫፍ ናይ እዚ ወረቐት ስምኪ ምፍራም እዩ፥ ንዝተረፈ አምላኽ ክመልኦ ምሕዳግ እዩ” ኢሎማ ይብሃል።

ሎሚ ዘኪርናዮ ዘሎና ሰንበት ከም ልምዲ ካብ ወንጌል ዮሓ 10 እዩ ዝንበብ “ሕያዋይ ጓሳ” ዝብል። ንአሰንትኖ ክጥዕመናን ከምኡ አብዚ ዓመተ ሉቃስ ካብ ወንጌል ሉቃስ ክነንብብ ጽቡቕ እዩ። አብ ልደት መጠን ዝቐረብናሉ ምስጢር ልደት ክንርዳእን ሕይወትና አብ ምቕያር ዝሕግዘና ነገርት ክንርኢ አድላዪ እዩ። አብዚ ዝሓለፈ ሰናብቲ አምላኽ ንደቂ ሰባት ክድኅን ኪዳን ከም ዝአተወ ነብያት ንህዝቢ ከሰናድዉ ከም ዝሰደደ፥ መድኃኒ ነጻ ዘውጽእ ክልእኽ ከም ዝኾነ አብ መዝሙራትን ምስባኻትን ንሰምዕ ቀኒና። አብ ናይ ሎሚ ሰንበት እቲ ኹሉ ዝተነግረ ከመይ ኢሉ ከም ዝፍጸም ክንርኢ ኢና። ቅዳሴና ብፍልይ ዝበለ ብዓለ ልደት ክነብዕል ዘሰናድወና እዩ። አርባዕቲኡ ንባባትና ብዝተፈላለየ መገዲ ነዚ ዓቢ ምስጢር ክንርዳእን አብ ግላዊ ሕይወትና ክንገብሮ ዘሎና ምቅርራብ ክነስተንትን ዝሕግዘና እዩ። ንባባትና ዝብሉና “ምስጢረ ሥጋዌ” አብ “ድላይ አምላኽ አብ ምግባር እዩ” ዘሎ። “ኦ አምላኽ እነኹ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ አሎኹ” (ዕብ 10፡9፥ መዝ. 40፡7-8)። ድላይ አምላኽ ክንፍጽም ፍሉይ ምቅርራብን አንጽሖ ነፍስናን የድልየና።

አብ ሚክያስ ነብይ 5፡1-4 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ ንህዝቡ መድኃኒ ከም ዝልእከሎም አብ ከተማ ዳዊት አብ ቤተልሔም ከም ዝውለድ ተስፋ ከም ዝሃቦም ንርኢ። መድኃኒ አብ ማእከሎም ደው ኢሉ ንመጓሰኡ ክምግቦም እዩ ሰላም ከአ ከውርደሎም እዩ። አብዚ አቐዲሙ አብ ቤተልሔም ካብተን አብ ይሁዳ ዝነበራ ከተማታት ዝነአሰት አብአ ከም ዝውለድ ዝነግር ንረክብ። ሚክያስ እቲ ዝበለጸ መራሕ እስራኤል አብ ቤተልሔም ከምዝውለድ ይነግረና።

ሚክያስ ብዛዕባ ምጽአት መስሕ ክንበ እንከሎ እስራኤላውያን አብ ኢየሩሳሌም ብጸላእቶም ይጥቅዑ ነሮም። አሶራውያን ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍእዎም ብዅሉ ተቐሪቦም ነሮም። እዚ አምላኽ ብነብዩ ገሩ ዝብሎም ናይ ብሓቂ ዓቢ ተስፋን ሕይወትን እዩ ነሩ። ሰብ አብ ከቢድ ፍርሕን ጭንቀትን እንከሎ ንኵነታቱ አብ ራህዋ ዝቕይረሉ ክረክብ እንከሎ ዝስምዖ ደስታን እፎይታን መምዘኒ የብሉን። እስራኤላውያን ቃላት ሚክያስ ተስፋን ሓጎስን እዩ ፈጢርሎም።

እንተ ኾነ እስራኤላውያን ክሳብ ምጽአት መስሕ አምላኽ ከም ዝሓደጎም እዮም ዝርእዩ ነሮም። እቲ መስሕ ምስ መጸ ግን ኵሉ ክቅየር እዩ። ንሱ ናይ ሓቂ ጓሳ እስራኤል አገልጋሊ አምላኽ እዩ። ንሱ ንህዝቡ መገዲ ሰማይ ክሕብሮም እዩ፥ ከምቶም ሕማቓት ጓሶት ዘይኮነ ብቅንዕና ክመርሕ እዩ። ንሱ ሰላሞም ክኸውን እዩ፥ ሓራ ኸአ ከውጽኦም እዩ። ሰላሙ ምሉእ ቅሳነት አብ መንጎ ነገስታት ከምጽእ ሽዑ ንሱ ካብ ወሰን ምድሪ ዓቢ ክኸውን እዩ እሞ ሕዝቡ ብሰላም ክነብሩ እዮም። ንሕና እዚ ኹሉ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጸመ ብምስጢር አብ ማሕጸን ድንግል ኃዲሩ ከም ዝመጸ ንአምን።

አብዚ ሰንበት ብፍሉይ ንምቅርራብ ክሕግዘና ናይ ማርያም ተራ አብ ድሕነት ክንርኢ ሓጋዚ እዩ፥ ምኽንያቱ ንሳ እያ እቲ መጀመርያ ልደት ዘብዓለት ምስጢር ልደት ዝርአየትን፥ ንአና እውን ክንቅበሎ ክትሕግዘና ትኽእል እያ።

አብ ወንጌል ሉቃስ አብ ሓንቲ ንእሽቶይ ከተማ እስራኤ አብ መንጎ ኤልሳቤጥን ማርያም ዝተፈጸመ እና አዘንተወ ምስጢር ክርስቶስ ይገልጸልና። ሉቃስ አስተውዒሉን ብክንርድኦ ብእንኽእልን መገዲ ናይ መስሕ ምምጻእ ይገልጽ። ናይ እዘን ክልተ ነፍሰ ጾራት ርክብ ርክብ ናይ እቶም ክልተ ሕጻናት አብ ከርሰን ዝነበሩ እውን እዩ። ዮሓስን አብ ከርሲ አዲኡ እንከሎ ብትሓጓስ ተሰራሲሩ ናይ ክርስቶስ ምብጻሕ አብ ገዝኦም አለልዩ። ማርያም አብ ገዛ እትው ምስ በለት ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ መሊእዋ ናይ ማርያም እምነትን አብ አምላኽ ዘለዋ እምነትን ተድንቓ። “ካብ አንስቲ ዝተባረኽኩ ኢኺ እቲ ካባኺ ዝውለድ ሕጻን እውን ዝተባረኸ እዩ” እናበለት ትውድስን ተድንቕን። ኤልሳቤት አብ ቤታ አምላኽ መስሕ ብማርያም እታ ታቦተ ኪዳን አምላኽ ዝርከባ ከም ዝመጽአ አለልያ ተመስግን ከምዚ ኸአ ትብል “አደ ጎይታይ ናባይ ክትመጽኢኸ ከመይሉ ኮነለይ” እናበለት አድንቖታ ገሊጻ። ማርያምን ኤልሳቤጥን ነቲ አቀዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ ተስፋ አለልያን ነቲ አብ ቅድሚአን ዘሎ ሓቂ ርእየን የመስግና። እዚ ናይ እዘን ክልተ አደታት ርክብ አብቲ ቀንዲ ምስጢር ምጽአት ይገልጸልና።

ማርያም ንአምላኽ ሕራይ ስለ ዝበለት መድኃኒ አምጺአትልና። ቃል ሥጋ ኮይኑ አብ መንጎና ሓዲሩ። ማርያም ከአ አብነት ናይ ሓዋርያነት እያ። መንፈስ አምላኽ አብ ሕይወት ማርያም ሓዲሩ ወዲ ክትወልድ ከም እትአምን ነገሪዋ። ማርያም ብዓቢ ትሕትና በቲ አምላኽ አብአ ቀሪቡ ምሕታቱ እናተገረመትን ዓቢ እምነት ስለ ዝነበራን “ከም ዝብልካዮ ይኹነለይ” እናበለት ንመልእኽቲ አምላኽ ተቐቢላ። እዚ አዘራርባ ኵሉ ነገር ከምቲ እንደልዮ ክኸደልና እንከሎ ክንብሎ ቀሊል እዩ ግን ከምቲ ንሕና እንደልዮ ወይ እንሓስቦ ዘይከይድ እንተ ኾነ ክንቅበሎ ቀሊል አይኮነን ብፍላይ እቲ ዝገጥመና ዘሎ አንጻር እቲ ንሕና እንደልዮ ክኸውን እንከሎ ክትቅበሎ ከቢድ እዩ።

አብዚ እዋን ምጽአት ትሕትናን ምሉእ እምነትን ገርና አሰር ማርያም ክንከተል። ካብ ነፍስወከፍና አምላኽ ዝደልዮ ነገር ወይ ዝሓቶ አሎ። አብዚ ቅዱስ እዋን ሕራይ ኢልና ሕይወትና ክንቅይር ርክባትና ክንቅይር ብሓጺሩ ነቲ አምላኽ ካባይ ዝሓቶ ሕራይ ክንብል ፍቓደኛታት ንኹን። እሞ አምላኽ ካባይ እንታይ ይሓትት አሎ፥ ንገለና ክንምሕር፥ ንገለና እቕረ ክንብል፥ ንገለና ትሕትና ክንለብስ፥ ንገለና ፍቕሪ ክንገብር፥ ንገለና ክንዕረቕ ንገለና ካብ ሕማቕ አመልና ወጺእና ሓዲስ ሕይወት ክንለብስ፥ ንገለና ሓቀኛታት አብ ሕይወትና ክንከውን. . . . . . .  ይሓተና አሎ። ነፍስወከፍና ባዕልና አብ ሕልናና አቲና አምላኽ ካባይ ዝደልዮ እንታይ እዩ ኢልና ሓቲትና ሎሚ ክንቅይር ክንቅበል ፍቓደኛታት ንኹን።

አብ መልእክቲ ዕብራውያን ነቲ አብ ቤተ መቕደስ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋዕቲ ምስቲ ክርስቶስ አብ ዕጸ መስቀል ዘዕርጎ መስዋዕቲ እናአወዳደረ ይዛረብ። መስዋዕቲ ክርስቶስ ካብቲ አብ ቤተ መቕደስ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋዕቲ አዝዩ ይፈላለ እዩ። እቲ አብ ቤተ መቕደስ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋዕቲ ናይ እንስሳ ምጽዋት እዩ፥ ናይ ኢየሱስ መስዋዕቲ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ መስዋዕቲ እዩ። ናይ ክርስቶስ መስዋዕቲ ዝለዓለን ዝበለጸን መስዋዕቲ ካብቲ አብ ኢየሩሳሌም ዝቐርብ ዝነበረ እዩ። እወ ኢየሱስ በቲ አብ ሰማያዊ አብኡ ዝነበሮ ተአምኖን ናይ ገዛእ ርእሱ ውፈያን ንደቂ ሰብ ልዕሊ ዝኾነ አብዚ ምድሪ እዚ ዝተሓደሰ ሕይወት ከፊትልና።

አብ ጊዜ ብሉይ ኪዳን መስዋዕቲ ክቐርብ ወይ ንመስዋዕቲ ዝቐርብ እንስሳ ርእሱ ዝኸአለ ሕግታትን መምርሒታትን ነርዎ፥ አብ ትስብእቲ ክርስቶስ ግን ሓዲስ ዘመን በሪቑ። አምላኽ ናይ እንስሳን ካልእ መስዋዕትን ከምዘይ ቅበል ኮይኑ ቀሪቡ። ከምቲ መዝሙር ዝብሎ “ትሕቱን ዝተጸጸት ልብን” እዩ ዘድሊ። ኢየሱስ አብኡ ኃጢአት ስለ ዘይርከብ ጸጸት አየድልዮን እዩ፥ ግን ዓቢ ትሕትና ለቢሱ አብ ዓለም መጺኡና ንሰማያዊ አብኡ “እንኹ ፍቓድካ ክፍጽም አብ ቅድመኻ ቆመ አሎኹ” ክብል ንርእዮ።

አብዚ ሰንበት ዘኖላዊ እምብአር ቃል አምላኽ ዝብለና ዘሎ ከም ብሓዲስ ሓቀኛ ትርጉምን ምስጢር ልደት ክንርዳእ እሞ ብምሉእ ልብና ክንቅበሎ። “አማኑኤል” እግዚአብሔር ምሳና ንዝብል ብፍሉይ ክነስተንትነሉ። አብ መብዝሕትኡ ናይ ነብያት ትምህርቲ ከም እንረኽቦ ንአምላኽ አብቲ ጽንኩር ክርድአና አብ ዘይክእል ነገራት ክነለልዮ። መልእኽቲ ዕብራውያን ንድላይ አምላኽ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ብዝክአለና ክነስተንትንን ክንፈልጥን ይዕድመና። ወንጌል ከምቲ ማርያም ዝገበረቶ ኵሉ ጊዜ አብ አምላኽ ክንአምን፥ ከምዚ ምስ እንገብር ንኢየሱስ ነቲ ሥጋና ዝለበሰ አብ ማእከልና ሕያው ክንገብሮ ኢና።

አብ ታሪኽ አመርካ አብ ኵናት አድሕድ አብ ዝነበረሉ እዋን ሓንቲ ሽማገለ ሰበይቲ ብግዚኡ ንዝነበረ ፕረስደንት አብርሃም ሊከን ብአድንቖትን ተአምኖን አብቲ ኲናት ንዝገጥም ክትገልጽ እንከላ “ክቡር ፕረሲደንት አምላኽ ምሳና ከምዘሎ ብርግጽ ይስምዓኒ አሎ! አይስምዓክንዶ እናበለት ተዛሪባቶ፥ ፕረሲደንት ክምልስ እንከሎ “አደ/እኖይ ንሕና ብዝያዳ አብ ጎድኒ አምላኽ ምህላውናን ዘይምህላውናን እዩ ዘተሓሳስበኒ ዘሎ” ኢልዋ ይብሃል። ማለት ንሱ ብርግጽ ምሳና አሎ ንሕናኸ ምስኡ ዘሎና ማለት እዩ። እወ ብርግጽ ብዙሕ ጊዜ አብ አምላኽ ንጽሊ ድላይና ክህበና ክገብረልና ንሓቶ አብ ክንዲ ንሕና ንሱ ዝደልዮ ምግባርን ብምልኡ አብ ፍቓዱ አብ ክንዲ ምእማን። ስለዚ አብ አምላኽ ምሉእ እምነትን ተስፋን ገርና ምስ ምሉእ ትሕትና አብኡ ንቕረብ። “ኦ አምላኽ እንሆ ምሉእ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ አሎኹ” ንበሎ።

ብዓለ ልደት ፍሉይ ዝገብሮ አምላኽ ብግዙፍ ምሳና ዝሓደረሉ አብ ማእከልና ዝተረኽበሉ እንዝክረሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ሎሚ ምሳና መን አሎ? ምስ አምላኽ ዘሎና ወይስ አብ ካልእ ሃውቲትና አሎና? ኢልና ዘሎናዮ አድራሻ አለሊና አብ አምላኽ ንመለስ። ሽዑ ከም ኤልሳቤጥ ከም ዮሃንስ ርኢና ክንክእል ከነለሊ ኢና።

መንግስተ ሰማይ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ ዝብል መምርሒና ገርና መድኃኒና አብ ልባትና አብ ርክባትና ክውለድ ቦታ ነጠጥሓሉ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ         

30 December 2018, 19:18