ድለ

ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሃ ተልእዀ ወንጌል ንሓንቲ ናብ ኣሕዛብ እትብል ቤተ ክርስቲያን

እቲ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ምዃና ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ዝዀነ ሓላፍነት ወንጌላዊ ልኡክነት ብዕምቆት ክስትንተንን ነቲ ጸዋዕታኣ ግብኡ መልሲ ኣብ ምሃብ መታን ክትነቓቓሕ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት Maximum Illud - ልዑል ምዃናዊ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ልኡኽነት ጸዋዕታ መሰረት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዓቢይ ምዃናዊ ሓላፍነት ክትተግህ ዘተሓሳስብን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮ ውርሃ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ፍልዩ ናይ ተልእዀ ወንጌል ንሓንቲ ናብ ኣሕዛብ ንእትብል ቤተ ክርስቲያን ኰይኑ ክሕሰብ ከምዝወሰኑ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ምዃና ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ዝዀነ ሓላፍነት ወንጌላዊ ልኡክነት ብዕምቆት ክስትንተንን ነቲ ጸዋዕታኣ ግብኡ መልሲ ኣብ ምሃብ መታን ክትነቓቓሕ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት Maximum Illud - ልዑል ምዃናዊ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ልኡኽነት ጸዋዕታ መሰረት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዓቢይ ምዃናዊ ሓላፍነት ክትተግህ ዘተሓሳስብን ብዛዕባ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ዘብርህ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምኽንያት ናብ ናይ ስብከተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርዲናንዶ ፊሎኒ ብዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ከምዝወሰኑ ባዕሎም ብፁዕነቶምን ናይ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኮ ወንጌል ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጃምፒየትሮ ዳል ቶዞን ናይ ጳጳሳዊ ልኡካነ ወንጌል ሕብረት ኣቦ መንበር ኣባ ፋብሪዚዮ መሮኒ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም።

ናይቲ ወርሃ ተልእዀ ወንጌል መርሕ ቃል  

ዝተጠመቑን ዝተላእኩን፡ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእዀ እዚ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ወርሃ ተልእኰ ወንጌል መርሕ ቃል ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ኵሉ ጸጋ ጥምቀት ዝተቀበለ ኵሉ ዝምልከትን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ቶሶ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ገሊጾም፡ ተልእኮ ወንጌል ናይ እምነት ሕቶን ውጥንን እዩ ኢሎም፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝነቕል ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ናባናን ምሳናን ዘራኸቦን ነመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘረከቦ ሓላፍነትን እዩ እንክብሉ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ እውን ብወገኖም፡ ሓደ ሰብ ከፍቅር እንከሎ ምስቲ ዘፍቀሮ ብዝተፈላለየ መገዲ ርክብ የጽንዕ … ተልእዀ ወንጌል እውን ከምኡ፡ ካብ ምርኻብ ዝነቕል እዩ፡ ዘፍቅር እምነት ዝወልዶ እዩ፡ … ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን እዚ ናይ ተልእዀ ወንጌል ሓላፍነት’ዚ ክነብረኦ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ወርሃ ተልእዀ ወንጌል ምኽንያት ዝካየዱ መደባት

ኣብቲ ወርሃ ተልእዀ ወንጌል 2019 ዓ.ም. ዘሰንይ ናይ ገዛእ ርእሱ www.October2019.va ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ ከምኣተደርሰ ኣባ ፋብሪዚኦ መሮኒ ገሊጾም፡ ናብ ኣሕዛብ ዝብል ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀን ናይ ኵሉ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለን ጸዋዕታ ምዃኑ ብሰፊሕ ዝበርሃሉን ብዛዕባኡ ዝትንትኑ መግለጽታትን ሰነዳትን ዝቐርበሉ እዩ ኢሎም።

መርሓ ፍኖት ንናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን

እቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ መላእ ኣቢያተ ክርስትያንን ብፍላይ ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ንናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእኰ ብድሆታት ብብቕዓት ብምግጣም ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ካባቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ኵነት ግምት ብምሃብ መርሓ ፍኖት ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ እቲ መርሃ ፍኖት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኢየሱስ ህያው ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምርኻብን ናይ ቅዱሳትን ሰማዕታትን ምስክርነትን ንተልእኮ ወንጌል ዝሓቀነ ኣቀራርባ ትምህርተ ክርስቶስን ግብረ ሰናይ ተልእኮ ወንጌል ዝብሉ ምዕዶታቶም ዝተነብሮ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ሓቢሮም።

01 December 2018, 17:38