ር.ሊ.ጳ.፥ ብፅዕና ዝተኣወጀሎም ሰማዕታት ኣልጀሪያ ናይ ዓቢይ ሕውነታውነት ትእምርቲ እያቶም ር.ሊ.ጳ.፥ ብፅዕና ዝተኣወጀሎም ሰማዕታት ኣልጀሪያ ናይ ዓቢይ ሕውነታውነት ትእምርቲ እያቶም  

ር.ሊ.ጳ.፥ ብፅዕና ዝተኣወጀሎም ሰማዕታት ኣልጀሪያ ናይ ዓቢይ ሕውነታውነት ትእምርቲ እያቶም

ቤተ ክርስቲያን በቲ ዝፈጸመቶ ኣዋጅ ብፅዕና ንዘተን ብሓባር ኣብ ናይ ዘተ ዕዮ ከምዘይትቦክር ተረጋግጽ፡ እዚ ሰላምን ስምምዕን ምሕዝነትን ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም

ኣብቲ ኣብ ኣልጀሪያ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ናይታ ሃገር ህዝቢ ሓዲጐም ካብ ምውጻእ ሓጐስን ሓዘንን ምስ ህዝቢ እታ ሃገር ክካፈሉ ዝመረጹ፡ ስለ ናይ ክርስቶስ ኵላዊ ፍቕሪ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣልጀሪያ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. ፍራንቸስኮ ብዝከወክሉ ብውሳኔ ቅዱስነቶም ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቺዩ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፅዕና ከምእተኣወጀሎም ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ኣብ ሓንቲ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ይከኣል ህዝባ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዝዀነላ ሃገር ብፅዕና ክእወጅ ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብምኽያት ጽልኢ ሃይማኖት ዝተቐትሊ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ክሳብ ሰማዕትነት ዝነበሩ፡ ኣልጀሪያ ኣብቲ ወዲቓትሉ ዝነበረ ጸልማት ታሪኽ ኣብ ጐድናን ጐድኒ ህዝባን ኰይኖም ናይቲ ህዝቢ ሓዘንን ሓጐስን ዝተኻፈሉ ሓደደ ኣቡንን ሽድሽተ ገዳማውያን ደናግል 13 ገዳማውያን ዘጠቓልል ብጠቕላላ 19 ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣልጀሪያ ሰሚናዊ ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦራኖ ኣብ ዘላ ቤተ ክርስቲያን Notre Dame de Santa Cruz ቅድስተ እመቤት ዘቅዱስ መስቀል ብዙሓት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝወከሉ ልኡካንን ላዕለዎት መንፍሳዊ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዝተዓደምሉን ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፅዕና ከምእተኣወጀሎምን ናይ ኣልጀሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ደስፋርገስ፡ እቶም 19 ሰማዕታት ንሞት ዝዳረጐም ሃይማኖት ምስልምና ዘይኰነስ ንሃይማኖት ምስልምና ዘናሽውን ሃይማኖት ከም መጋበርያ ቅተለት ዝጥቀም ሃይማኖት ዘዋርድን ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ቢሉ ዝሰመየ ፖለቲካዊ ርእየተ ዓለም እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና

ብፁዕ ካርዲናል በቺዩ ናይ ብፅዕና ኣዋጅ ሰሪዖም ምስ ኣብቅዑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘንበቡን፡ ቅዱስነቶም፥ እቲ ናይ ብፅዕና ኣዋጅ ስነ ስርዓት ሕውነት ዘበራትዕን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝውሕስ ክኸውን ተመንዮም፡ ንመላእ ኣልጀሪያን ነቶን ኣብቲ ጽንኩር እዋን ኣደዳ ንዝዀኑ ደቃን ጸሎተይ ኣረጋግጽ፡ ኵሎም ኣማንያን ብሓባር ዝነብሩላ ሃገር ኣብ ጸሎተይ ህልውቲ እያ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ንዘተ ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ዕዮ

ቤተ ክርስቲያን በቲ ዝፈጸመቶ ኣዋጅ ብፅዕና ንዘተን ብሓባር ኣብ ናይ ዘተ ዕዮ ከምዘይትቦክር ተረጋግጽ፡ እዚ ሰላምን ስምምዕን ምሕዝነትን ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፡

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣልጀሪያ ናይ መላእ ህዝቢ ኣልጀሪያ መንፈሳዊ ሃብትታት እተንጸባርቕን ብበዓል ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣቢሉ ዝተመስከር መንፈስውነት እውን እዩ፡ መላእ ሕዝቢ ብሓባር ሰላማዊ ናብራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝጽዕረሉ እዋን ነዚ ተስፋ ዝተነብሮ ሰላም ብሓባር ነገልግል፡

ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብፅዕና ዝተኣወጀሎም ሰማዕታት ኣልጀሪያ ናይ ዓቢይ ሕውነታውነት ትእምርቲ እያቶም
10 December 2018, 17:29