ኒካራጉዋ፥ መጥቃዕቲ ጸረ ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ሳንዳኒስቲ ኒካራጉዋ፥ መጥቃዕቲ ጸረ ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ሳንዳኒስቲ 

ኒካራጉዋ፥ መጥቃዕቲ ጸረ ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ሳንዳኒስቲ

ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ማሕበረሰብ ዜናን ሕትመትን መንግስቲ ኒካራጉዋ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠይና ሚገል ሞራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ማእሰርትን ከምኡ እውን ሓበሬታ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ክዕጸው ስለ ዝገበረ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ጋዜጠይናታትን ሕትመትን ዜናን መደብራት ጐስጓስታቱ ኩሉ ኣውጊዞም

ውሉደ ክህነትን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኒካራጉዋ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ተቓውሞ ተርእዩ ኣለዅም ብዝብል ምስምስ ካብ ዕጡቓት ሓይሊ ሳንዲኒስቲ መጥቃዕቲ ይወርዶም ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ማሕበረሰብ ዜናን ሕትመትን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠይና ሚገል ሞራ ዝተፈጸመ ናይ ማእሰርቲ ውሳኔን ከምኡ እውን ሓበሬታ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እተሰምየ ናይ ቴለቪዥን መደብር ክዕጸው ካብ መንግስቲ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ተቓውሞኡ የስምዕ ኣሎ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕጡቓት ሓይሊ ሳንዳኒስቲ ዕለት 27 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኒካራጉዋ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካታሪና ብምእታው ዝኽሪ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሲልቨስትሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርጉ ንዝነበሩ ካህን ኣባ ጃይሮ ቨላዝከዝ ብዓውታ ማዓት ጸርፊ እናውረዱን ቤተ ክርስትያን እናርከሱን ስርዓት ቅዳሴን ምእመናን ከምዝሃወኹ ክንገር እንከሎ፡ እቶም ዕጡቓት ሓይሊ ቅዳሴ ክህውኹ ዘርእይ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መርበባት ከምእተዘርገሔ እውን ክፍለጥ እንከሎ፡ በቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ምኽንያት ሕዝብን ሃገርን ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከምዝርከቡ ይንገር።

ማሕበረሰብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሚገል ሞራ ዝተወሰደ ስጉምቲ የውግዝ

ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ማሕበረሰብ ዜናን ሕትመትን መንግስቲ ኒካራጉዋ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠይና ሚገል ሞራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ማእሰርትን ከምኡ እውን ሓበሬታ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ክዕጸው ስለ ዝገበረ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ጋዜጠይናታትን ሕትመትን ዜናን መደብራት ጐስጓስታቱ ኩሉ ኣውጊዞም፡ ኣብ ልዕሊ ናጻ ጋዜጠይናታትን ሕትመትን ሕዝባዊ ናዕቢ ተላዓዕሉ ኣሎዅም ዝብል ካብ መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ ክስን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትን ማሕበረሰብ ዜናን ሕትመትን ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ተቓውሞኡ የስምዕ ምህላዉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ማሕበር ዜናን ሕትመትን ኣደ መንበር ኣብ ኮሎምቢያ ኤል ፓይስ ናይ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይና ማሪያ ኤልቪራ ዶሚንገዝ፥ ስርዓት ዳኒኤል ኦርተጋ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠይናታትን ሕትመትን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ጸረ ናጻ ሕትመትን ዜናን ሓሳብካ ናይ ምግልጻ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ ኢለን፡ ጋዜጠይና ሚገል  ሞራ ናጻ ክልቀቑን ሓበሬታ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እተሰምየ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ኣግልግሎቱ ክጅምር ብወግዒ ከምዝሓተታ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ምልካዊ ስርዓት ዳንኤል ኦርተጋ ኣብ ልዕሊ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ማሕበረሰብ ዓለም ክቃወሞ ጻውዒት ኣቕሪበን፡ ኣብ ኒካራጉዋ ናጻ ጋዜጣታትን ኣገልግሎተን ክጅምራ እውን ከምዝሓተታ የመልክት።

28 December 2018, 17:42