ድለ

2018.12.07 ዓመታዊ ክብረ በዓል፡ ደብረ ጽንሰታ ማርያም እምባጋልያኖ ኣሥመራ: 2018.12.07 ዓመታዊ ክብረ በዓል፡ ደብረ ጽንሰታ ማርያም እምባጋልያኖ ኣሥመራ:  

ክብረ ብዓል ደብረ ጽንሰታ ማርያም እባጋልያኖ ኣሥመራ

ረቡዕ 28 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ዓመታዊ ክብረ በዓል፡ ደብረ ጽንሰታ ማርያም እምባጋልያኖ ኣሥመራ: ካበየ ቁምስናታቶም ዝመጹ ነጋድያያን ብዘኃት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ፤ ብጸሎት ታስዕትን ብናይ እቲ በዓል መስዋዕተ ቅዲሴን ካልእ መደባትን ተሰንዩ፣ ብዓብይ ዓጀብን መንፈሳውነትን ከቢሩ ውዒሉ።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ብድሮ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ስርዓተ ዋዛማ፣ ያሬዲውያን መዘምራንን ካህናትን ዝተሳተፍዎ፡ ብጥዑም ዛማን ቅኔን፡ ንኣምላኽ ከመስግኑን ክውድስዎን ኣምስዮም። ኣብቲ ብለይቱ ዝጀመረ ጸሎት ማኅሌት ክሳብ ቅዲሴ ዝጅምር ቆይሞም ከዙሙ ኣጽብሑ። ማሕሌት ዘለሊት ምስ ተፈጸመ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥትኣብ ተስፋማርያም ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዲሴ ዓረገ። ድሕሪ ቅዲሴ ከምቲ ልሙድ ካብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ለባስያን፡ ደናግል፡ መዘምራን፡ ኣቦታት፡ ኣዳታት፡ መንእሰያት፡ በብማሕበራቶም ቅደሳት ኣሳእል ሒዝም፡ ኩሎም ተሰሪዖም ብጸሎት መቑጸርያን መዚሙርን እግዙኦታን ምዕሩግ ዑደት ኣካይድም። ካብዙ ብምቅጻል ያሬዲውያን ንኽብሪ ኣዳና ማርያም ብዝገልጽ ዙማ ብውዕውዕ መንፈስውነትን ስምዒትን ወረብ ምስ ገበሩ፡ ካብ ሰበኻ ባረንቱ ቁምስና ኪዲነ ምሕረት ዝመጹ መዘምራን መንእሰያት ብቋንቋ ኩናማ ፍሉይ ምንቅስቃስ ዘለዎ መዝሙር ብሳዕስዒት ዝተሰነ ንኽብሪ ማርያም ኣቅሪቦም። ኣብ መጨረሻ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥትኣብ ተስፋማርያም ንነጋድያን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት: ፍቑራን ሕዝበ እግዙኣብሔር እንቋዕ ናብዙ ከብረ ብዓል እኖና ማርያም ብድሓነ ሰላም ኣብቅዓና። ሎሚ ብዓል ኣዳና ማርያም ከንብዕል እንከሎና፡ ኣምላኽ ስለምታይ እዩ ነዚ ብዘይ ናይ ኣዲም ሓጢኣት ዝተጸንሰት ማርያም ዝሓረያ እንተበልና፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዲሴን ውዲሴ ማርያምን እንረኽቦ ‚እግዙኣብሔር ካብ ሰማይ ንምስራቅ ንምዕራብ ንሴሜን ንደቡብ ጠመተ ከማኺ ዝበለት ግና ኣይረኸበን‛ ይብል። ከም ማርያም ዝበለት ኣይተረኽበትን፡ ኣይትርከብን እውን እያ። ስለምታይ እዩ እንተ እንድሕር ኢልና፡ ኣብዙ ዘንበብናዮ ጥቅሲ ቅደስ ወንጌል ሉቃስ ገብሪኤል መልኣኽ ናብ ማርያም መጺኡ ‚ሰላም ንዓኺ ኦማርያም ጸጋ ዝመልኣኪ እግዙኣብሔር ምሳኺ እዩ‛ እናበለ ሰላምታ የቅረበላ፡ ክልተ ካብዘን ንሱ ዝተዚረበን ቃላት 1ይ ጸጋ ዝመልኣክን 2ይ ድማ እግዙኣብሔር ምሳኺ እዩን ዝብላ ኣዕሙቅ ኣቢልና ከነሰንትነን ጽቡቅ እዩ። እዙ ሰላምታ እዙ ተራ ሰላምታ ኣይነበረን፡ ሰላም ንዓኺ እኳ ድሓን ተራ ስላምታ ክንብሎ፡ ጸጋ ዝመልኣኪ እትብሃል ሓንቲ ፍጥረት ግና ተሰሚዑ ኣይፈልጥን፡ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልኣይ ኣካል ናይ ቅድስቲ ስላሴ ወልደ እግዙኣብሔር ህያው ናብዙ ዓለም መጺኡ ከድሕነናን ምስ ተመደበ፡ ከማና ስጋ ክለብስ ብዘይካ ሓጢኣት ብኹሉ ንዓና ክመስል ስለ ዝደለየ፡ ንዕኡ እትቅበል ማሕጸን ክዲሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ትቅበሎ ሰብ ከኣ እኖና እግዝእትነማርያም እያ። ኣምላኽ ከምእንፈልጦ ብሓቂ ቅደስ ጎድሎ ዘይብሉ ምስ ሓጢኣት ዘይቀራረብ ቅደስን ንጹሕን ስለ ዝነበረ፡ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ብዘይ ናይ ኣዲም ሓጢኣት ክትውለድን ክትጥነስን ናይ ግድን እዩ። ከመይ መድሃኔ ዓለምን ሓጢኣትን ብሓደ ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም። ናይ ኣዲም ሓጢኣት እንተዝነብራ ኢየሱስ ኣብኡ ክኣቱ ኣይክእልን ከመይ ሓጢኣትን መድሓኒ ዓለምን ኣይራኸቡን እዮም። ስለዙ እዙ ብዘይ ናይ ኣዲም ሓጢኣት ዝተጠነስካ ሙኳን ካበይ መጺኡ እንተብለና ብመድሓኒ ዓለም እዩ። ቦትኡ ከዲሉ ምስ ደለየ መጀመርያ ንእኖና ቅድስቲ ማርያም ካብ ኩሉ ሓጢኣት ናጻ ከም እትኸውን ገይርዋ፡ ብሓይላ ኣይኮነትን፡ ብሓይሊ መድሓኒ ዓለም ወዲ እዩ፡ ኢየሱስ እታ ቀዲመይቲ ዘድሓና ንማርያም ኣዱኡ እዩ። ቦትኡ ክዲሉ ንዕኡ እትበቅዕ ኣደ፡ ንዕኡ እትበቅዕ ማሕጸን ክቅርብ እንተደልዩ ናይ ኣዲም ሓጢኣት ዘይለኸያ ዘይተንከፋ ክትከውን ናይ ግድን እዩ ነይሩ። በዙ እዩ ቅደስ ገብርኤል መልኣኽ ጸጋ ዝምልኣኪ ዝበላ። ክትጥነስ እንከላ ሓጢኣት ዝብልዎ ዘይተንከፋ ስለ ዝነበረት ምልእተ ጸጋ ጎድሎ ዘይብላ እናበለ ሰላምታኡ ከቅርብ ንርእዮ። እኖና ማርያም ብሓቂ ምልእተ ጸጋ ሙዃና ዘጠራጥር የብልናን፡ ካልኦት ዝበሉ እንተበሉ፡ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ኣቦው ዝኣመኑሉ እዩ፡ ቤተክርስቲያን ከኣ ወትሩ ምስ ዓቀበቶ እያ። ሽሕ እኳ ፕዮስ 9ይ ብ1954 ብወግዒ እንተኣወጅዎ፡ ብፍላይ በዙ ወገንና ብምስራቃውያን ግን ንሓንቲ ግዛ እኳ ኣብ ጥርጥር ኣትዩ ኣይፈልጥን። እታ ከልኣይቲ ቅደስ ገብርኤል ንማርያም ዝበላ ከኣ እግዙኣብሔር ምሳኺ እዩ፡ ትብል እያ። እግዙኣብሔር ኣማኑኤል እዩ ስሙ ትርጉሙ ድማ ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ። ስለዙ እቲ ኣብ ማህጸና ዝተወልደ ቅድሚ ኩሉ ምስኣ እዩ፡ ንኢየሱስ ካብ ማርያም ንላዕሊ ዝቀርቦ የልቦን። ስጋኡ ካብ ስጋኣ፡ ደሙ ካብ ደማ፡ ሰብኣዊ ባህሩ ካብ ሰብኣዊ ባህራ፡ ዝተኻፈለ ስለ ዝኾነ፡ እግዙኣብሔር ምሳኺ እዩ ትብሃል። እዙ ክልተ ቃላት ጸጋ ዝመልኣክን እግዙኣብሔር ምሳኺ እዩ ዝብልን ንእኖና ማርያም ከነኽብር እንከሎና፡ ብዚዕብኣን ንዓኣን እንብሎ ነገር ከምዝኾነ ርጉጽ እዩ። ንዓናኸ? እንታይ ይብለና? ማርያም ጸጋ ዝምልኣ ዝኾነት ሰለምንታይ እዩ እንተበልና፡ ብሕልናኣ፡ ብስግኣ፡ ብነፍሳ፡ ንጽሕቲ፡ ከምኡ እውን ትሕቲ፡ ስለ ዝነበረትን እዩ። ንሕናውን ልብናን ሕልናን ንጹሕ ክኽውን ትሕግዘና፡ ኣብነት ትኾነና ኣደ እያ እሞ ናብኣ ክንቀርብ እንከሎና ጸጋ ንጽሕና ክንረክብ ክንልምና የድሊ። ብዘሕ ግዛ ልብናን ኣእሙሮናን ንጽሕ፡ ኣይኮነን ክንደይ ተንኮል ሓሶት ርኽሰት ኣለዎ። ስለዙ ኣምላኽ ምእቲ ክምሕረና ንጹሓን ልቢ ክንከውን የድሊ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ንጹሃን ልቢ ንእግዙኣብሔር ክርእይዎ እዮም፡ ብጹኣን እዮም ይብለና። ዕውታት እዮም ማለቱ እዩ። ንጽሕ ልቢ ልዕሊ ኩሉ እዩ። ንጽሕ ልቢ ስለ ዘይብልና ኢና ብዘሕ ግዛ ኣብ ዘየድሊ ጸገም ንወድቅ። ንእግዙኣብሔር ክንርእዮ ኣይክኽእልን። ፍቃድ ኣምላኽ ክንፈልጥ እይንኽእልን፡ ብዘሕ ግዛ ጃህራ ንፈቱ፡ ካብ ክልኦት በሊጽና ክንርአ ንድሊ፡ ንኻልኦት ነንኣእስ፡ ንንዕቅ፡ እዙ ናይ ማርያም ኣብነት ኣይኮነን፡ ማርያም ከምቲ ቅደስ ጳውሎስ ዝበሎ ክልኦት ካባኻትኩም ከምዝበልጹ፡ ከምዝሕሹ፡ ጌርኩም ሕሰቡ፡ ትሕትና እዩ መንገዱ ጽድቂ እናበለ ዝምህሮ ከምኡ ከኣ ኣዳና ኩሉ ግዛ ንርእሳ ኣትሒታ ንእግዙኣብሔር ተዕቢ፡ ቦትእ ፈለጣ ትንቀሳቀስ ኣደ ስለ ዝኾነት፡ ትሕትና ምሃርና ክብ ትዕቢት ካብ ጃህራ ካብ ዝኾነ ይኹን ምስትንዓቅ ክንርሕቅ ደግፍና ንበላ። ብኣፍና ብግብርና ንኻልኦት ከነካፍእ ክንንዕቅ ከነናሹ ክንርከብ እንከሎና ናይ ትዕቢት ምልክት እዩ። ንሰብ ምንሻው ምጽላም ንፈቱ፡ ከየጻረና ነቲ ሓቂ ከይፈለጥና ብቀሊሉ ብዚዕባ ሰብ ምዝራብ ንፈቱ፡ ንኻልኦት እንተኣንኣኣስና ንርእሰና ንዓቢ ይመስለና፡ ግና ኣይንዓብን ኢና። ክብረትና ኣይንሕሉን፡ ክብረትና ሰለ ዘይንሕሉ ድማ ንድፈር። ማርያም ግና ነፍሰይ ንእግዙኣብሔር ተዕብዮ፡ ዓበይቲ ነገራት ዝገበረለይ ንሱ እዩ እምበር ኣነ ኣይኮንክን፡ ኣነ በየናይ ዓቅመይ፡ ኩሉ ኣባይ ዝተገብረ፡ ኩሉ ንዓይ ዝተገብ፡ረ ብሓይሊ ኣምላኽ እምበር፡ ብሓይለይ ኣይኮነን ዝብል እምነት ስለ ዝነበራ እያ ትሕቲ ኣብነትና እንብላ ዘሎና። ሎሚ ብሓቂ ብብዘሕ መንገዱ ሓቂ ጠፊኣ ተቀቢራ ቅንዕና ጠፊኡ ኣሎ። እኖና ማርያም፡ ሎሚ ቅንዕና መንገዱ ጽድቂ እዩ፡ ሓቅነት መንገዱ ቅድስና እዩ እያ ትብለና ዘላ። ሓቅን ቅንዕናን ክንሕዝ እንከሎና ቅሳነት ሓጎስ ሰላም ይስምዓና። ምሳና ሓሱ፡ ንበይንኻድ ክትጸድቅ፡ ኩሉ ሰብ ዝገብሮ ዘሎ እንድዩ፡ ዝብል ዘረባ ገኒኑ ኣሎ። ሎሚ ሓሶት ሓሶት ኮይኑ ዘይርኣየሉ ግዛ መጺኡ። ጥራሕ ትቅናዕካ ጥራሕ ተዓወት ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ኩሉ ገኒኑ ክርእ እንከሎ ብሓቂ ዘፍርሕ እዩ። ኣበይ ኢና ዘሎና፡ ክፍኡ እናርኣኻ ዓገብ ዘይምባል ቅንዕና ኣይኮነን። ሓሶት እናርኣኻ ተጋጊኻ ዘይምባል ሓቅነት ኣይኮነን። ንርእስና ከይጸረና፡ ብዚዕባ ካልኦት ክንዚረብ ኣይንኽእልን ኢና። ንሕና ንርእስና ከም ካቶሊካውያን ምእመናን፡ ከም ካቶሊካውያን ካህናት፡ ፈለስቲ፡ መንእሰያት፡ ስድራቤታት፡ ኣበይ ኣሎና፡ ንእምንትና ከመይ ንነብሮ ኣሎና። ብንጽሕናን ብትሕትናን ብሓቅነትን ብፍትሕድ ወይስ ኣይውዑይ ኣይዝሑል ኮይና ኣሎና። ነፍሲ ወከፍና ሕልናኡ ክምርምር የድሊ። ንሕና እንተ ቀኒዕና፡ እንተነጺሕና፡ መንገዱ ሓቅን ፍትሕን እንተሒዝና፡ ቀስ ብቀስ ንኸባቢና እውን ክንጸሉ ንኽእል ኢና። እንሓንሳእ ኣነ ዘይኮንኩ ካልኦት እዮም ክልወጡ፡ ክቅየሩ ዘለዎም ኢልና ንሓስብ። ማርያም ግና ሎሚ ብገዚእ ርእስኹም ጀምሩ ትብለና ኣላ። ከመይ ንሳ ከምኡ እያ ገይራ፡ ንዓና ከኣ ኣብነት ኮይናትና ኣላ። ኢየሱስ ብዘይ ናይ ኣዲም ሓጢኣት ክትጽነስ ባዕሉ እቲ ቀዲማይ ትኣምራት ናይ ድሕነት ኣብኣ ስለ ዝፈጸሞ፡ ነዱኡ ልዕሊ ኩሉ ሰረዕዋ። ካብኣ ተወሊደ ከኣ ንኩልና ኣድሒኑና። በዙ መጀመርያ ንእግዙኣብሔር ነመስግኖ። ከምዙኣ ዝኣመሰለት ኣደን ሓብትን ዝሃበና ተመስገን ክንብሎ ይግባእ፡ ንዕኣ ክንመስል ትብዓትን ቆራጽነትን ዓድለና እናበልና ናብ መድሓኒ ዓለምን ናብ እግዙኣብሔር ኣቦን ንማህለል። መንፈስ ቅደስ ንማርያም መሊእካያ፡ ልዑል እግዙኣብሔር ኣቦ ንማርያም ኣጽሊልካያ፡ መድሓኒ ዓለም ወልድ ዋህድ ከኣ ካብ ማሕጸና ስጋና ለበስካ ንዓና ዝመሰልካ፡ ስብሃት ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅደስን ይኹን ንብለኩም ኣሎና፡ እናበልና ከነምልኾምን ክነመግኖምን እዩ ዝግብኣና። ዝሰማዕናዮ ኣብ ልብና የሕድረልና።‛ ብምባል ስብከቶም ምስ ዚዘሙ፡ ኣብ መጨረሻ ብዚዕባ ምሕዲስ ናይ ርእሰ ኣድባራት ቤተክርስቲያን ኪዲነ ምሕረት ክኣ ‘’እቲ ናይ ምሕዲስ ስራሕ ብጽቡቅ ይቅጽል እሎ፡ ጸሎት ግበሩ፡ ዝክኣለኩም ድማ ክተወፍዩ ሓዲራ‛ ብምባል ምሕጽንትኦም ኣቅሪቦም። ብድሕሪ እዙ እቲ ብዓል ብቃል ምስጋና ናይ ቆሞስ ተዚዘሙ።

Photogallery

ዓመታዊ ክብረ በዓል፡ ደብረ ጽንሰታ ማርያም እምባጋልያኖ ኣሥመራ:
07 December 2018, 10:13