ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጓ፥ ፍትሕን ሓቅን ንከይዲ ዕርቂ መሰረት እያቶም ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጓ፥ ፍትሕን ሓቅን ንከይዲ ዕርቂ መሰረት እያቶም 

ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጓ፥ ፍትሕን ሓቅን ንከይዲ ዕርቂ መሰረት እያቶም

ናይ ሓባር ናብ ብሩህ መጻኢ ዘመላኽት ናይ ሓባር ዘተ ክረጋግጽን እዚ ውሑስ ንምግብር ከኣ ናይ መንፈስ ጽንዓት ከምዘድልን ነዚ ምፍጻም እውነተይና ፍቕሪ ሃገር ከምዘለካ ዝሕብር እዩ፡

ናይ ኒካራጓ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ምጅማር ዘመነ ምጽኣት፥ ፍትሕን ሓቅን ጐደና ዕርቂ ዝሓቶም ረቛሒታት እያቶም ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኒካራጓ ካብቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ንኽትላቐቕ ዘተ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣብ መልእኽቶም ኣመላኺቶም፡ ህዝቢ ሃገሮም ነባሪ ክኸውን ብዘይኽእል ብሓጺር መፍቲሒ ከይታለል ኣተሓሳሲቦም፡ ናይ ዝሳቐይ ህዝቢ ንብዓት ናይ እግዚኣብሔር ንብዓት እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ጸቕጥን ዝወርድ ግፍዕን መግረፍትን ማእሰርትን ኣብ ኣስገዳድ ስደትን ኣብ ምዕፋንን ጸቕጥን ሕልናን ብፍላይ ገለ ገለ መራኸቡ ብዙሓን ብዝዝርግሕዎ ሓቂ መሳሊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ መንጐ ህዝቢ ዘህለልዎ ምግምማዕን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኢሰብኣዊ ተግባር እግዚኣብሔር እዩ ዝከሓድ፡ ዝዀነ ይኹን ጸረ ሰብኣዊ ተግበር እግዚኣብሔር ምኽሓድ እዩ ይብሉ።
እቲ ብናይ ማናጓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ለኦፖልዶ ብረነስ ዝምራሕ ናይ ኒካራጓ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ እቲ ኣብ ፈቖዶ ጐደናታት ኒካራጓ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ሁከትን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ብዙሓት ናብ ሕነ ፈዳይነት ይቕይር ብምህላዉ ኩሉ ናይ ኩሉ ጸላኢ ክኸውንን ዘይምትእምማን እውን የተኣታትው ከምዘሎ ኣብ መልእኽቱ ሓቢሩ፡ ናይ ሓባር ናብ ብሩህ መጻኢ ዘመላኽት ናይ ሓባር ዘተ ክረጋግጽን እዚ ውሑስ ንምግብር ከኣ ናይ መንፈስ ጽንዓት ከምዘድልን ነዚ ምፍጻም እውነተይና ፍቕሪ ሃገር ከምዘለካ ዝሕብር እዩ፡ ሓደ ብቑዕን ሰናይን ናይ ፖለቲካ ኣካል፡ ናይ ኩሉ ዜጋን ናይ መላእ ሃገርን ጥቕሚ ዘቐድምን ስለ እዚ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣበርቲዑ ዝዓዪ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ለውጥን ምዕባለን ሰላምን ከይዲ ዘመጻችእን አመላኽት እምበር ናፋቒ ናይ ስልጣን መንበር ኣይኰነ ኢሎም።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓመጽ ዝተመልኦ ጽንኩር ኩነት እቲ ኣብ ዝባንና ዘንበርናዮ ጉልባብ ሸለልተይናነት ክንኣልይ ግድን ዝብል እዩ እሞ ብዘይ ክውልውል ብግልጺ ንሓድ ሕድ ምራኻብን ምድልላይን ኣሕዋት ምዃን የድልይ፡ ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ናብቲ ከም ሓደ ሕዝብን ሓደ ሃገርን ዘቑመና ዕሴታት ብፍላይ ከኣ ናብቶም ክርስቲያናውያን ዕሴታት ክንምለስ ኣገዳሲ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ንምጽላም ዝግበር ጻዕሪ መልሱ ጸሎትን ብቓልን ሕይወትን ዝተሰነየ ምስክርነት እዩ ኢሎም።

03 December 2018, 16:49