በዓለ ልደት 2018 ዓ.ም.፥ ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር መልእኽቲ በዓለ ልደት 2018 ዓ.ም.፥ ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር መልእኽቲ 

በዓለ ልደት 2018 ዓ.ም.፥ ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር መልእኽቲ

ኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ተጓዓዛይን ገያሻይን እዩ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነኸበስር፡ ገዛእ ርእሱ ምስቶም ኣልቦ ቤት ዝዀኑ ዜጋታት የመሳስል፡

ኣብ ኣየርላንድ ናይ ኣማግ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ኣቡነ ኤኣሞን ማርቲንን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪቻርድ ክላርከ ዱብሊን ኣብ ዝርከብ መእለዪ ግዳም ሓደር ማእከል ቅዱስ ኣቦና ተረኺቦም ዝለገስዎ ቃል ዘማእከለ ናይ ሓባር ናይ 2018 ዓ.ም. በዓለ ልደት ክፉት መልእኽቲ ኣመሓሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ሓባር መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርቸስኮ ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓም. ብምኽንያት ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስድራ ቤት ኣብ ኣየርላንድ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ ብማሕበር ፍራንቸስካውያን ካፑቺን ኣሃው ዝመሓደር ኣብ ዱብሊን ኣብ ዝርከብ መእለይ ግዳም ሓደር ዜጋታት ተረኺቦም፥

         በዓለ ልደት ብዘይ ቤት ከመይ ምዀነ ነይሩ፡ ብዘይ መጽለልን ኣብ ቁርን ኣስሓይታን፡ ኣብ ጐደና ኣብ ጽምዋ ንበይንኻ

ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ እቶም ኣብቲ መእለዪ ግዳም ሓደር ዝረከቡ፡ በዓለ ልደተ ኣብ ቤት ከብዕልዎ ምኽኣሎም ክብሪ ንእግዚኣብሔር እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ብፁዕ ኣቡነ ኤሞን ማርቲንን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሪቻርድ ክላርክን ንናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ብበዓለ ልደት ምኽንያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓባር መልእኽቲ ዘኪሮም፡

ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ድጋፍ ምዃን

ኣብ ኣየርላንድ ብዙሓት ኣልቦ ቤትን ግዳም ሓደርን ኣለዉ፡ እዚ ናይዞም ኣሕዋት ጭቡጥ ኩነት ነቲ ብስነ ኣሓዝ ንዝትንትን ከይዲ ምሕዳግ ኣይግባእን፡ ኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ተጓዓዛይን ገያሻይን እዩ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነኸበስር፡ ገዛእ ርእሱ ምስቶም ኣልቦ ቤት ዝዀኑ ዜጋታት የመሳስል፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ኣየርላንድ ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን ክዀኑ እንከለዉ፥

ወንጌላውያን ከምዝሕብርዎ፡ ኢየሱስ ካብ ልደቱ ኣትሒዙ ኣልቦ ቤት ኣዩ ዝነበረ፡ ኣብ መብልዒ ማል ተወልደ፡ ብዘይ ናይ ሓንቲ ቤት ጣዕሚ

ቃል ቅዱስ ኣቦና

ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን ኣንግሊካዊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክላርክን ኣብ መልእኽቶም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣየርላንድ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ነቶም ኣብቲ ብካፑቺን ኣሃው ዝመሓደር መእለዪ ግዳም ሓደር ዜጋታት ተረኺቦም፡

ኣልቦ ቤትን ግዳም ሓደር ንኽዀኑ ዝተገዱ ናብዚ መእለዪ ዝመጹ፡ ክብሮምን መሰሎምን ኣኽቢሩ ከም ምዃኖም ተቐቢሉ ዝኣልዮም ስለ ዘሎን ኣብኡ እምንቶኦም ስለ ኣንቢሮምን እዮም፡ ነፍሲ ወከፍ ግዳም ሓደርን ኣልቦ ቤትን ተምሳል ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ

ዝበልዎ ቃል ኣብ መልእኽቶም ከዘስመሩሉ ተሓቢሩ።

15 December 2018, 16:51