2018.11.20 ክርስቶስ ኣብ ብራዚል 2018.11.20 ክርስቶስ ኣብ ብራዚል 

ሰንበት ዘቅድስት (16 ኅዳር 2011 ዓ.ም. (11/25/2018)

መዝሙር፡ሎቱ ስብሓት ወሎቱ አኮቴት. . . “ነቲ ንሰንበት ዝቀደሰ ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ አይነበረን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ንሱ ዘይነበሮ ጊዜ አይነብረን ንአኡ ክብሪ ይግብኦ። ንሰብ ብአርአያኡ ፈጠሮ ኩሉ አብ ኢዱ እዩ፥ ንሰማይን ምድርን ይገዝእ፥ ከም ዝደልዮ ገበረ አምላኽ ወዲ እግዚአብሔር”።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ንባባት፡ ራእ 1፡5-8፤ 1ጴጥ 1፡13-21፥ ግ.ሓ.19፡27-ፍ፥ ዮሓ 18፡33-37  

ምስባክ፡ ኩሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ በሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። እግዚአብሔር ኩሉ ዝደለዮ አብ ሰማይን ምድርን አብ ባሕርን አብ ኩሉ ቀላያትን ገበረ መዝ. 135፡6።

አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ፥ ሓንቲ ደቒቕ እኳ ዘይነበረላ ጊዜ የላን ስለዚ ንአምላኽ ምሳና ከምዘሎ ርኢና ንኽአል ሽዑ ሕይወትና ሓቀኛ መንነት ተፈጥሮን ሒዝና ከምእንኸይድ ክገብረና እዩ። ሓደ ካብቲ ከቢዱና ዘሎ አምላኽ አበይ ከምዝርከብ ጠፊኡና ሃዘው ንብል አሎና። ገለ ሰባት አምላኽ አብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ገለ ኸአ አብ ኩሉ ስፍራ እባ ገለ ኸአ የለን እናበሉ አብ ናይ ምድንጋር ዓለም ከም እንነብር ገሮምና አለዉ። አምላኽ አበይ ይርከብ?

ላቲናዊ ስርዓት ንዝኽተሉ ሎሚ መጨረሻ ሰንበት ናይ ዓመተ ልጡርግያ እዩ፥ “ክርስቶስ ንጉሥ” ብዝብል ይብዓል። እዚ ኸአ ናይ አምላኽ ንግስነትን ግዝአት ሕጊ አምላኽን ብዓል እዩ። ዝመጽእ ሰንበት ዘመነ ምጽአት ክጅምር እዩ፥ በዚ ኸአ ሓዲስ ሉጡርግያዊ ዓመት (Year C) ክጅምር እዩ።

አብ ስርዓተ ልጡርግያና እዚ እዋን ዘአስተምህሮ ይብሃል፥ ብፍሉይ ከአ እዚአ ሰንበት “ሰንበት ዘቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ። አብ ንባባትና መሰረት ገርና ክነስተንትን ከሎና ክርስቶስ ንጉሥና ገርና ክነብር ከም ዘሎና የዘኻኽረና። ክርስቶስ ንጉሥና እዩ ኢልና ክንአምን እንከሎና ንሱ ገዛእን ናይ ኩልና ጓሳን እዩ ዘስምዕ። ነዚ መሰረት ገርና ንመጻኢ ሕይወትና ክንርኢ እሞ አብ መጨረሻ ኢየሱስ ብግርማ ናይ መጨረሻ ፍርዲ ክህብ ክምለስ እንከሎ እሙናት ኮና ክንርከብ ምእንቲ ሎሚ አብ አምላኽ ተመሊስና ሕይወትና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ንስርዓዮ። እዚ ርድኢት እዚ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ንኹሉ ናይ ድሕነትና ምስጢር ዝሓዘ እዩ። አብ ዘመነ ምጽአት ክንቀርብ ከሎና ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ምቅርራብና ንትስብእቲ ወዲ አምላኽ ዘኪርና ንአኡ ዝኸውን ሕልናን ሕይወትን ክንቅርብ ዘዘኻክር ፍሉይ እዋን ኢና ዘሎና።

ክርስቶስ አብ ሕይወትና ክነግሥ ናትና ፍቓድ የድሊ፥ ባህግን ትምኒትን እኹል አይኮነን። ጊዜ ወሲድና አብ ሕይወተይ መን እዩ ዝነግሥ ዘሎ ኢልና ሕልናዊ መርመራ ገርና ክእንክእል እዋኑ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ስምዒትና ክእለትና ዘጥረናዮ ነገራት ከምኡ ጥዕና ሃብቲ ኮታስ እቲ አብዚ ዓለም እንውንኖ ክመልከና እንከሎ ሽዑ ሕልናና ይዓውር ሳዕበኑ ኸአ ፍቕሪ አምላኽን ሰብን ነጥፍእ እሞ ከም እንስሳ አብ ምብላዕን ምስታይን ጥራሕ አድሂብና ነቲ ብባህጊ ዝተፈጥረ ባህርና ዘይመልክዑ ነልብሶ እምብአር በዚ ብሩኽ ሰንበት አብ ልባይ መን እዩ ዝገዝእ ዘሎ ንዝብል ሕቶ ብትኩረት መሊስና ንኽአል።

ቅድሚ ገለ ዓመታት ሓደ አመሪካዊ ወተሃደር አብ ዓዲ እሽወደን አብ አውቶቡስ ተሳፊሩ እናኸደ እንከሎ ነቲ አብ ጥቕኡ ዝነበረ እሽወደናዊ ከምዚ ኢናበለ ተዛረቦ፡ አመሪካ እታ አብ ዓለም ዝበለጸ ደሞክራሲ ዘለዋ ሃገር እያ። ዝኾነ ሰብ አብ ቤተ መንግስቲ White House ከይዱ ንፕረሲደንት ክረኽቦ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ምስኡ ክዛረብ ክሓትት ይኽእል እዩ እናበለ ዕብየትን አብ ሃገሩ ዘሎ መሰል ነጻነትን መወዳድርቲ ከምዘይብሉ ክገልጸሉ ብትዕቢት ተዛረቦ።

እቲ ዝሰምዕ ዝነበረ ሰብ እዚ ወላ ሓንቲ አይኮነን አብ እሽወደን ንጉሥን እዝብን አብ ሓንቲ አውቶቡስ ብሓባር ተሳፊሮም ይኸዱ ኢልዎ። እዚ ሰብአይ ምስ ወረደ እቶም አብ ጥቕኡ ዝነበሩ ነቲ አመሪካዊ እዚ ምሳኻ ዝዛረብ ዝጸንሐ እሞ ምሳኻ ኮፍ ኢሉ ዝጸንሐ ንጉሥ Gustav Adolf VI እዩ እናበሉ ነገርዎ። እዚ ታሪኽ ዘስተምህሮ ሰባት አብ ርእስና ጥራሕ ምስ አተኮርና ካባና ዝሕሹን ዝበልጹን ክንርኢ ይኸብደና እሞ አነ ዝበለጽኩ ዝሓሽኩ እናበልና ንነብር እዚ ኸአ ንኻልእ ከይንርኢ ዓፊኑ ይሕዘና።

ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንጉሥ ናይ ነገስታት አብ ናይ ሕይወት አውቶቡስና ኮይኑ ናብ መንግስተ ሰማይ ናይ መጨረሻ መዓርፎና ናብ ዝኾነ ምሳና ይጉዓዝ አሎ። ንሱ ጎይታናን ንጉሥናን አብኡ እንነብርን እንቀሳቐስን ቀንዲ መንጪ ህላዌና እዩ። ንሱ ክፍሊ ሕይወትና ጥራሕ አይኮነን ማእከል ናይ ኩሉ መነባብሮናን መጀመርታን መጨረሽታናን አልፋን ኦመጋን ናይ ሕይወትናን ናይ ኩሉ ተፈጥሮናን እዩ። ምሳይ ንዝጉዓዝ ዘሎ ንጉሰይ ክርስቶስ አለልዮ ዘሎኹ ኢልና ንርእስና ንሕተት?

ንጉሥ ዝብል አብዚ እዋና ዳርጋ አብ ውሑዳት ሃገራት እንተ ዘይኮይኑ አይፍለጥን እዩ። አብ ዝሓለፈ ታሪኽ አብ መጻሕፍቲ ኢና እንረኽቦም ጠፊኦም እዮም። አብ እምነትና እግዚአብሔር ንጉሥና እዩ ክንብል እንከሎና ንሱ ፈጣሪና ኩሉ ናትና ዘበለ ናቱ ብዘይክኡ ሓንቲ ክንገብር ዘይንኽእል ማእከል ተፈጥሮናን ሕይወትናን እዩ ዘስምዕ። ክርስቶስ ንጉሥ ዝብል ብዓል እንታይ እዩ ዘስምዕ? ሎሚ ከም ቀደም ንክርስቶስ ንጉሥ ክንብሎ ንኽእልዶ? እወ የስምዕ ምኽንያቱ ክርስቶስ ብልደቱን ብሕማሙ ስቕለቱን ሞቱን ትንሣኤኡን አብ መጨረሻ ዓለም ክአ ብዓቢ ግርማ መለኮት ክመጽእ ስለ ዝኾነ ብሓቂ ንሱ ሎሚ ከም ቀደም ንጉሥና እዩ።

እንተ ኾነ ንክርስቶስ ንጉሥ ክንብሎ እንተ ኾና ፍሉይ ትርጉም ዘልኦ እዩ። ዮሓንስ ወንጌላዊ  ንክርስቶስ ከም ንጉሥ የቕርቦ ግን ፍሉይ ንግሥነት ዘልኦ። አብ መንጎ ጲላጦስ ሮማዊ ገዛእን ኢየሱስን ብርቱዕ ምምልላስ ተገሩ። እዚ ኸአ ርክብ ምስ ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ገሩ ዝሓስብን እናዞረ ዝሰብክ ወላ ሓንቲ ዘይብሉ ዝመስል እሞ ምድኃንን ፈጣርን ዓለም።

ጲላጦስ ንስኻዶ ንጉሥ አይሁድ ዲኻ እናበለ ሓቲትዎ፥ ኢየሱስ ክምልሰሉ እንከሎ መንግስተይ ካብዚአ ዓለም እዚአ አይኮነትን መንግስተይ ካብዚአ ዓለም እዚአ እንተ ትኸውንሲ ብአይሁድ ከይትሓዝ ገላዎይ መተዋግኡለይ ነሮም፥ ሕጂ ግና ንግሥነተይ ካብዛ ዓለም እዚአ አይኮነትን” ኢሉ መሊስሉ። ጲላጦስ እንደገና እምብአርከስ ንስኻ ንጉሥ ኢኻ በሎ። ኢየሱስ ከአ ንጉሥ ምዃነይ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ። አነ ንሓቂ ክምስክር እየ ዝተወልድኩ ምእንትዚእውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ እናበለ መልሲ ሂብዎ።

ኢየሱስ ወላ እኳ አነጺሩ አነ ንጉሥ እየ አይበል እምበር አብ መልሱ ብንጹር ዝበሎ ንግሥነተይ ወይ መንግስተይ እናበለ ንጉሥ ምዃኑ ገሊጹ። ንግሥነቱ ግና ናይ እዚ ዓለም አይኮነን። ቅ. ዮሓንስ ኢየሱስ ወላ እኳ እቲ ዝወረዶ ውርደት ንንግስነቱ ዝጻረር ይምሰል ከም ንጉሥ እዩ ዘቕርቦ። ንሱ ንጉሥ እዩ ምኽንያቱ ንሓቂ ስለ ዝምስክር፥ አምላኽ ፍቕሪ እዩ ብፍቕሪ ከአ እዩ ንዓለም ዝገዝአ፥ አምላኽ ካብ ዘለዓለም ጀሚሩ ምስ አፍቀረና እዩ። ኢየሱስ ንጉሥ እዩ ክንብል ከሎና ካብቲ ሓፈሻዊ ርድኢት ነጋውስ ዘሎና አይኮነን። ከምቲ አይሁድ ዝጸበይዎ ዝነበሩ መሲሓዊ ትጽቢት ዝነበሮም እውን አይኮነን ግን ንጉሥ እዩ።

ስለዚ ንግሥነት ኢየሱስ ምስ ናይ እዚ ዓለም ንግሥነት ክነነጻጽሮ አይግባእን። ንግሥነቱ ብዛዕባ ጭካኔ ዝመልኦ ስልጣን ወይ ንጉሣውያን ቤተ ሰብ ወይ እውን መኳንንቲ ዝዓጀብዎ አይኮነን። ንሱ ሚኒስቴራት፥ ጊላዎት፥ ፍሉይ ካባ ወይ ልብሰ ንግስነት፥ በትረ ንጉሥ ዘይብሉ እዩ። ብአንጻሩ ዘውዱ አኽሊል እሾኽ ዝተተነገ፤ ካብኡ ብደም ዝጨቀወ ልብሲ፥ ንበይኑ አብ ቅድሚ ፈራዲ ደው ዝበለ፥ ንሞት ዝተፈርደ፥ ዝተጸልአን አብ መስቀል ዝተሰቕለ እሞ ንግሥነቱ ዝገልጽ አብቲ ልዕሊ መስቀል “ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሥ አይሁድ” ዝብል ዝተጻሕፎ እዩ።

ንኢየሱስ ንጉሥ እንብሎ በቲ አብኡ ዘሎ ክብሪን አብኡ ዝተራእየ ሓቂን፥ አብኡ ፍሉይ ዝኾነ ስልጣን ምስቲ ዘሎና ናይ ነጋውስ ርድኢት ዘይከይድ ዘርአዮን እዩ። እዚ ኢየሱስ ዘርአዮ ምስቲ አብ ዓለምና ብፍላይ አብ ገለ መራሕትን ገዛእትን ሃገራት ወላ እውን አብ ገሊኡ ሃይማኖታትን ሰበ ስልጣናትን ዝርአ ጨሪሹ ዘይከይድ ንግስነት እዩ። ንግስነት ኢየሱስ ዘለዓለማዊ መወዳእታ ዘይብሉ፥ ፍሉይ መለልዪ ንግሥነቱ ዘለዓለማዊ መንፈሳዊ ባህርይ ዘልኦ እዩ። ንግስነቱ ብዓወት እዩ ዝዛዝም፥ ብዙሕ ጊዜ ብዘይተሓስበ መገዲ አብ ልዕሊ ኩሎም ኃይሊ እኩያን ስልጣናትን ናይ እዚ ዓለም ገዛእትን ምስተዓወተ እዩ።

አብ መጽሓፍ ዳኒኤል 7፡13-14 ዘሎ እንተ አንበብና ነዚ ክርስቶስ ንጉሥና ዝብል ብፍሉይ ክንርድኦ ዝሕግዝ ንረክብ። እስራኤላውያን አብ ዓዲ ጓና ባሮት ኮይኖም አብ ሕሱም መነባብሮ እንከለዉ ብዳኒኤል ነብይ ገሩ ተስፋን ድሕነትን ከም ዝወርዶም ገሊጽሎም። ብፍሉይ ነቲ ብራእይ ዝተገልጾ ኽገልጽ እንከሎ አብ መወዳእታ ዓለም አብ መንጎ ኃይልታት ጽድቅን ክፍአትን ክዋግኡ ከምዝኾኑ አብ መጨረሻ ግን ኃይልታት ጽድቂ ከምዝዕወቱ ይነግር። አብ መንጎ እዚ ኹሉ ወድ ሰብ ዝመስል ደው ኢሉ ከም ዝተራእየ ይገልጽ። እዚ ምስጢራዊ ሰብ ብደመና ሰማይ ዝመጽአ ናብቲ ኻብ ዘለዓለም ዚነብር ዝነበረ ድማ በጽሐ አብ ቅድሚኡ እውን አቕረብዎ እሞ ካብ እግዚአብሔር አቦ ግዝአትን ክብርን መንግሥትን ተዋህቦ። ግዝአቱ ዘይኃልፍ ዘለዓለማዊ ግዝአት እዩ፥ መንግሥቱ እውን ከቶ አይክትጠፍእን እያ እናበለ ካብ አምላኽ ዝመጽእ ንግስነት ከመይ ዝበለ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ራእይ ዮሓንስ ሓደ ካብቶም ብዙሕ ግልጸታትን ምስጢራዊ አምሳላት ዘልኦ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ። ንሎሚ ዘንበብናዮ ነቲ አብ ትንቢት ዳንኤልን አብ ወንጌል ዮሓንስ ዘንበብናዮ ብሓባር ክንርድኦ ይሕግዘና። ኢየሱስ አብዚ ራእይ በኹሪ ኩሎም ምውታትን ዝኾነ ካብ ኃጢአትና ብደሙ ዝሓጸበና፥ ንእግዚአብሔር አቦኡ ድማ ናይ መንግሥቱ ኻህናትን ክንኮኖ ዝገበረና ከም ዝኾነ ይገልጽ። ንሱ እቲ ካብ ደመናታት ዝመጽእን ኩሎም ሰብ እቶም ዝወግእዎ እውን ከይተረፉ ዝርእይዎ፥ እቶም ብኲናት ዝወግእዎ ከይተረፈ ግርማ ለቢሱ ክመጽእ እንከሎ ክርእይዎ እዮም።

አብዚ ሓደ ፍሉይ ነገር ክንስተብህለሉ ዘሎና ነገር አሎ። ኩልና አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ ደው ኢልና ጸብጻብ ሕይወትና ክንህብ ኢና። አብኡ እቲ አልፋን ኦመጋን ዝኾነ ወዲ አምላኽ ብግሉጽ ክርአየና እዩ። ሽዑ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸልናን ዝተፈጸመ ጉዳይ ድሕነትና ከመይ ኢልና መልሲ ሕይወትና ከምዝሃብናሉ ክጸባጸበና እዩ። ብኻልእ አዘራርባ ክቡር ፍጥረት ዝኾነ ወድሰብ ወዲ አምላኽ ምእንትኡ ሥጋ ለቢሱ ዝሞተ ዝተንስአ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለሉ ብኸመይ ሕይወቱ ከም ዝመርሐ ተአምኖኡ ዝገለጽ ጸብጻብ ክህብ እዩ።

ጲላጦስ፥ ቀያፋ፥ ሄሮዱስ እቶም ዘዋረድዎ ወተሃደራት እሞ ዝሰቐልዎ ነዚ ሓቂ ከመይ ክምልሱሉ እዮም? ይሁዳ እቲ እሙን ርድኡ ክኸውን ዝሓረዮ እሞ ዝኸሓዶ አብ ቅድሚ ግርማ ምስ ቆመ እንታይ ክብል እዩ? ቅ. ጳውሎስ አብ ፊልጲ 2፡10-11 ንሕቶና ይምልስ፡ “ንኽብሪ ስም ኢየሱስ አብ ሰማይን አብ ምድርን አብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኹሉ ፍጥረት ብብርኩ ኪምብርከኽ እዩ፥ ንኽብሪ እግዚአብሔር አቦ ኸአ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ከም ዝኾነ ብጋህዲ ኪእመን እዩ” ይብለና።

አስተንትኖና ብዛዕባ ሓደ ውሩይ ስንፍልጠታዊ አብ ሓደ ፍሉይ አጋጣሚ ንጀመርቲ ስነፍልጠታውያን ዘስምዖ ክንዛዝሞ። “ንጉሥ አብ ኩሉ ወግዓዊ ምርኢት አሎ ንንጉሥ ኢልካ ተጻወት” እናበለ ምኽሩ ለጊስሎም። ናይ ነገስታት ንጉስ ዝኾነ አምላኽናን መድኃኒናን ክርስቶስ አብ ኩሉ ሓባራዊ ዝኾነ ነገራት ሕይወትና ምሳና አሎ። ምእንቲ ንጉሥ ኢልና ዝክአልና ኩሉ ንግበር። ሕይወትና አብ ቅድሚ ክርስቶስ ክንገብር እንተ ዘይከልአና ንክርስቶስ ንጉሥና ምባል ወይ እውን እአምን እየ ምባልና ትርጉም የብሉን። ንሱ ብፍቕሪ ሕይወትና ይገዝእ እዩ። አብ ጉዕዞ ኢና ዘሎና ስለዚ ንጉሥና አለሊና ብቅድስና ንንበር።

ኦ ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ሰላምካን ምሕረትካን ሃበና። እሙናት አገልገልቲ ኮና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ብጸጋኻ አሰንየና፥ ንግስነትካ አብ ኩሉ ክነብጽሕ ብመንፈስ ቅዱስካ አሰንየና ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

24 November 2018, 17:10