ሠለስተ ሚእቲ ሚልዮን ዝኾኑ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ስደት ይርከቡ! ጸብጻብ ኪርኸ ኢን ኖት

ብቋንቋ ጀርመን ኪርኸ ኢን ኖት ማለት ኣብ ሥቓይ ንዘላ ቤተክርስትያን ዝሕግዝ ማሕበር ኣብዚ ሎሚ ኣብ 38 ሃገራት ዓለምና ዝርከቡ ክርስትያንን ናይ ካልእ እምነት ተኸተልትን ብሰንኪ እምነትን ምጉናይን ስደትን ከምዘጋጥሞም ኣብ መበል 14 ጸብጻቡ ትማሊ ኣብ ከተማ ሮማ ገሊጹ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ዓለምና ካብ ሸውዓተ ክርስትያን ሓደ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ስደት ከምዝነብርን ልዕሊ 300 ሚልዮን ዝኾኑ አመንቲ ክርስትና ምጉናይን ስደትን ከምዘጋጥሞም ዝገለጸ ጸብጻብ ሓገዝ ንእትሳቀ ቤተክርስትያን እዞም ሰባት እዚኦም ንኲልና ክርስትያን ኣሕዋትና ብምዃኖም እቲ ዝሳቀ ዘሎ ሥጋን እቲ ዝፈስስ ዘሎ ደምን ይምልከተና እዩ ብማለት ትማሊ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ጣልያን ናይ ቅድስት መንበር ቤት ጽሕፈት ኣቅሪቦም።

ስደት ክርስትና ወትሩ ዘይቋረጸ እኳ እንተኾነ ካብ ዝሓለ ወርሒ ሰነ 2016 ዓምፈ ክሳብ ናይ 2018ዓምፈ ሰነ ዝምስክሮ ካብ ኩሎም ብሰንኪ ሃይማኖት ዝስደዱ ናይ ክርስትያን እቲ ዝለዓለ ምዃኑ እዚ ኸኣ ካብ ጭቆናን ዘይተጻዋርነትን ጀሚርካ ክሳብ ሰማዕትነት ይበጽሕ። ማዕረ ማዕረኡ ድማ ተኸተልቲ ካልኦት እምነታት ምናዳ ውሑዳን ዝኾነ ብሔረሰባት ተመሳሳሊ ስደትን ምግሃስ ነጻነት እምነትን ከምዝገጥሞም እውን ይንገር።

እዚ ትማሊ በዛ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰት ማሕበር ዝቀረበ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ቀንዲ መሠረት ዝገበሮ እተን ኣብ ልዕሊ 150 ሃገራት ናይ ዓለምና ተደኲነን ሓገዘን ዘወፍያ ዘለዋ ኣባላታ ብዝኣከባኦ ጸብጻብ ምዃኑ ገሊጾም። እቲ ኲሎም ኣጽቅጥ ኣቢሎም ርእዮም ከምዘይረኣዩ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ኮይኖም ዝሓልፍዎ ዘለው ናይ ሸለልትነትን ምጽቃጥን መንደቅ ከስ ብሓይሊ እምነትካ ከም እትቅይር ምግባር በስገዳድ ምምርዓው ግብረ ሽበራዊ ፈተነታት ንሰባት ምጭዋይን ጅሆ ምሓዝን ንነበርቲ ሓውልታትን ምስልታትን እምነትን ምልክታቶምን ካብ ሱር መሠረቶም ምድምሳስን ኣልዕል ኣቢልካ ምእሳር ከምኡ’ውን ብዝኾነን ዘይኮነን ንእምነት ኣዋሪዱ ንእግዚአብሔር ጸሪፉ ኢልካ ክሳብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምብያን ብዛዕባ እምነት ንዝግበር ዝኾነ ምንቅስቃስ ዝገትእ ሕግታት ምእዋጅ ከምኡ እውን ሕዝባዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ከይፍጸም ዝተፈላለየ መግትኢታት ምግባር እዮ። ካብዚአን ብቀንዲ ዝጥቀሳ 38 ሃገራት እየን።

ኣብ 38 ሃገራት ዝረኤ ዓበይቲ ዓመጻት!

በዛ ኣብ ሥቓይ ንዘላ ቤተክርስትያን ዝግበር ሓገዝ ብዝብል ስም ዝቆመት ማሕበር ዝቀረበ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ኣብ 38 ሃገራት ዓለምና እዚ ክትብሎ ዘይትኽእል ዓበይቲ ዓመጻት ኣብ ልዕሊ ነጻነት እምነት የውርዳ ከምዘለዋ የመልክት። ካብዚኤን 21 ከም መካነ ስደት ተሰሚየን ካብ ኣፍጋኒስታን ጀሚርካ ክሳብ የመን ይዝርዝር። 17 ሃገራት ከኣ ናይ ምጉናይን ምንጻልን ሃገራት ተባሂለን ካብ ኣልጀርያ ጀሚርካ ክሳብ ቬትናም ይዝርዝር። እቲ ዘተሓሳስብ ግን እቲ ኩነታት መመሊሱ እናገደደ ምኻዱ እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ካብ ሰነ 2016 ዓምፈ ክሳብ ሰነ 2018 ዓምፈ እንከጠቃልል ካብዘን 38 ኣሳደድቲ ክርስትና ዝኾና ሃገራት ኣብ 17 ካብኤን እቲ ኩነታት መመሊሱ ከምዝብእስ እዩ ተመልኪቱ። ኣብ ገገሊኡ ከም በዓል ታንዛንያን ኬንያን እቲ ብኣልሸባብ ዝበሃል ኣኽራሪ እስላማዊ ጉጅለ ዝግበር ዝነበረ ዓመጽ ቊሩብ እንከንቈልቊል ቅድሚ ሃገራት ስደት ዝበሃል ዝነበረ ሕጂ ክልቲኤን ሃገራት ካብዚ ዝርዝር ወጺኤን ይርከባ።

ኣብዚ ግዝያት እዚ ዝረኤ ዘሎ ኣኽራሪ እስላማዊ ምንቅስቃሳት ተጻይ ሃይማኖት እስልምና ዝኽተሉስ ይኹን ተጻይ ካልእ ኩሉ ብርቱዕ ነውጺ ይፈጥር ከምዘሎ እዚ ከኣ ቀንዲ ኣብተን ውሑዳን ክርስትያን ዝርከበሉን ሰሜናዊ ክፍሊ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ክፍልታት ኣህጉር ኤስያን የጠቃልል። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ሰባት ኣብ መንጎ ኣኽራርነትን ሕሉፍ ሃገራውነትን ተቀርቂሮም ይርከቡ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ብዙሓት ስደት ሓዪሉለን ኣብ ዘሎ ሃገራት ቀንዲ ምኽንያት ኣኽራርነት ምስልምና እንክኸውን ሕሉፍ ሃገራውነት እውን ነቶም ውሑዳን ብሔረሰባት ብዓሌት ኣሳቢብካስ ይኹን ብእምነት ካብቲ ናይ ኣኽረርቲ ኣስላም ብዘይንእስ መንገዲ ስደት ኣመንትን ዕብለላ ነጻነት እምነትን ይረኤ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ከም ኣብነት ከኣ ጉዳይ ሃገረ ህንዲ የቅርብ።

ጉዳይ ሃገረ ህንዲ!

እቲ ጸገም ምጉናይን ስደትን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መልክዕ ቀያዩሩ እዩ ዝጅምር። ኣብ ሃገረ ህንዲ እቲ ቀንዲ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ብሔረሰባት ዘተኮረ እንክኸውን ውሽጡ ግን ጽልኢ ሃይማኖት እዩ። ኣብቲ ፕሮፓጋንዳኦም ከምዝንዛሕ ውሑዳን ብሔረሰባት ንሃገራዊ ሓድነት ልዑል ሓደጋ ስለዝኾነ ሓለዋ የድሊ ካብ ዝብል ተበጊሶም ምስዚ ከኣ መንግሥቲ ዝፈልጦን ዝቅበሎን እንኮ ኣምነት ከኣ ህንድዊዝም ስለዝብሉ ሓደነት ሃገር እንክብሃል ሓዳ ሃይማኖት ዚዓይነቱ ኩነታት እዩ ዘሎ። እቲ ዝገደደ ናይዚ ሳዕቤን ከኣ ስግንጢራዊ ክኾነሉ ዝኽእል ኩነታት ኣሎ። መንግሥቲ ካብ እምነታት ነጻ ክኸውን ብዝብል ጉልባብ ነጻነት እምነት ምግሃስ እውን የጋጥም ኣሎ። ነዚ ዝመሳሰል ጉዳይ ሃገረ ቻይንናን ጸገማት እምነትን ክረኤ ከሎ ኣብዘን መጨረሻ ክልተ ዓመታት ነቲ ኣብ ሃገረ ቻይና ዘሎ ኮሙኒስታዊ ስርዓት ዝቃወም ዝኾነ እምነት ቦታ ከምዘይብሉ ዝገልጽ ሕግታትን ኣውጃትን ተራእዩ።

እዚ ከምዚ እንከሎ ግን እተን ዲሞክራሲ ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት ምዕራብ እውን ጸገማተን ከምዘለወን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ጸረ ሴማውነት ኣብ ምዕራብ ይስዕርር ኣሎ!

ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ካልኦት ሃገራትን ኣብ እምነት ዝተመርኰሰ ስደትን ጸቅጥን እንክረኤ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ግን ኣብዘን ዝተጠቅሳ ክልተ ዓመታት ብርቱዕ ጸረ ሴማዊ ስምዒት ከምዝተራእየን ዝተፈላለየ ዓመጽ ከምዝተኻየደን ከምኡ እውን ብዝሒ ኣስላማዊ ተዋጋእቲ ኣብ ኤውሮጳ ከምዝወሰኸ ተመልኪቱ። ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ጥራይ ልዕሊ 500.000 ዕብራውያን እንክርከቡ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ተጻይ ባህላዊ ማእከላት ዕብራውያንን እምነቶምን ዓመጽን ተጻይ ሴማውያን መጥቃዕትታትን ተኽዩዱ። ምስዚ ብዝዛመድ መንገዲ ከኣ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ውሑዳን ኣብ ዝኾኑሉ ኣከባቢታት ምልክታት ጽልኢ ተራእዩ። ንካልኦት ውሑዳን እምነታት እውን ከምኡ ዓይነት ጸገማት እንክረኤ ከምቲ እቲ ጸብጻብ ዝሕብሮ መንግሥታት ኤውሮጳ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ዓዳተን ዝረኤ ከምዚ ዚኣመሰለ ተጽዕኖ ንኽቃለል ዝወሰዶኦ ዝኾኑ ስጉምቲ ስለዘይብለን ካብ ወቀሳ ናይዚ ጸብጻብ ኣየምለጣን።

እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ዝቀረበሉን ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጽን ናይ ሃገረ ጣልያን ኣምባሳደር ቅድስት መንበር ናይቲ ማሕበር ኣቦመንበርን ካልኦት ኣመሓደርትን ወከልትን ናይቲ ማሕበር ተረኺቦም ነሮም። ናይ ዓለም ለኸ ማሕበር ሓገዝ ንእትሳቀ ቤተክርስትያን ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፕያቸንሳን ናይ ግብጺ ቅብጣውያን ካቶሊክ ሚንያ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቦትሮስ ፋሂም ኣዋድ ሃናእን ካልኦት ወከልትን ቃሎም ኣስሚዖም።

ኩሎም ኣብ መደረታቶም ልዑል ጥንቃቄን ሓለዋን መሰል ደቂሰባትን ነጻነት እምነትን ከምዘድሊ ምናዳ ፖሎቲካውያን መራሕቲ ንነጻነት እምነት ኣብ መርሓ ግብሮም ክጽንብሮ ጻውዒት ብምቅራብ እቲ ርክብ ተዛዚሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
23 November 2018, 13:36