ምስለ ፍቁር ወልዳ ምስለ ፍቁር ወልዳ 

ብዓለ ቍስቋም 2011 ዓ.ም. ወኵሉ ነገራ በሰላም ጥዕምት በቃላ ወሠናይት በምግባራ. .

ምስባክ፡1.'ዖፍኒ ረከበት ላቲ ቤት፥ ወማዕነቕኒ ኀበ ታነብር እጎሊሃ፥ ምሥዋዒከ እግዚኦ እግዚአ ኃያላን' ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፣ ለዃዅቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፣ መሰውኢታትካ፣ ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ንጉሰይን ኣምላኸይን። መዝ. 84፡3። ንባባት፡ 2ቆሮ 8፡1-16፥ 2ዮሓ 1፡9-ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ማቴ 2፡19-ፍ
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ብዓለ ቍስቋም አብ ፮ ኅዳር ንዝክሮ እዚ ኸአ ነቲ ቅድስት ስድራ ካብ ምድረ እስራኤል ንግብጺ ካብቲ ጨካን ሄረዱስ ክሃድሙ ኢሎም ዝገበርዎ ስደት ብምዝካር እዩ። ቍስቋም አብ ግብጺ ዝርከብ እምባ እዩ፥ ቅድስት ስድራ ተሓቢአትሉ ዝነበረት ሎሚ አብኡ ዓቢ ገዳም ዝርከቦ ሓደ ካብቶም ቅዱሳት እምባታት ኮይኑ ብዙሓት ዝነግድዎ እዩ።

ብዓለ ቍስቋም ንፍሉይ ተዘክሮ ምድራዊ ሕይወትና ዘዘኻክር ስለ ዝኾነ ንነፍሲ ወከፍና ዘመሓላልፎ መልእኽቲ አልኦ። “እስመ ፈላሲ አነ ውስተ ምድር” ዝብል ዘኪርና ንሕይወትና ከመሎኹ እናበልና ክንርኢ እሞ አብ መገዲ አምላኽ ክንምለስ ዘዘኻክር እዩ። ሰብ ጉዕዞ ሕይወቱ ክርኢ እንተ ዘይከአለ አብ ዘይተደለ ብቐሊል ከላግስ ስለ ዝኽእል ሕይወትካ ምርአይ ንቅድስና ይመልሰና ስለዚ ብዓልና ንቅድስና ዝጽውዕ ፍሉይ ብዓል እዩ።

ማቴዎስ ወንጌላዊ ምኽንያት ስደት ቅድስት ስድራ ክነግር እንከሎ ሄረዱስ ልደት ኢየሱስ ካብ ሰብአ ሰገል ምስ ሰምዐ ንስልጣኑ ዝወዳደሮ ንጉሥ ከም ዝተወልደ ስለ ዝፈለጠ ክቐትሎ ኢሉ ንብዙሓት ሕጻናት ብምቕታል ዝተዓወተ ዝመሰሎ እንተ ኾነ እቲ ሕፃን ብመልእኽ ንዮሴፍ ምስ ተነግሮ ከም ዝሃደመ እሞ ናብ ግብጺ ከምዝተሰደ ክሳብ ሞት ሄሮዱስ አብኡ ጸኒሖም ከም ዝተመልሱ ይነግረና።

ፍቕሪ አምላኽ ዘይብሉ ልቢ ኩሉ ጊዜ አብ ጭካኔ አብ ፍርሕን ምጥርጣርን ዝዘንበለ እዩ። ሄሮዱስ ልደት መድኃኒ ከምቶም ሕያዎት ጓሶት፥ ሰብአ ሰገል ምስ ሰምዑ ዝተሓጎሱ እሞ ምስ ህያባቶም ክበጽሕዎ ዝኸዱ ክገብር ዝነበሮ አብ ቅትለቱ እዩ ወፊሩ። ሄሩዱስ ነዚ ዝገበረ ብብዙሕ ምኽንያት እዩ፡

  • አብ ርእሱ ጥራሕ ይአምን ስለ ዝነበረ። አብ ግዝአት ፍልስጢአም ብዘይካኡ ካልእ ንጉሥ ክህሉ ከምዘይክእል ስለ ዝፈለጠ ንኢየሱስ ከም ንጉሥ ክቕበሎ ከቢድዎ። ሰብ ንቦታ አምላኽ ባዕሉ ምስ ሓዘ ልቡ ይሽፈን ሽዑ ንክፍአተ ስራሕ ክገብር ሓንቲ ጸገም የብሉን። ሄረዱስ ነቲ ሰናይ ዜና መድኃኒ ክቕበሎ ከቢድዎ ስለዚ አብ ቅትለት ወፊሩ። ሓቅን ፍቕር ዘጉደሎ ሕይወት ዓመጽ ክፍጽም አይጽግሞን እዩ ምኽንያቱ ልቡ ታቦት ሰይጣን ኮይኑ ስለ ዘሎ።
  • ንመልእኽቲ አምላኽ ክቕበል ስለ ዘይደለ። ሰብአ ሰገል ልኡኻት አምላኽ ኮይኖም አብ ግዝአቱ ወሪዱ ዘሎ ጸጋ ምስ ነገርዎ ክርኢ ክሰምዕ አይክአለን። ነቲ አምላኽ ንዓለም ንምድኃን ዝሃቦ ጸጋ ክሰምዕ ልቡ ቀልቡ ክህብ አይደለን እዚ ኸአ አብ ዝገደደ ክፍአት ከም ዝወፍር ገርዎ። አብ ቤትና አብ ዓድና ዘሎ ጸጋ አምላኽ ስአን ምርአይ ክንደይ በረኸትን ጸጋን ይሓልፈና። ክርስትያን አዛዊሩ ዝርኢ ክኸውን እንከሎ እዩ ዝዕወት።
  • ፍጡር ምዃኑ ስለ ዝዘንግዐ። ሰብ ስልጣን ክእለት ኮታስ ኩሉ አብ ኢዱ ምስ ሓዘ አብ መለኮት ዝተቐየረ እዩ ዝመስሎ። መዋቲ ሓላፊ ምዃኑ ይዝንግዕ ሽዑ ዝኾነ ክፍአተ ግብሪ ክገብር ድሕር አይብልን። ሄረዱስ ብዝነበሮ ስልጣን አብ ቅድሚኡ ዝኾነ ሰብ ከም ዘይወዳደሮ ይአምን ስለ ዝነበረ ንርእሱ መለኮት ገሩ ይሓስብ ነሩ።

ስልጣን ከም ግቡእ ንዘይተጠቕሙሉ አብ ዓመጽ ግፍዒ ብቐሊል ከም ዝወፍሩ ይገብሮም። ሄረዱስ ዝነበሮ ስልጣን ሰባት ምምራሕ ንጽጉማት ምሕጋዝ ብፍላይ ነቶም ብዝተፈላለዩ ዝግፍዑ ምርዳእ ምዃኑ ዘንጊዑ አብ ቅትለትን ዓመጽን ወፊሩ። እዚ እዩ ሎሚ ኩልና ክንሓስበሉ ዘሎና። በታ ዘላትና ዝንአሰት ስልጣን አብ አገልግሎት አምላኽን ሰብንዶ ወፊረ አሎኹ ክንብል ይግባእ። ንዘሎና ስልጣን ወይ ሓላፍነት ተጠቒምና ንሓቅን ፍትሕን ደው ክንብል እዩ ዝግብአና። ብፍሉይ አብ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ዝርከቢ ስልጣኖም ንአገልግሎት ምዃኑ ዘኪሮም ፍቕርን ሓልዮትን ከርእዩ ይግባእ። ስልጣን ዋንኡ አምላኽ እዩ ሰባት ልኡኻት ኢና። ዓለም ካብቲ ከቢድዋ ዘሎ ሰበ ስልጣን ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ነቶም ከምሓድርዎ ሰላም ክሕልዉሉ ኮታስ ሰናይ መገዲ ከትሕዝዎ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ዘንጊዖም አብ ርእሰ መላኽነት ተቐይሮም ሰብ ክቕተል ክስደት እንርእዮ ዘሎና ናይ ዘመና ዝኸበደ ግፍዒ እዩ። ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት መንፈስ ሄሮዱስ መሊኽዎም ንህዝቦም ዘዋርዱ ዘሳድዱን ዝቐትሉን ኮይኖም ዓለምና ናይ ብኽያትን ስደትን ውርደትን ኮይና አላ።

አብ አምላኽ ዝተመልሰ ልቢ ጥራሕ እዩ ክፉእን ጽቡቕን ክመሚ ዝኽእል። አብ ሓላፍነት ዘለዉ ይኹኑ ዘየለዉ አብ እምላኽ ክምለሱ ይግባእ። አብ ገዛ ኮፍ ኢልካ ንሰበ ስልጣን ጥራሕ ምሕማይን ምፍራድን እውን ሰላም አየምጽአልናን እዩ። ንሓቂ ደው ክንብል ፍትሕን ሓቅን ክነግስ ናይ ኩልና ተሳትፎ የድሊ።

አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምስ ሓለወና እዩ። ማቴዎስ ከም ዝነግረና እግዚአብሔር መልአኹ ሰዲዱ ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ “ሄሮድስ ነዚ ሕፃን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ ተንሥእ ነዚ ሕፃንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ኸአ አብኡ ጽናሕ” በሎ (ማቴ 2፡13) ይብለና። ስደት ዝኸበደ ነገር እዩ። ሰብ ንስደት ዝኸይድ በቲ ዝገጠሞ አብ ዓዱን ወገኑን ክነብር ምስ ዘይክአላ ዝኸውን እዩ። ሳዕቤን ስደት አብ ዓዲ ጓና ንበይንኻ ዝገብር ጓና ኮንካ አብ ምንባር የውርደካ ሳዕቤኑ ውርደት ምጥርጣር ፍርሒ የውርደልካ፥ ኩሉ ጊዜ ምዩቕ እናበልካ ትነብር ጸግዒ የብልካን። እዚ ኹሉ ንቅድስት ስድራ ንቤተልሔም ሓዲጎም ንግብጺ ክኸዱ ከለዉ ገጢምዎም።

ቅድስት ስድራ ዝሃደመት ሰብ ዝኾነ ወዲ አምላኽ ከይቅተል መደብ ድሕነት ከይኩለፍ ብሓጺሩ መደብ አምላኽ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክማላእ ተሰዲዶም። ብርግጽ እቲ ጉዕዞ ከቢድን ጭንቀት ዝመልኦን እዩ ነሩ። ዕሸል ሕፃን ሒዞም ንበረኻታት ሲናይ ክስንጥቑ እሞ ዝአክል ስንቂ ዘይነበሮም ንአጻምእ ቦታታት ክሓልፉ ከቢድ እዩ። እዚ ሎሚ እውን ይቕጽል አሎ።

ብዙሓት ወገና ሎሚ እውን ነዚ አጻምእ ሰንጢቆም እንተ ሓለፈልና ኢሎም ዝተጓዕዙ ውሑዳት አይኮኑን። ብዙሓት አብ መንጎ ዝተኾልፉ አለዉ። ምረት ስደት እንሰምዖን እንምከሮን ዘሎና ከቢድ ነገር እዩ። ስደት ቅድስት ስድራ ክሳብ ወዲ ሰብ ነቲ አብዚ ዓለም ዘምጽኦ ዓላማ አብ ግብሪ ክሳብ ዝፍጸም አየብቅዐን። አብ መስቀል ምስ ሞተ ሽዑ ምድራዊ ስደት ወዲ አምላኽ ብድሕነት ነፍሲ ወከፍና ተዛዚሙ።

ካብ ስደት ቅድስት ስድራ ብዙሕ ነገር እንምሃሮ አሎና።

1.   አብ አምላኽ እምነት ገርካ ጉዕዞ ሕይወትካ ምምራሕ። አምላኽ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ክዛረበናን ክነግረናን እንከሎ ጽን ኢልና ክንሰምዕ እንተ ኸአልና ክንዕወት ኢና። ቅድስት ስድራ ነቲ አምላኽ ብሕልሚ ዝነገራ ተኸቲላ ምስ ከደት ድኂና ንሕና እውን አብ ጽንኩር እዋን ንአምላኽ ሰሚዕና ክንክእል አሎና።

2.   አብ ሕይወተይ ፍርሕን ምጥርጣርን ብኸመይ እምከሮ? ኩሉ አብ ኢድ አምላኽዶ አንብሮ? ንኹሉ አብ አምላኽ አንቢረ ካብ ምጉዓዝ ዝዓግተኒ እንታይ አሎ? ኢልና ንርእስና ክንሓትት አሎና። ንአምላኽ ክሰምዕ ዝኸአለ ጥራሕ እዩ አብ ዓወትን ድሕነትን ዝበጽሕ።

3.   ሕይወትና ስደት እዩ። ዓድና ሰማይ እዩ ስለዚ አብዚ ጉዕዞ ስደት ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንከይድ ይግብአና። ስደት ጭንቂ ፍርሒ ካብ አምላኽ ከውጽአና አይግብአን። አብ ሕይወት ብዙሓት ስደተኛታት ዝርአ ካብ አምላኽ ዝወጸ ሕይወት ሒዝካ ምንባር እዩ። ንኹሉ ግፍዕን ሞትን ውርደትን ዝረአዩ ብዝያዳ መገዲ አምላኽ ሒዞም ክኸዱ እናተገብአ እንከሎ ብዙሓት ዘይስሩዕ ሕይወት ክነብሩ ይርአ። ቅድስት ስድራ ግን ብስደት ካብ መገዲ አምላኽ አይወጽአትን።

ቅድስት ስድራ ቀዳመይቲ ስደተኛ  አብ ታሪክ ክርስትና እያ ነራ። አብ ምድረ ግብጺ ከም ማንም ስድራ ቤት ኮይና ትነብር ነራ። ወዲ አምላኽ ምድራዊ ሕይወቱ ብስደት አብ ዓዲ ጓና እግሩ ተኺሉ። አብዚ ክነስተንትኖ ዝሕግዘና እንነብሮ ሕይወት ዓይነቱ ብዘየገድስ ካብ መደብ አምላኽ ክወጽእ የብሉን።

ሓደ ካብቲ ብፍሉይ ክንገብሮ ዝግብአና ስሩዕ ሕይወት ሒዝና ክነብር ይግባእ። ስደተኛ አብ መብዝሕትኡ ዓለም ውጹዕ እዩ። ዝተሓተ ናብራ ይነብር መሰሉ ዳርጋ ዘይተሓለወ እዩ ስለዚ ከም ኩነታቱ ክነብር ይፍትን። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ዘይ ዓድኻ አይ ዓድኻን እዩ። አብ ስደት ዝነብሩ ልዕሊ ኹሉ ክፈልጥዋ ዘለዎም እምነቶም መንነቶምን ባህሎም ዓቂቦም ክነብሩ እንተ ኸአሉ ዕግበት ክረኽቡ ይኽእሉ እቲ ዝገደደ አብ ዓዲ ጓና መጺእካ ንኹሉ ዘሎካ አጥፊእካ ካልእ ኮንካ ክትነብር ምፍታን ክልተ ወጽዓ ይኸውን።

ሕይወት ስደት ብርቱዕ ሓለዋ የድልዮ። ከይትጠፍእ ምስ ህዝብኻን ባህልኻን ቀጻሊ ርክብ የድሊ። ንደቂ ዓድኻ ብፍቕርን ስኒትን ምቕራቦም የድሊ እዚ መንፈስካ የህድእ። ኩሉ ስደተኛ ፍርቂ ሕይወቱ አብ ዓዱ እዩ ዝርከብ እዚ ሓቂ አብ አተሓሳስባና አብ ዘሎና ርክብ ክርአ ይክአል ስለዚ ምስ ሰብና ርክብ ክህልወና እንከሎ ጥራሕ ኢና እንቀስን።

እዚ ዝኽሪ ብዓለ ቍስቋም ፍሉይ መልእኽቱ ስለምንታይ ስደት? አብ ስደት ንዘለዉ እንታይ ክንሕግዝ ንኽእል? ሰብ ንስደት ከይነቅል ደው ዘብል እንታይ አሎ? ኢልና ክንሓስብ አሎና። ዓድና ሎሚ ወዲ ዓዲ ዘይነብሮ ኵሉ ንስደት ዝናፍቕ ኮይኑ አሎ ስለዚ ፍሉይ ጸሎት ክንገብር የድሊ።

ኦ ማርያም አደና ናብራ ስደት ብዝያዳ እትፍልጢ ኢኺ እሞ ንስደተኛ ህዝብኺ አጸናንዕዮ ነቲ ፍቑር ወድኺ ምሓሮም ርድአዮም ሰላምን ቅሳነትና ሃቦም ኢልኪ ለምንልና። እሙናት ደቂ ወድኺ እንኾነሉ ጸጋ ለምንልና።

ብሩኽ ብዓል ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

15 November 2018, 10:30