ድጋፍ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቨነዚያ ናይ 2018 ዓ.ም. መደብ ድጋፍ ንዝስደዱ ማሕበረ ክርስቲያን ድጋፍ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቨነዚያ ናይ 2018 ዓ.ም. መደብ ድጋፍ ንዝስደዱ ማሕበረ ክርስቲያን 

ድጋፍ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቨነዚያ ናይ 2018 ዓ.ም. መደብ ድጋፍ ንዝስደዱ ማሕበረ ክርስቲያን

ኣብ ዓለም ብዙሓት ህብረ ሃይማኖት ዘይኰነስ ኣሃዳዊ ሃይማኖት ጥራሕ በስገዳድ ብምቕራብ ካልኦት ሃማኖታት ዝነጽጋ ሃገራት ከምዘለዋ ኣዘኻኺሮም፡

ኣብ ቨነዚያ መንእሰያት ኣብ ዓለም ድጋፍ ምእንቲ እቶም ብእምነቶም ምኽንያት ንዝሳደዱን ሰማዕትነት ንዝቕበሉን ንሓሳርን መከራን ንዝቃልዑ ማሕበረ ክርስቲያን ዝሓስብ በቢ ዓመቱ ዘካይድዎ መፈሳዊ ንግደት ናብ ቅድስተ ማርያም ዘፈውስ፥ ለምዘበን 2018 ዓ.ም. ማርያም ኣብ እምነት ብርትዕቲ  ብዝብል ቃል ተመሪሑ ዕለት 20 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ተበጊሱ ሎሚ ዕለት 21 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ተፈጺሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ ናይ ቨነዚያ ፓሪያርካዊ ሰበኻን ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ማሕበር ብሓባር ኣብ ዘሰናደውዎ መንፈሳዊ ንግደት ንዝሳተፉ መንእሰያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣቐዲሞም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ እተካይድዎ መንፈሳዊ ንግደት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ብእምነቶም ምኽንያት ዘጓንፎም ስደትን መከራም ጠቒሶም ነዚ ስቓይ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ዓለም ብቐረባ ኣፍልጦ ክህልዎ ዝድግፍን ነዚ ዕላማ ዝገበረ ከምዝዀነን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ስደትን መከራን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዓለም መግስታት ኣፍልጦ ክህልዎምን እቲ ዝወርድ ስደትን መከራን ከይህሉ ዝድግፍ ብዘለዎም ሓላፍነት መሰረት ብጽንዓት ክዓዩን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ናይ ሃይማኖት ነጻነት

ኣብ ዓለም ብዙሓት ህብረ ሃይማኖት ዘይኰነስ ኣሃዳዊ ሃይማኖት ጥራሕ በስገዳድ ብምቕራብ ካልኦት ሃማኖታት ዝነጽጋ ሃገራት ከምዘለዋ ኣዘኻኺሮም፡ በዚ ምኽንያት ሰዓብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዃኖምን ናይ ሃይማኖት ነጻነቶም ተጋሂሱን ንስደትን ዓመጽን መከራን ዝዳረጉ ብዙሓት ክርስቲያን  ከምዘለዉን፡ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ፍጥረት ሰብ መሰረተ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ እቶም ኣብ ጽንኩር ኵነትን ሓደጋን ዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ፈተናን መከራን ጸኒዖም ናይ ሓድሽ ሕይወትን ናይ ተስፋን ዘርኢ ክዀኑ መታን ስለኤም ከምዝጽልዩን ብጠቕላላ ቅርበት ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ኩሉ ስፍራ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ዕርቅን ሰላምን መጋበርያ ክኸውን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርካዊ ሰበኻን ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበርን

እቲ ምእንቲ ዝሳደዱ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ 2018 ዓ.ም. መደብ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ቨነዚያ ካብ ኣደባባይ ቅዱስ ማርቆስ ነቒሉ ክሳብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘፈውስ ብናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሞራሊያ ዝተመርሔ ከምዝነበረን፡ ብፍላይ ነተን ኣብ ፓኪስታን ዕለት 31 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መኽሰሲኤን ገበን ናይ ሓሶት ምዃኑን ኣይወዓለኦን እንክብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ናጻ ዝበለን ካቶሊካዊት ምእመን ኣሲያ ቢቢ ዝሓሰበ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ግብጺ ናይ እስክንድሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምይኒያ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቦትሮስ ፋሒም ኣዋድ ሓና እውን ተሳቲፎም ቃለ ምስክርነት ከምዘስምዑን እቲ መንፈሳዊ ንግደት ዕለት 21 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ፈዋሲተ ቅድስተ ማርያም ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ሞራሊያ ብብዙሓት ካህናትን ተዓጂቦምን መንእሰያት ኣሳቲፉ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ተሓቢሩ።

ድጋፍ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቨነዚያ ናይ 2018 ዓ.ም. መደብ ድጋፍ ንዝስደዱ ማሕበረ ክርስቲያን

Photogallery

ኣብ ቨነዚያ ናይ 2018 ዓ.ም. መደብ ድጋፍ ንዝስደዱ ማሕበረ ክርስቲያን
21 November 2018, 16:00