ናይ ራባት ሊቀ ጳጳሳት መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሞሮኮ ከምዘሐጐሶም ይገልጹ ናይ ራባት ሊቀ ጳጳሳት መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሞሮኮ ከምዘሐጐሶም ይገልጹ 

ናይ ራባት ሊቀ ጳጳሳት መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሞሮኮ ከምዘሐጐሶም ይገልጹ

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ እምነት ዘጽንዕ እዩ

ኣብ ሞሮኮ ናይ ራባት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡን ሎፐዝ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 19 ነሓሰ 1985 ዓ.ም. ኣብ ሞሮኮ ዘካድዎ ሓዋያዊ ምብጻሕ ዘኪሮም ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 30 ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሞሮኮ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ምስ ተገልጸ ዝተሰምዖም ሓጎስ ዓቢይ ምዃኑ ገሊጾም፡ ንሕዝቢ ሞሮኮን ኣብ ሞሮኮ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተስፋን ፍቕርን ቡራኬን እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ሞሮኮ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካካይዱ ምዃኖም ዕለት 13 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ግረግ ቡርከብ ብወግዒ ምስ ሓበሩ፡ ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶባል ሎፐዝ ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ዝተሰምዖም ልዑል ሓጐስ ገሊጾም፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ እምነት ዘጽንዕ እዩ፡ እዚ እቲ ቀንዲ ትርጉም ናይቲ ዘካይድዎ መደብ ምብጻሕ ምዃኑ ቡርከ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ንሕዝቢ ሞሮኮን ንማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞሮኮ ዝርከቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝተዋጽኡ ስደተይናታት ክበጽሑ እዮም እንክብሉ ኣብ መልእኽቶም የመልክቱ።

ኣብ ሞሮኮኣብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ምብጻሕ

ብፁዕ ኣቡነ ሎፐዝ ኣስዒቦም ኣብ መልእኽቶም፡ እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕን ብመንፈስ ናይ ሓባር ዘተ ዝምራሕ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ መንጐ ክርስትናን ምስልምናን ዝብልን ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ እውን ዘነቓቕሕዎ እዩ፡ ክላለዩናን ብቐረባ ኣብ ሃገርናን ዕለታዊ ሕይወትናን ክራኸቡናን ምሳና ብሓብር ክጽልዩን ንኽባርኹናን እውን እዩ ምስ በሉ፡ ምስ ጳጳስ ሮማ ዘሎና ሕብረት ዝምስክርን ብኣኦም ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎና ሕብረት ዝረጋገጸሉ ኩነት እዩ ኢሎም። እዚ ምብጻሕ’ዚ ቅዱስነቶም ቤተ ክርስቲያን ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ ወሰናስንን ደጋዊ ክፍለ ከተማን ህልውናን ከምእተብል ዝምስክር ምዃኑ ብፁዕነቶም ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ኣብ ሞሮኮ 30 ሺሕ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዘለዉን፡ ንማሕበረ ክርስቲያን ዘጸናንዕን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕ እዩ ኢሎም።

ናይ ራባት ሊቀ ጳጳሳት መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሞሮኮ ከምዘሐጐሶም ይገልጹ
14 November 2018, 16:06