ድለ

ነፍሰኄር አባ ኤፍረም ቀሺ ተድላ ሲታዊ መነኮስ ነፍሰኄር አባ ኤፍረም ቀሺ ተድላ ሲታዊ መነኮስ 

ዜና ዕረፍት ሲታዊ መነኮስ ኣባ ኤፍረም ቀሺ ተድላ!

ከምቲ ቅ.ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ‘እስመ ፈላሲ ኣነ ውስተ ምድር’ ዝብሎ ሲታዊ መነኮስ ኣባ ኤፍረም ቀሺ ተድላ ዝሓለፈ ሰሉስ 13 ኅዳር 2018 ዓምፈ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ዚርከብ ገዳም ሲታውያን ኪያራቫለ ደላ ኮሎምባ ኣብ መበል 89 ዓመቶም ዓሪፎም። ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ ዚርከብ ጥንታዊ ገዳም ካሣማሪ ኣብ ኣውራጃ ፍሮዚኖነ ትማል ዓርቢ ዕለት 16 ኅዳር ናይ ቀብሮም ሥርዓት ተዛዚሙ።

ሮቡዕ ምሸት ሰዓት 8.30 ናይ ምሸት መነኮሳት ምኔት ገዳም ክያራቫለን ምእመናን ቊምስናን ከባቢን ጸሎተ መቚጸርያ ኣብጺሖም። ሓሙስ ከኣ ኣብ ገዳም ምኔት ክያራቫለ ደላ ኮሎምባ ሃገረ ጣልያን ሥርዓተ ፍትሓትን መሥዋዕተ ቅዳሴን ሰዓት 3.30 ድሕሪ ቀትሪ ተገብረ። ሥርዓት ቀብሮም ድማ ዕለት 16 ሕዳር 2018 ዓምፈ ኣብ ምዕራፈ ጻድቃን ናይ ገዳም ምኔት ካዛማሪ ሰዓት አርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ተፈጸመ።

ነፍሰኄር ሲታዊ መነኮስ አባ ኤፍረም ቀሺ ተድላ ብ20 ጥሪ 1929 ዓምፈ ኣብ ደቂዘርኡ ደምበዛን ተወልዱ።  ብ23 መስከረም 1940 ዓምፈ ኣብ በዅሪ ገዳም ሲታውያን በለዛ ኣተወ። ካብኡ ገዳም ነሥመራ ምስ ገዓዘ ሓቢሮም ነሥመራ ገዓዙ። ብ6 መስከረም 1948ዓምፈ ናብ ገዳም ካዛማሪ ዓዲ ጣልያን ተላእኩ ብ2 ጥቅምቲ 1948 ከአ ተመኵሮ ጀመሩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ግዝያዊ መብጽዓ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት 8 ነሓሰ 1954 ዓምፈ ዓቢይ መብጽዓ ብ24 መስከረም 1955 መዓርገ ዲቚና ብ9 ጥቅምቲ 1955 ዓምፈ ከአ መዓርገ ክህነት ለበሱ፣

ኣባ ብሩኽ ወልደጋብር ዘማኅበረ ሲታውያን ዘቅረብዎ ታሪኽ ሕይወቶም ንምስማዕ!

 

 

15 November 2018, 13:18