ድለ

መዓልቲ ኵላዊ ቅድስና፡ ዓለማውያን ምእመናን ኣብነት ሕይወት ቅድስና መዓልቲ ኵላዊ ቅድስና፡ ዓለማውያን ምእመናን ኣብነት ሕይወት ቅድስና 

መዓልቲ ኵላዊ ቅድስና፡ ዓለማውያን ምእመናን ኣብነት ሕይወት ቅድስና

ሎሚ ዕለት 1 ሕዳር 2018 ዓ.ም. መዓልቲ ኵላዊ ቅድስና ቅድስና ተላገብ እዩ፡ ድማረ ኣብ ቅድስና ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝበዓል ክኸውን እንከሎ፡

ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ቅድስና ክሰርጽን ቅድስና ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን መነባብሮን ዘነቓቕሕን ቅድስና ናብ ኩሉ ዘብጽሕ እምነት ዝምስክር ብኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጉሊየልሞ ጃኵይንታ ዝተመስረተ ምንቅስቓስ ሓላይ ቅድስና፥ ቅድስና ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት የነቓቕሕ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ሎሚ ዕለት 1 ሕዳር 2018 ዓ.ም. መዓልቲ ኵላዊ ቅድስና ቅድስና ተላገብ እዩ፡ ድማረ ኣብ ቅድስና ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝበዓል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኣብ 1957 ዓ.ም. ብኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጉሊየልሞ ጃኵኢንታ ዝተመስረተ ምንቅስቓስ ሓላይ ቅድስና ዘበገሶን ዕለት 1 ሕዳር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ተተሓሒዙ ዝበዓል መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣግልጋሊ እግዚኣብሔር ጃኵይንቶ ዘበገሶ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቅድስና ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ኰይኑ በቢ ዓመቱ ዕለት 1 ሕዳር ይብዓል፡ ዕላማኡ ኸኣ ቅድስና ብነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ክብጻሕ ዝከኣል ኵላዊ ጸዋዕታ ዝብል ከይኑ፡ ናይ ወንጌል ሶውራ ናብ ኩሉ ስፍራ ምብጻሕ ዝብል ተልእዀ ዘለዎ እዩ።

ቅድስናን ሕውነትን፥ ዘይነጻጸሉ ክሌስም እያቶም

ናይዚ ምንቅስቓስ ሓላይ ቅድስና ኣባላት ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኢየሱስ ዘቕርቦ ቅድስና ምንባርን ምምስካርን ዝብል ጻውዒት ዝነብሩ ኽዀኑ እንከለዉ፡ ብቓልን ሕይወት ቅድስና ምዝርጋሕን ምትሕልላፍን ዝብል እዩ፡ ኩላትና ንቕድስና ዝተጸዋዕና ኢና ኵላትና ከኣ ኣሕዋት ኢና፡ እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ምንቅስቓስ መንፈሳዊ ጭርሖ ክኸውን እንከሎ። ቅድስናን ሕውነትን ዘይነጻጸሉ ክሌ - ስም እያቶም።

ቅድስና ከም ዕንባባ ሱፍ እዩ

ኣብቲ 12 ኣባይቲ ምንቅስቓስ ሓላይ ቅድስና ኣብ ኢጣሊያ፡ ሎሚ ኣብ መላእ ጐደናታት ኢጣልያ ከም ትእምርቲ ቅድስና ዕንባባ ሱፍ ከምዝዓደሉን፡ ከምቲ ዕንባባ ሱፍ ናብ ጸሓይ ገጹ ዝጥምት፡ መላእ ዘረኢ ሰብ ገጹ ናብ ጸሓይ ቅድስና ከብል ዝዕድም እዩ፡ ሱፍ ዕንባባ ካብ ምዕዳል ዝርከብ እቶት ንድኻታትን ነቶም ዝተናዕቁ ኣሕዋት ድጋፍ ዝውዕል ምዃኑ ምንቅስቓስ ሓላይ ቅድስና ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ብምስክርነት ቅድስና ምትሕልላፍ

ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኢምፐሪያ ኣብቲ ምንስቓስ ሓላይ ቅድስና ዘካየዶ መደብ ዝተሳተፋ ኣልፊና ፐለግሪኖ፡ ናይ 2018 ዓ.ም. መዓልቲ ኵላዊ ቅድስና መርሕ ቃል እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብቃልን ሕይወትን - ምስክርነት ቅድስና ናብ ኩሉ ምትሕልላፍ እንክብሉ ዘቕረብዎ ኵላዊ ጻዋዒት መሰረት ዝገበረ እዩ ኢለን፡ ቅድስና ንዓለማውያን ምእመና ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብርሃን ምብጻሕ ዝብል እዩ፡ ናይቲ ምንቅስቓስ መንፈሳዊ ጸጋ ከምዝሕብሮ፡ ቅድስና ቃልን ሕይወት ዘጣመረ እሙን ሕይወት ብምንባር ዝምስከር እዩ፡ ቅድስና እሙን ሕይወት ይጠልብ። ብናይ ክርስቶስ ለውሃትን ጥበብን ተመሪሕካ ምንባር ማለት ኣዩ ኢለን።

መዓልቲ ኵላዊ ቅድስና፡ ዓለማውያን ምእመናን ኣብነት ሕይወት ቅድስና
01 November 2018, 16:20