All Saints Day at the cemetery in Warsaw All Saints Day at the cemetery in Warsaw 

ቡልጋርያ፥ ተቓውሞ ኵለን ሃይማኖታት መንግስቲ ንዘርቀቖ ሃይማኖት መቆጻጸሪ ሕጊ

መንግስቲ ዘርቀቖን ከጽድቖ ጐስጓስ ዘካይደሉ ዘሎ ዛዕባ ሃይማኖታት ዝምልከት ሕጊ፡ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት እደ እታውነት ክህልዎ ዝገብር ከምዝዀነ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ቡልጋርያ ናይ ብዙሃን ሃይማኖት ዝዀነት ኦርቶዶክሳዊትንን እቲ 10 ሚእታዊ ካብ መላእ ሕዝቢ እታ ሃገር ዝሽፍን ሃይማኖት ምስልምናን ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ኵለን ሃይማኖታት ዘቕረበኦ ናይ ተቓውሞ ሓሳብ ኣብ መርሕነት ዘሎ መንግስቲ ቡልጋርያ ግምት ከምዘይሃበሉ

ዋላ’ኳ ካብ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክስውያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ተቓውሞኦም የቕርቡ መንግስቲ ቡልጋርያ ዘርቀቖ ሃይማኖታት ዝቆጻጸር ናይ ሕጊ ንድፊ ኣብ ሕዝባዊ ባይቲ ቀሪቡ ከምዘጽደቖ ክሕበር እንከሎ፡ መንግስቲ ኣብ ናይ ሕዝቢ ሃይማኖታት አእዳዉ የእትው ከምዘሎ ዘረጋግጽ ተግባር ምዃኑ ኣባ ፐትኮ ቫልቮ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እቲ ዝረቐቐ ሕጊ መንግስቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመን ግምት ብምሃብ ከመሓይሾ ተስፋ ንገብር ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መንግስቲ ዘርቀቖን ከጽድቖ ጐስጓስ ዘካይደሉ ዘሎ ዛዕባ ሃይማኖታት ዝምልከት ሕጊ፡ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት እደ እታውነት ክህልዎ ዝገብር ከምዝዀነ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ቡልጋርያ ናይ ብዙሃን ሃይማኖት ዝዀነት ኦርቶዶክሳዊትንን እቲ 10 ሚእታዊ ካብ መላእ ሕዝቢ እታ ሃገር ዝሽፍን ሃይማኖት ምስልምናን ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ኵለን ሃይማኖታት ዘቕረበኦ ናይ ተቓውሞ ሓሳብ ኣብ መርሕነት ዘሎ መንግስቲ ቡልጋርያ ግምት ከምዘይሃበሉ ዝገለጹ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ኣብቲ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ድርገት ኣባል ዝዀኑ ኣባ ቫልቮ ኣስዒቦም ሕዝባዊ ባይቶ ሰሚዑ ከምዘይሰምዔ እቲ ንድፊ ቅድመ ሕጊ ከምዘጽደቖ ብጣዕሚ ዘሕዝንን ድላይ ህዝቢ ግምት ዘይሃበ ውሳኔ እዩ ኢሎም።

እቲ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሰክፋ

እቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ንምውጋድን ንምቁጽጻርን ብዝብል ሓሳብ መንግስቲ ዘቕርቦ ቅድመ ንድፊ ሕጊ፡ ናይ ሃይማኖትን ስግደትን ኣምዀን ነጻነት ዝቃወም እዩ፡ ብሔራዊ ጸጥታን ድሕነትን ንምውሓስ ዝድግፉ ሕግታት ከምዘለዉን ድሮ እቲ ዘሎ ናይ መቆጻጸሪ ሕጊ እኹልን ከምዝዀነ ምስ ቫቲካን ነውስ ቃለ መሕትት ዘክየዱ ናይ ቡልጋርያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ኣብቲ ካብ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝቐረበ ናይ ተቓውሞ መልእኽቲ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ክታሞም ዘንበሩ ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶ ፕሮይኮቭ ገሊጾም፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ይብሉ ነቲ ኣብ እዋን ዴስነት ስርዓት ዝነበረ እዩ ዝመስል፡ ስለዚህ እቶም ወጻእተይናታት ልኡካነ ወንጌል ናብ ቡልጋርያ ንኽኣትዉን ኣገልግሎቶም ንኽፍጽሙ ዘድሊ ፍቓድ ከይረኽቡ ዝገብርን ካብ ወጻኢ ዝለኣኽ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ሓገዝ ከይኣትው ዝገብር እዩ፡ እዚ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ስኽፍታ ከምዘሐረላ ይሕብሩ።

ኣብቲ ሕጊ ከምእተመልከተ ካብ መንግስቲ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ንሃይማኖት ምስልምናን ጥራሕ ሓገዝ ዝብል ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ዓቢይ ኣድልዎ ምዃኑ ብፁዕነቶም ከመልክቱ፡ ኣብ ቡልጋርያ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝተኣሳሰረ ኣኽራርነት ኰነ ግብር ሽበራ ኣይተፈጸመ ተፈጺሙ እውን ኣይፈልጥን እዚ ኸኣ ድሮ እቲ ዘሎ ናይ መቆጻጸር ሕጊ በይኑ እኹል እዩ እንክብሉ  ናይ ሃይማኖት ምስልምና መምህር ሙስታፋ ሃድዚ ነቲ ናይ መንግስቲ ሕጊ ብምቅዋም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምሕትት ይገልጹ።

ናይ ቡልጋሪያ ምሁራን

ኣብ ቡልጋርያ ምሁራንን ሊቃውንትን እቲ መንግስቲ ዘርቀቖ ሕጊ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝጻረር ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓባር መልእኽቲ ከምዘመልከቱ፡ ቫልቮ ኣዘኻኺሮም መንግስቲ ካብ ኩለን ሃይማኖታትን ምሁራት ኣካላትን ዝቐርብ ዘሎ ተቓውሞ ግምት ብምሃብ እቲ ሕጊ ከመሓይሾ ተስፋ ንገብር እንተዘይኰነ እቲ ንሃይማኖት ዝብል ሕጊ ጸረ ሃይማኖትን ጸረ ስግደትንእ ኣምልኰን እዩ ዝኸውን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ቡልጋርያ፥ ተቓውሞ ኵለን ሃይማኖታት መንግስቲ ንዘርቀቖ ሃይማኖት መቆጻጸሪ ሕጊ
05 November 2018, 17:12