ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ቃልሲ ናይ ውሲብ ዓመጽ ሕብረቶም ምስ ር.ሊ.ጳን. መላእ ቤተ ክርስቲያንን ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ቃልሲ ናይ ውሲብ ዓመጽ ሕብረቶም ምስ ር.ሊ.ጳን. መላእ ቤተ ክርስቲያንን 

ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ቃልሲ ናይ ውሲብ ዓመጽ ሕብረቶም ምስ ር.ሊ.ጳን. መላእ ቤተ ክርስቲ

ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ሓይሊ ምርግጋጽ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓባር ምጉዓዝ የድሊ ኢሎም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 14 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ኣብ ባልቲሞራ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንስታት ኣመሪካን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርሕነት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብኣተካይዶ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብምሉእ ሓይሎም ስሙራት ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ብፁዕ ካርዲናል ዲናርዶ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ብፍላይ ኣብ ናይ ወሲብ ዓመጽ ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሩ ኣብ ባልቲሞራ ዝተኻየደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ዕለት 14 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ከምእተዛዘመን ናይቲ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጋልቨሶንን ህዩስቶንን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዳኒየል ዲናርዶ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘውጽኤ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ፍቕርን ቅንዕናን ተኣዝዞን መኣእ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንር.ሊ.ጳ.

ዘሎና ተስፋ ቅድም ቀዳድም ኣብቲ ንጽሕቲ ቤተ ክርስቲያን ዝብልን መላእ ሓይልና ኣብ ምንጻሕ ክነዋድድ ዝሓትተና ኣብ መስራቲኣ ክርስቶስ ዝጸንዔ እዩ፡ ስለዚህ መላእ ብፁዓ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዚ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተሕልፎ ዘላ ጽንኵር እዋን፡ ፍቕሮምን ተኣዝዝኦምን ቅንዕናን ንቕዱስ ኣቦና ብምሉእ ሓይሎም የቃልሑ፡ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ ምክልኻል ናይ ወሲብ ዓመጽ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ተነቀፍትን ዜጋታት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመክር ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲና ዲናርዶ ኣዘኻኺሮም፥

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝተጸውዔ ዓውደ ጉባኤ

ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ መሰረት ብምግባር ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሓተትዎ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ ዘጻርይ ድርገትን ከምኡ እውን ብቐጥታ ብወሲብ ዓመጽ  ተሓተትቲ ንዝዀኑ ኣባላት ውሉደ ክህነት ብቑዕ ውሳኔን ፍርድን ዘይምሓልፍ ካብ ብፁዓ ጳጳሳት ነሩ ድዩ ኣይነበረን ንዝብል ሕቶ ብዝርዝር ዝምልሽ ሰነድ ኣደጊፉ ድምጺ ብምሃብ ኣጽዲቑ ናብ ቅዱስ ኣቦና ክመሓላለፍ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ዓይነት ሰነድ  እቲ ካብ ዕለት 21 ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ብፁዓ ጳጳሳት ዓውደ ጉባኤ ዘማዕደወ እዩ፡ ተመሳሳሊ ሰነድ እውን ካብ መላእ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናብ ቅዱስ ኣቦና ክመሓላልፍ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፡ እዚ ቅድም ክብል ቅዱስ ኣቦና ንናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝሓተትዎ እዩ ኢሎም።

ኣብ ትኽክለይናን ረቲዕን መገዲ

ብፁዕ ካርዲናል ዲናርዶ፥ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታትን ክኢላታትን ዝሃብዎ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስጋናኦም ከምዘቕረቡን፡ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ናይ ወሲብ ዓመጽ ብጥልቂ ምምርማርን ክሳብ ፍጻሜ ምብጻሕን ነዚ ስዒቡ ካብ ሕጂ ንደሓር ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ብቐጥታ ንዝምልከቶ ኣካል ምሕባርን ብፁዓን ጳጳሳት ዘርእይዎ ሸለተይናነትን እንተሎ ብቐጥታ ክሕበርን፡ ብፁዓን ጳጳሳት ተሓተትቲ ዘብሎም መርትዖታት እንተሎ ብሕጹጽ ምቕራብን፡ ኣብ ምውጋእ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምስ ዓለማውያን ምእመናን ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምዝተሓሳስበ ኣፍሊጦም። ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ሓይሊ ምርግጋጽ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓባር ምጉዓዝ የድሊ ኢሎም።

እውነተይና ሕዳሴ ማለት ቅድስና እዩ

ዓቢይ ተስፋ ኣብ ሕዳሴን ናብ ሕዳሴን ዝመረሕ እዩ፡ ሕዳሴ ማለት ከኣ ቅድስና እዩ ቢሎም ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ዲናርዶ ኣስዒቦም፡ እዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ወንጌል ሓቂ ኣመኔታ ምንባርን በዚ ናይ ወንጌል ሓቂ ንምልዋጥ ቅሩብን ደላይን ምዃንን ዝብል እዩ፡ እቲ ኣብ ባልቲሞር ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝኸፈቱ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሕዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶፈር ፒየር ከምዝበልዎ፥ ቤተ ክርስቲያን ክትሕደስን መዋቕራታ ክትሕድስን እትደልይ እንተድኣ ኰይና፡ እቲ ሕዳሴ ካብቲ ሕያው ወልደ እግዚኣብሔር ዝዀነ ክርስቶስ ናብ ኩሉ ምብጻሕ ካብ ዝብል ተልእዀኣ ክምንጨው ኣለዎ፡ ዝድለይ ጽኑዕ ሕግን ስርዓትን ይሃልው ነቲ ዝተቐበልናዮ ጸዋዕታ ዝበረኸ ሕይወት ምንባር እዩ ወሳኒ፡ እዚ ማለት ከኣ ሕዳሴና ዝተጸዋዕናዮ ቅድስና ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ኣብ ምንባሩ ትጉሃት ምዃን ማለት እዩ ኢሎም።

ስሙራት ምስ ር.ሊ.ጳጳሳትን መላእ ቤተ ክርስቲያንን

እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ፡ ስምረት ምስ ቅዱስ ኣቦናን ምስ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝምስከረሉ ከምዝኸውን ብፁዕ ካርዲና ዲናርዶ ዘለዎም እማኔ ገሊጾም፡ ካሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈጸመ ጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ ቃልሲ ብዙሕ ንቕድሚት ተጓዒዝና ኢና ይኹን ደኣ እምበር ገና ብዙሕ ክንዓዩ ይግብኣና እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ዛዚሞም።

ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ቃልሲ ናይ ውሲብ ዓመጽ ሕብረቶም ምስ ር.ሊ.ጳ. መላእ ቤተ ክርስቲያንን
15 November 2018, 17:05