ድለ

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መሬት፥ መንግስቲ እስራኤል ሃገረ ኣይሁድ ዝብል መጸውዕ ክስሕቦ ሕቶ የቕርቡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መሬት፥ መንግስቲ እስራኤል ሃገረ ኣይሁድ ዝብል መጸውዕ ክስሕቦ ሕቶ የቕርቡ  

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መሬት፥ መንግስቲ እስራኤል ሃገረ ኣይሁድ ዝብል መጸውዕ ክስሕቦ ሕቶ የቕርቡ

እቲ መግስትን ብሔርን ናይ ኣይሁድ ሕዝቢ ዝብል ሓድሽ ሕገ ውሳኔ ኣብ መንጐ ዜጋታት እስራኤል ኣድልዎን ኣፈላላይን ዘተኣታትውን፡ ናይ እስራኤል ኣይሁዳውያን ዜጋታት ጥቕምን ደሕንነትን ጥራሕ እዩ ዘውሕስ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ የመልክት።

ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት መንግስቲ እስራኤል ብዛዕባ መንግስትን - ብሔርን ዝምልከት ኣብቲ ናይታ ሃገር ቅዋም ሃገረ ኣይሁድ ቢሉ ዝገልጾ ዘመሓላለፎ ናይ ሕጊ ውሳኔ ነቲ ኣብታ ሃገር ቅዋም ተመልኪቱ ዘሎ ሰብኣውነትን ደሞክራሲያውነትን ዝብል መምርሒ ዝጻረር እዩ ቢሎም፡ መንግስቲ ነቲ ውሳኤ ክስሕቦ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መንግስቲ እስራኤል ዕለት 19 ሐምለ 2018 ዓ.ም. መንግስትን ብሔርን ሃገረ ኣይሁድ ብዝብል መጸውዕ ክግለጽ ዝብል ዘጽደቖ ናይ ውሳኔ ሕጊ ናይታ ሃገር ደሞክራሲያውን ሰብኣውን ባህላን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብ ቅዋም ሃገር ዘሎ ስርዓተ ሕጊ ኰነ ነቲ እስራኤል ቅቡል ቢላ ከተነቓቕሖን ከተኽብሮን እትወከሶ ውሳኔ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዝሑነትን ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ንዘረጋግጽ ዓለም ሓቆፍ ስርዓተ ሕጊ ዝጻረር ብምዃኑ ነዚ ውሳኔ’ዚ መንግስቲ እስራኤል ክስሕቦ ኣብ እስራኤል ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላን ኣብ እስራኤል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንብረትን ቅዱሳት ስፍራን ዓቃቢ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ዝርከብዎም ኣብ እስራኤል ናይ ምላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ክታትሞ ዘንበሩሉ ናይ ውሳኔ ሕቶ ናብ መንግስቲ እስራኤል ከምዘቕረቡን፡ እቲ መግስትን ብሔርን ናይ ኣይሁድ ሕዝቢ ዝብል ሓድሽ ሕገ ውሳኔ ኣብ መንጐ ዜጋታት እስራኤል ኣድልዎን ኣፈላላይን ዘተኣታትውን፡ ናይ እስራኤል ኣይሁዳውያን ዜጋታት ጥቕምን ደሕንነትን ጥራሕ እዩ ዘውሕስ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ የመልክት።

ንመላእ ዜጋታት እስራኤል ዘይኰነስ ንእስራኤላውያን ኣይሁድ ሓለፋ ዝብል ውሳኔ እዩ

እስራኤላውያን ክርስቲያን እስራኤላውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን እስራኤላውያን ድሩዚን እስራኤላውያን ባሃይን ካልኦትን ብጠቕላላ እስራኤላውያን ዓረብ ምስ ኣይሁዳውያን እስራኤላውያን ኣሕዋቶም ክነጻጸሩ ካልኣውን ንኡስ ዜጋን ዝገብሮምን እዩ ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል፥ ኣተሓሒዞም፡ ካብ ወጋሕታ ኣዋጅ ነጻነትን ሉኣላውነት ሃገረ እስራኤል ኣትሒዙ ሃገረ እስራኤል ደሞክራሲያዊትን ኣይሁዳዊትን ዝብል መጸውዕ ዘለዋ ክትከውን ዝብል ድላይ ነይሩ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ መንጐ መንግስትን ብሔርን ዝብሉ ክልተ ቃላት ሚዛንነት ክህሉ ዝብል ድላይ ስለ ዝነበረ ኣብ 1992 ዓ.ም. ሕዝባዊ ባይቶ እስራኤል ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘጽደቖ መሰረታዊ ውሳኔ ናይ መላእ ዜጋታት እስራኤል ማዕርነት ዝውሕስ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎ ናጻ ዝገብር ክነሱ፡ ዕለት 19 ሐምለ 2018 ዓ.ም. መንስግቲ ኣስራኤል፥ መንግስትን ሃገርን ብሔረ ኣይሁድ ምስ ዝብል መጸውዕ ስም ክትኣሳሰር ምግባሩ፡ ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያንን ዘይኣይሁዳዋን ዜጋታት ኣስራኤልን ኣፋላላይን ኣድልዎን ዘተኣታውን፡ ኣይሁዳውያን ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ዘይኣይሁኣውን ኣስራኤላውያን ዜጋታት ሓለፋ ዝብል እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ ናይ እስራኤል መግስቲ ሕጊ እስራኤላውያን ብማዕርነት ዘምልከት እዩ

እስራኢላውያን ክርስቲያንን እስላምን ድሩሲን ባሃይን ኣይሁዳውያንን ኣብ ሃገሮም ብማዕረ ክረአዩን እዮም ዝሓቱ፡ ስለዚህ ኣብ ኣስራኤላዊ ዘሎ ሃይማኖታውን ዓሌትን መንነትን ብዙሕነትን ከም ውልቅን ማሕበረሰብን ዝኽሕድ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘስመሩሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መሬት፥ መንግስቲ እስራኤል ሃገረ ኣይሁድ ዝብል መጸውዕ ክስሓብ ሕቶ የቕርቡ
08 November 2018, 17:18