እንተ ሰአላ በእዱ ሉቃስ እምወጌላውያን ኣሐዱ እንተ ሰአላ በእዱ ሉቃስ እምወጌላውያን ኣሐዱ 

፫ ሰንበት ዘጽጌ 11 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. (10/21/2018)

መዝሙር፡ ወመኑ መሓሪ ዘከማከ. . “ከማኻ ዝበለ መሓሪ መንአሎ፥ ምስ ኖኅ ኪዳን ዘጽናዕካ፥ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም፥ ንምድሪ ብዕምባታት ዘገጽካ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ፀሓይን ምድርን ዘሰናዶኻ፥ ኩሉ አባኽ ተስፋ ይገብር፥ ከማኻ መሓሪ መን አሎ”።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ምስባክ፡ “መሓሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር፣ ወወሃቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ፥ ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም” “እግዚአብሔር መሓርን ሩኅሩኅን እዩ፣ ንዚፈህዎ ምግቢ ይህቦም፥ ንኪዳኑ ከኣ ንዘለዓለም ይዝክሮ” መዝ. 111፡4-5። ንባባት፡ ዕብ 4:14-16፥ ያዕ 1:9-21፥ ግሓ 7: 23-29፥ ማር 10:35-43

መዝሙር፡ “ከማኻ ዝበለ መሓሪ መንአሎ፥ ምስ ኖኅ ኪዳን ዘጽናዕካ፥ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም፥ ንምድሪ ብዕምባታት ዘገጽካ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ፀሓይን ምድርን ዘሰናዶኻ፥ ኩሉ አባኽ ተስፋ ይገብር፥ ከማኻ መሓሪ መን አሎ”።

ማርያም ቀዳመይቲ ሓዋርያ

ማርያም ቀዳመይቲ ሓዋርያ ወዳ ዝብላ አምር ካብቲ ንሳ ዘርአየትና እምነትን አብነት መሰረት ገርና ኢና እንርድኦ። እዚ አበሃህላ አብቲ አደ መለኮት ምዃና ዝብል መሰረት ገርና እንተ ረአናዮ ክበርሃልና ይኽእል። ንሳ አደ አምላኽ ስለ ዝኾነት ኩሉ ተልእኮአ ካብዚ እዩ ዝምንጩ። እዚ ሓዋርያ ዘብላ ኸአ ንወዳ ብምእዛዛ፥ አምላኽ ብመልአኹ ገሩ ምስ ሓተታ ሕራይ ብምባላ ነቲ ኵሉ ካብአ ዝሕተት ስለ ዝተቐበለት እምንቲ ሓዋርያ የብላ። ብምእዛዛ ሓዳስ ሔዋን ንብላ።

ቀዳመይቲ ሔዋን ብዘይ ምእዛዛ ሞት አምጺአትልና ሓደስ ሔዋን ግን ብምእዛዛ ድሕነት አምጺአትልና (ትምህርቲ ቅ. ኢረነዩስ 120-202)። ማርያም ምስ አምላኽ ስለ ዝተሓባበረት ሓዲስ ሕይወት ከም እንለብስ ገራትና። ምትሕብባራን ሓዋርያውነታን ሞራላዊ ተግባር ሃልይዎ ልዕሊኡ እውን ከይዱ ማለት ንገብርኤል መልአኽን ንአምላኽን ነጻ ዝኾነ ሓሳብ ሂባ። ሕራይ ምባላ ብዘይ ዝኾነ ተጽዕኖ እዩ ነሩ፥ ብሩህ ራእይን ርድኢትን ዝነበሮ እምበር ዝኾነ ዕቃበ ዘይነበሮ እዩ፥ ንሳ ኵሉ ናታ ዘበለ አብ ኢድ አምላኽ ነቲ ንሱ ዝመደቦ ክገብር አንቢራቶ።

ማርያም ቅድሚ ዝኾነ ሰብ ንወዳ ስዒባቶ። አብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኸበቶ ነቲ ንሱ ዝበላ ኩሉ አብ ልባ ትሕዞ ከምዝነበረት ወንጌል ይነግረና (ሉቃ 2፦51)። ወዳ ዝበሎን ዝገበሮን ትሰምዕን አብ ልባ ተሕድሮን ነራ (ማር 3፡35፥ ሉቃ 11፡27)። ንቃል አምላኽ ትሰምዕን ተተግብሮን ስለ ዝነበረት ናይ ሓጎስ ቃል እትሰምዕ እያ። ኢየሱስ አብ ሓደ እዋን ሓወይ ሓፍተይ ዝብሎ ከመይ ዝበለ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ”ፍቓድ እቲ አብ ሰማይ ዘሎ አቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ንሱ ኃወይን ሓብተይን እኖይን እዩ” (ማቴ 12፡50) ኢሉ።

ማርያም ከም አማኒት ሓዋርያ ኢየሱስ ጓል ቤተ ክርስትያንን ሓፍትናን ክትብሃል ይክአል። ከማና ብክርስቶስ ወዳ ድኂና እዚ ግን ብቅጽበትን ብፍሉይ ግንዖት ዝኾነ እዩ። ማርያም ንኹሉ ሕይወት ወዳ ብዝበለጸ ዘስተንተነት ቀዳመይት ሓዋርያ ክርስቶስ ኮይና ምስ ወዳ ብኹሉ ተወሃሂዳ። ከም ባርያ አምላኽ ምሉእ ምድራዊ ሕይወታ እምንቲ ኾይና እያ አሕሊፋቶ። ኵሉ ጊዜ አብ አገልግሎት እተጸምደት ስለ ዝነበረት እምንቲ ኮይና ትነብር ነራ በዚ ኸአ ቀዳመይቲ ሓዋርያ ንብላ። ንሳ ምስ ኢየሱስን ዮሴፍን ሕቡእ ሕይወት አብ ናዝሬት እናመርሐት አብ ጎኒ ወዳ ትነብር ነራ። አብ ኹሉ ቀንዲ ነገራት ወዳ አብ ህዝቢ አብ ዝገብሮ ዝነበረ ትሳተፍ ነራ በዚ ኸአ ነፍሲ ወከፍና ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኵነት አብ ሓቀኛ ሓዋርያነትን አገልግሎትን እንታይ ምዃኑ ተስተምህረና። አብ ብዙሕ አገልግሎት ወዳ ሕቡእ ስዉር ሕይወት እያ እትመርሕ ነራ ግን አብቲ ቀንዲ ነገራት ከአ ትርአ። መጀመርያ ትአምራት አብ ቃና ዘገሊላ ማይ ናብ ወይኒ ዝለወጦ ንሓዋርያቱ ክአምኑ አፍደገ ዝኸፈተ ብሳላ ማርያም እዩ ተፈጺሙ እዚ ኸአ ማርያም ቀዳመይቲ አብ መንጎ አመንቲ ከም ዝኾነት እዩ ዝሕብረና።

ማርያም ምሉእ ሕይወታ ነቲ አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ክትገብር ጽን ትብል ነራ። ንወዳ አብ ኵሉ ስዒባቶ። አብ መወዳእታ አብ መስቀል ሕድሪ ሰዓብቱ ተቐቢላ። “እዚአ አደኹም እያ” ኢሉና። አሰራ ክንስዕብ ምስአ ክንጉዓዝ ተላብዩና።

አብዚ ምእንቲ ኵሎም አብ አገልግሎትን ስብከተ ወንጌልን ወፊሮም ንዘለዉ አብ እንጽልየሉን ዓቕምና ዝፈቕዶ አብ እነወፍየሉን ንማርያም አብነት ሕይወትና ክንገብራ ይግባእ። አብ ስብከትን አገልግሎትን ዝወፍር/እትወፍር ብዙሕ ነገራት ካብ ማርያም ክምሃሩ ይግባእ።

·         ውፉይ ሕይወት ምሓዝ፥ ማርያም ብምሉእ እያ አብ አገልግሎት አምላኽ ሕይወታ አወፍያ። ዝኾነ ንአገልግሎት ዝወፍር ነዚ ክስዕብ እንከሎ ጥራሕ እዩ ሕይወቱ ፍረ ዝህልዎ።

·         ንአገልግሎት ክትወፍር ጸሎት መለልዪ ኽኸውን ይግባእ። አብ ቅድሚ አምላኽ ከምዘሎኻ ሓስቢካ ኵሉ ጊዜ ምስ አምላኽ ምዝራብ። ሕይወትካ ብምልኡ ንአምላኽ ክፉት ገርካ ጽን ኢልካ ምኽአል መለለዪ ሓዋርያነት እዩ።

·         ንዝመጽአ ይምጻእ ብመልክዕ አምላኽ ምቕባሉ። ተመስገን ኢልካ ምኽአል። ሓዋርያነት ተጻብኦ ምንጻግ፥ ስደት፥ ጥመት ዕርቃን ኮታ ዝኾነ ፈተናን ጸበባን ዝወርዶ ምዃኑ ፈሊጥካ ምቕባሉ። ማርያም ንሞት ወዳ እሺ ኢላ ተቐቢላቶ እምነት ሓዋርያ ኽአ ክስብ ክንድኡ ክዓቢ ይግብኦ።

·         ልኡኽ ምዃንካ ዘይምዝንጋዕ። ንመልእኽቲ አምላኽ እተብጽሕ ልኡኽ እምበር ዋና አይ ኮንካንካን። ንመልእኽቲ አምላኽ ዋንኡ ክትከውን ምድላይ አብ መናፈቅነት እዩ ዘብጽሕ። ማርያም አደ አምላኽ ብምዃና ዝኾነ ትዕቢት ወይ መንፈስ ልዕልነት አየርአየትን እኳድአ “ነፍሰይ ንአምላኽ ተዕብዮ” ዝበለት አብነትና እያ።

ሎሚ ብፍሉይ ኩሉ ሓዋርያነት አብ ምሉእ ዓለም ክዕወት ከምኡ ኵሎም አብ ስብከተ ወንጌልን አገልግሎትን ወፊሮም ዘለዉ አምላኽ ብጸግኡ ከሰንዮም እንጽልየሉ እዋን እዩ። ክርስቶስ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ከአ ወንጌል ስበዅ” (ማር 16፡15) ኢሉ ንዅልና ልኢኹና እዩ። መልእክቲ አምላኽ ክነብጽሕ ስንድዋት ክንከውን ሕይወትና አብ አምላኽ ክምለስ አለዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ናይ እዚ ዓመት መዓልቲ ሓዋርያነት “ሕይወት ተልእኮ እዩ” ዝብል አብቲ ንመንእሰያት ብዝርኢ ሲኖዶስ አዛሚዶም ዝሃብዎ ሓሳብ እዩ። መንእሰይ ንወንጌል ክልአኽ ድላይ አምላኽ እዩ። መንእሰይ እንተ ዘይተላእከ ጸግም አሎ ማለት እዩ። በዚ እዩ ስመስል ሎሚ ብዝያዳ አብ ሕይወት መንእሰያትና ዛሕልን ወድቀትን ዝበዝሕ ዘሎ ስለዚ መንእሰያትና ልኡኻት እምነቶም ክኾና ናይ ኩልና ተሳትፎ የድሊ።

መለልዪ ዓለምና ሎሚ ቦታ አምላኽ ባዕልና ብእንገብሮን ብእንውንኖን ክንትክኦ እንፍትነሉ፥ ወዲ ሰብ ካብ አምላኽ ርሒቁ ባዕሉ ብዝፈጥሮ ነገራት መጨረሻ ዕጫ ሕይወቱ ገሩ ዝርእየሉ ኮይኑ አሎ። ንስብከተ ወንጌልን ንአገልግሎትን ዝወፍሩ ውሒዶም መልእኽቲ አምላኽ አብ ገሊኡ ዘብጽሖ ዝልአኽ ተሳኢኑ አብ ገሊኡ ከአ ዝቕበሎ ዝሰምዖ ተሳኢኑ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሎሚ ካህን ድንግል ምዃን ዘመኑ ዝሓለፎ ፋሽን ኮይኑ እንታይ ገደሰኒ ዝጭቆን እናተባህለ ዝዝረበሉ ዘመን አርኪብና አሎና።

አምላኽ ከምቲ ንኢሳያስ ነብይ “ንመን ክንልእኽ መንከ ኪኸደልና እዩ” (ኤሳ 6፡8) እናበለ ዘስምዖ ሎሚ እውን ዝልአኾ ይደሊ አሎ። ኢሳይስ መንፈስ አምላኽ ሓዲርዎ መጸዋዕታ አምላኽ ምስ ሰምዐ ከይተወላወለ “እኔኹ ልአኸኒ” ኢሉ ንሕና እውን ነዚ አስተንቲና ንአምላኽ ክንልአኽ ፍቓደኛታት ንኹን። አምላኽ በብእዋኑ መልእክቱ ዘብጽሑ ዝልአኹ ይደሊ እዩ። ብጸጋ ጥምቀት ክንልአኽ ምስ አምላኽ ኪዳን አቲና ኢና። እሞ ሎሚ እንታይ ዝበለ መልእኽቲ ክነብጽሓሉ ይደሊ አሎ፡

  1. መልእኽቲ ሰላም ዘብጽሑ። ሰላም እትርከብ ምስ አምላኽ ሓድነት ክህልወና እንከሎ እዩ። ልቢ ሰብ ሰላም ስኢኑ ዘሎ አምላኽ ስለ ዘይወነኖ እዩ። ነዚ ዘብጽሑ ይደሊ አሎ። ስላም ፍቕሪ ሕውነት ሕደገት ክነግስ ዝነግሩ ብሕወቶም ከአ ዘርእዩ ልኡኻት ይደሊ አሎ።
  2. ኵልና ደቂ አምላኽ ምዃና ዝነግሩ። ብሞትን ትንሣኤን ዕርገትን ዝድኃና ኢና። ካብ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ጸጋ ድሕነት ዝተገለለ ሰብ የለን እንተ ኾነ ገለ ነዚ ሰናይ ዜና ብዘይ ምስምዑን ምቕባሉን ገለ ኸአ ርኹስ መንፈስ ሓዲርዎ ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ዝተሓረመ ኮይኑ አሎ። ሓዲስ መንፈስ አብ ልቢ ሰብ ክአቱ አምላክ ይደሊ አሎ። ሓድነት ክህሉ ድላይ አምላኽ እዩ።
  3. ንትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ክሰምዑ ክፈልጡ ዝነግር ይድለ አሎ። ቤተ ክርስትያን እያ ንመልእኽቲ አምላኽ እትነግረና፥ ባዕልና ብዝደለናዮ ክንልአኽ አይንኽእልን ኢና መልእኽቲ አምላኽ እንቕበሎ ካብን ብቤተ ክርስትያን እዩ። እንተ ዘይኮነ ልኡኻት ሰብ ኢና እንኸውን። እምነት ዝተዋህበና እምበር ባዕልና እንፈጥሮ ወይ እንውንኖ አይኮነን ዋንኡ አምላኽ እትምህረናን እትነግረናን ከአ ቤተ ክርስትያን እያ።
  4. ኃጢአት የለን ዝብል ንብዙሓት አጥፊኡ ስለ ዘሎ ኃጢአትን ሰይጣንን ከም ዝዕወቱ ዘለዉ ዝነግሩ ይደሊ አሎ። ንስሓ ኃጢአት ጠፊኡ ሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ዝንሳሕን ዝፈትሕን ኮይኑ አሎ እዚ ኸአ አብ ትዕቢትን አብ ኃጢአት ከም እንነብር ገሩና አሎ። ስለዚ ንንስሓ ዝዕድሙ ልኡኻት የድልዩ አለዉ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል “ነቲ አነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ክትሰትዩ፥ ነቲ አነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክጥመቑ ትኽእሉዶ” እናበለ ነነፍስወከፍና ናይ ሓደ ንስብከተ ወንጌል ዝወፍር ክንፈልጦ ዘድልየና ነገራት ከምዘሎ ይነግረና። አብ ግብረ ተልእኮ ቅድሚ አብ መንበር ክብሪ ምቕማጥ እትሓልፎ በዳሂ ነገራት አሎ። ተልእኮ ክንብል ከሎና ብዛዕባ አገልግሎትን መስዋእትን አብ ፍቕሪ መሰረት ገሩ ምእንቲ ድሕነት ኵሉ ዓለም ዝፍጸም እዩ። እዚ ፍቕሪ እዚ እዩ አብ ትዕግስትን ንድላይ አምላኽ ክንቅበልን እሞ አብ ኵሉ ከም እነብጽሕ ዝገብረና። እዚ ፍቕሪ እዚ አብ ተልእኮና አብ ስብከትናን አብ ትምህርትና እሙናት ኮና ንኻልኦት ከም ዝነጽሑ ክንገብር ዝሕግዘና እዩ።

ክርስቶስ ንሎሚ ክንምሃሮ ዝደልየና ዘሎ እምብአር  “ዓቢ/ክቡር ክትከውን ንአገልግሎት ስንድው” ኩን ይብለና። አብ አገልግሎት ዝጓነፈና ፈተናን ሽግርን ክንጸውር እንከሎና ናይ ገዛእ ርእስና ሰላምን ድሕነትን ኢና እንረክብ። ንኻልኦት ነጻ ክንገብር እንከሎና ናይ ገዛእ ርእስና ነጻነት ኢና እንረክብ፥ ንኻልኦት ሰላም ክነምጽአሎም ከሎና ናይ ገዛእ ርእስና ሰላም ኢና እንረክብ። ንካልኦት ምስ ክርስቶስ ክነራኽቦም እንከሎና ንገዛ ርእስና ኢና ምስኡ እንራኸብ። እዚ ኹሉ ምስቶም ንስብከተ ወንጌልን ንድሕነትና ዝጻብኡ ብምርጻም ኢና ክንፍጽሞ ዘሎና።

ሎሚ ዳግማይ ስብከተ ወንጌል ንኹሉ የድሊ አሎ። እምነትና ክንሕድስ ንሰባት አብ ሓቀኛ እምነት ክአምኑ ክንሕግዝ ክንልአኽ አምላኽ ይሓተና አሎ። ብጸሎት ከምኡ ብቁጠባዊ ነገራት ክንሕግዝ ክንወፍር ንጽዋዕ አሎና። ምስ ኢሳያስ ነብይ ኮና እነዅ አነ እልአኽ ንበል።

አምላኽ ብጸግኡ መልእኽቱ እነብጽሕ ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

20 October 2018, 19:15