2018.10.28 ቃለ ወንጌል ሰንበት - ዕውር እንኪሓዊ 2018.10.28 ቃለ ወንጌል ሰንበት - ዕውር እንኪሓዊ 

፬ ሰንበት ዘጽጌ 18 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም (10/28/2018)

መዝሙር፡ በጊዜሁ ኀለፈ ክረምት ቆመ በረከት. . ክረምቲ ብግዚኡ ሓሊፉ በረኸት ተተኺሉ፥ ዕምባባታት ዓምቢቡ፥ አብ ገነት ናርዶስ ቃርፋን ለሚንን ትርንጎታትን ፈረየ፥ ክርስቶስ ሰንበት ሰርዐ፥ ሰናይ ንዝጸገውና ነምስግኖ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ንምስጢር አምላኽ ርኢኻ ምኽአል

ንባባት፡ ዕብ፡ 5፡1-6፥ 1ጴጥ 1፡13-22፥ ግ.ሓ. 23፡1-12፥ ማር 10፡46-52  ምስባክ  “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ፥ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሊባኖስ፥ ትኩላን እምንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር” “ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ፥ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓብዩ፥ አብ ቤተ እግዚአብሔር ዝተተኽሉ እዮም” መዝ. 92፡12።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

፬ይ ሰንበት ዘጽጌ ንምስጢር አምላኽ ብመጠኑ ርኢና ከም እንኽእል የዘኻኽረና። እዋኑ ርክብ አምላኽን ማርያምን፥ ርክብናን ርክብ ማርያምን እነስተንትነሉ እዋን እዩ። ሕይወት ማርያም እንተ ረአናዮ ብምልኡ ርክብ ምስ አምላኽ ዝነበራ እዩ ዝገልጽ። ትውፊት ካብ ንእስነታ አብ ቤተ መቕደስ ከም ዝዓበየት ከምኡ ወለዳ እያቄምን ሃናን ክልተ ብሩኻት ከምዝነበሩ አብ ዓቕሚ ሔዋን ምስ በጽሐት ገብርአል መልአኽ ድላይ አምላኽ ከም ዝገለጸላ ነንብብ። እዚ ዅሉ ምስ አምላኽ ዝነበራ ርክብ ይገልጸልና። ንሳ ነቲ “አምላኽ ዝገበረላ ዓበይቲ ነገርት ርእያ ከምዝኽአለት ባዕላ ትነግረና። አምላኽ ዝገበረልና ክንርኢ እንተ ኸኣልና ካብ አምላኽ ርሑቓት አይኮናን።

ወንጌል ወላ እኳ ብዙሕ ብዛዕባ ማርያም አይሓብረና እምበር እቲ እንረኽቦ ብምልኡ ማርያም ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ካብ ወዳ አይተፈልየትን። መጀመርያ ትምህርቱን ትአምራቱን ምስአ ጀሚርዎ አብ መስቀል ክመውት እንከሎ ኸአ ምስአ ዛዚምዎ። ድሕሪ ሞት ወዳ ንቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን አደ መምህር ሓፍቲ ሓዋርያ ኮይና ትመርሓ ነራ። ማርያም ከስ ብምልኡ ናታ ነገር ባርያን አገልጋልት አምላኽ ምዃንን ንሰባት ምስ አምላኽ ክራኸቡ ተአምራት ወዳ ክርእዩ አብ ሕይወቱ “ንሱ ዝበለኩም ግበሩ” እናበለት ትነግር።

ናይ ሎሚ ወንጌል ታሪኽን ተአምራትን ጥራሕ አይ ኮነን ዝነግረና ልዕሊኡ ዝኾነ ምስጢር ይነግረና። ነቲ አብ ኤርምያስ 31፡7-9 እነንብቦ ከም ዝተፈጸመ ይነግረና። ኤርምያስ አብዚ ምዕራፍ እቶም አብ ስደት ዝነበሩ አይሁድ ካብ ባቢሎን አብ ዓዶም ከም ዝምለሱ ይነገር፥ ከምኡ እዚ ጽሑፍ ናይ ምስጋናን ሓጎስን መዝምሩ እዩ ምኽንያቱ እግዚአብሔር ንህዝቡ እንታይ ከምዝገብረሎም ዝገልጽ ስለ ዝኾነ።

ከምዚ እናበለ ኸአ ይገልጾ፤ “እንሆ ካብ ሃገር ሰሜን ከምጽኦም ካብ ወሰን ምድሪ ኸአ ኽእክቦም እየ ምስኦም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ኃቢሮም ዓቢ ጉባኤ ኮይኖም ናብዚ ኽምለሱ እዮም. . . . ክመርሖም ከሎኹ ብዘይዕንቀፉላ ጽጽይቲ መገዲ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ” ይብል።

ዘንበብናዮ ወንጌል መጨረሻ ትአምራት አብ ወንጌል ማርቆስ እንረኽቦ እዩ ዝነግረና። ኢየሱስ ድሕሪ ነዊኂ ትምህርቲ ንሓዋርያቱ ዝሃቦ እዩ ዘመጽእ። እዚ ክፍሊ ካብ ምዕ 7 እዩ ዝጅምር፥ ብዛዕባ ምሕዋይ ሓደ ሰብአይ ጸማምን ዓባስን ዝነበረ፥ ምስ ሓወየ ከመይ ኢሉ ከም ዝዛረብን ዝሰምዕን ተማሂሩ። እዚ ነገራት እዩ ንሓደ ተኸታል ክርስቶስ ክምሃሮ ዘድልዮ። ምስማዕን ምርዳእን ንቃል አምላኽ እሞ ንዝሰማዕካዮ ምስ ካልኦት ተኻፊልካ ምኽአል።

አብ ምዕ. 8 ክልተ ዓይነት ምሕዋይ ናይ ዕዉር ሰብአይ ይነግር። እዚ ነቲ ናይ ሓዋርያት ቀስ ኢሎም መንነትን ተልእኮ ኢየሱስ ክርድኡ ዘርእይዎ ዝነበሩ ዕብየት ንምግላጽ እዩ፥ እዚ ክፍሊ ብምልኡ ብዛዕባ ሓደ ዕውሩ ክርኢ ከምዝኽአለ ብዝሕብር ይዛዝሞ።

ማርቆስ ወንጌላዊ ከዘንትወልና እንከሎ ኢየሱስ ምስ ሓዋርያቱ ምስ ብዙሕ ሕዝቢ ንከተማ ኢያሪኮ ሓዲጉ ንኢየሩሳሌም ገጹ ክኸይድ እንከሎ ነዚ ተአምራት ከም ዝገበረ ይነግረና። ኢያሪኮ አብ ሰሜናዊ ምስራቕ ንኢየሩሳሌም ክትኸይድ እንከሎኻ እያ እትርከብ። እዚ ነዚ ዝስዕብ ታሪኽ ፍሉይ ትርጉም አለዎ።

ዕዉርን ለማናይን አብ ዘፈር መገዲ አብ ማርቆስ ስሙ ብባርጢሜዎስ ዝፍለጥ ከምዝነበረ ይነግረና። አብ ባህሊ አይሁድ ዝኾነ ዓቕሚ አዳም ዝበጽሐ አብ ዓመት ሓደ ጊዜ አብ ኢየሩሳሌም ክሳለም ግድን እዩ እቶም ክኸዱ ዘይክአሉ አብ ዘፈር መገዲ ኾይኖም ነቶም ነጋድያን የፋንውዎም ምስኦም ለመንቲ እውን ክልምኑ አብ መገዲ ኮይኖም ይልምኑ። አብ ዓድና አብ ዓበይቲ ንግደታት ከም ማርያም ድዓሪት፥ ደብረሲና፥ ማርያም ጽዮን፥ ኪዳነምህረት ብዙሓት ክልምኑ ይርአዩ።

ባርጢሜዎስ ዋዕዋዕ ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ እንታይ ምኻኑ ሓቲቱ፥ እቶም ዝሓተቶም ኢየሱስ ይሓልፍ አሎ ኢሎም ነጊሮሞ ሽዑ ዓው ኢሉ “ኢየሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ” ክብል ጀሚሩ? እንታይ እዩ ዝደሊ ዘሎ? ገንዘብ? ክሓዊ? ምናልባት አብታ ስዓት ንግሉ ዘድልዮ ነገራት ይሓትት ነሩ ይከውን። ምናልባት ብዛዕባ ኢየሱስ ብዙሕ ዓበይቲ ነገራት ከምዝገበረ ሰሚዑ ይኸውን እዩ። ሕቶኡ ሕቶ ነፍሲ ወከፍና እዩ። ንኢየሱስ ሓቲትካ ምኽአል ጸጋ የውህብ።

እቶም አብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ሱቕ ክብል ገንሕዎ ምኽንያቱ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ድኻ ለማናይ እዩ፥ ንከም ኢየሱስ ዝአመሰሉ ዓበይቲ ሰባት ክርብሽ አይግብኦን። አብ ሕይወትና እውን ብዙሓት ሰባት አብ ኢየሱስ ከይ መጽኡን ከይንመጽእ ክዓግቱና ይክእሉ እዮም። ክንደይ ጊዜ ቅዳሴ ከይንሰምዕ፥ ጸሎት ከይንገብር፥ አብ ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ከይንሳተፍ ምኽንያታት ነግብር ንኸውን። ዝገደደ ክንደይ ጊዜ ሰባት አብ ኢየሱስ ከይቀርቡ ዓጊትናዮም ንኸውን? ጽቡቅ ከይ ገብሩ፥ ሕይወቶም ንአምላኽ ከየገልግሉ፥ ከምኡ አብ ጥቕሚ ርእስና ጥራሕ ጠሚትና ንካልእ ከይሕግዙ ዓጊትና ንኸውን? አብ አምላኽ ከይቀርብ ዝዓገትክዎ ሰብ አሎዶ?

ባርጢሜዎስ ብቐሊል ዝዕገት ሰብ አይነበረን ኢየሱስ ክሳብ ዝሰምዖ ካብ ምጽዋዕ ደው አይበለን። እኳ ድአ ኢየሱስ ክሰምዖ ኢሉ ድምጹ ዓው አቢሉ ይጽውዕ ነሩ። ንሱ ዕዉር ምዃኑ አጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ ዝነበረ እሞ ኢየሱስ ከም ዘሕውዮ ስለ ዝአመነ ካብ ምጽዋዕ አየቋረጸን። እዚ እዩ ናይ ሓደ ክሕደስ ክቕየር ዝደሊ ሰብ ዝገብሮ። ኢየሱስ አብ ትምህርቱ ብቐጻሊ ክንጽውዕ ክንልምን ከምዘሎና ነጊሩና እዩ። ድላይና ክንረክብ ክንጽውዕ ክንልምን አሎና።

አብ ሕይወትና ከይንጽውዕ ወይ እውን አብ ኢየሱስ ከይንቐርብ ዝዓግቱና ነገራት አለዉ፡

  1. ባህሊ/ልምዲ፡ ቅድሚ ሕጂ ገረዮ አይፈልጥን፥ እዚ ሓዲስ እዩ ንአይ፥ አብ ባህልና አብ ስርዓትና ከምዚ ዝብሃል የለን፥ አቦታተይ/አደታተይ አይገበርዎን/አይገበራኦን እናበልና ከድሕነናን ንዝኽእል ነገራት ንነጽግ። አብ ገለ እዋን ልምዲ ንመንፈስና ይቐትልን የደንዝዝን።
  2. ፍርሒ፤ እዚ አይ ገብርን፥ ሰባትከ እንታይ ክብሉኒ? አበይ ገጹኸ ክከይድ እዩ እናበለና ብፍርሒ ንዕገት ተጸጊምና ከሎና ስአን ምንጋር ወይ ምዝራብ ነገራት ይበላሸወና።
  3. ጣዕሚ፡ ጽቡቕ አሎኹ ዝጎደለኒ የብለይን፥ ከምዘለኽዎ ጽቡቕ አሎኹ ኢልና ንርእስና አብ ዘሎናዮ ዓይነት ሕይወት ዓጺና ንነብር። ሃብቲ ጥዕና፥ ፍሉይ ክእለት፥ አብ ገለ እዋን ዕግበት ስለ ዝህቡና ምቾትን ጥዑም ኵነታት ስለ ዝፈጥሩልና ካልእ ክንርኢ የጸግመና።
  4. ትዕቢት፡ ኵሉ ክእለት አሎኒ ባዕለይ አርክበሉ እየ፥ መደብ አሎኒ፥ ነገራት ክቕየሩ እዮም እናበልና ንዅሉ ባዕልና ክንገብር ንፍትን። ትዕቢት ንልብና ይዓጽዎ አምላኽን ሰብ ከማናን ከይሕግዙና ስለ እንዓጹ አብ ጸልማት ርእስና ንነብር።

ኢየሱስ ምስ ሰምዖ ደው ኢሉ፥ ምናልባት እዚ ሰብአይ ካብ ምጽዋዕ አቋሪጹ እንተ ዝኸውን ኢየሱስ መገዱ ምቐጸለ ነሩ። ክንደይ ጊዜ ኢየሱስ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ብጥቓና ሓሊፉ ይኸውን እሞ ስአን ምጽዋዕናን ምልላይናን ሓሊፉና ይኸውን። እቲ ጸገም ብዙሕ ጊዜ ንሕና ውሱን ሓሳብ ገርና አበይ ከም እንርእዮን ወይ አብ ከመይ ኵነታት ከም እንጽበዮ ንውስን። አብ መንበረታቦት ክትረኽቦ ዝቐለለ እዩ ግን አብ ዘይንፈትዎ ሰብ ክንረኽቦ እውን ቀሊል እዩ። ኢየሱስ ብዝኾነ መልክዕ፥ ብዝኾነ ሰብን ኩነታትን ወላ እውን ብዘይ ንግምቶ ነገር ክመጽእ ይኽእል እዩ።

“ጸውዕዎ”

አብዚ ክመጽእ ጸውዕዎ ኢልዎም። ኢየሱስ ባዕሉ አይኮነን አብቲ ሰብአይ ከይዱ ወይ እውን ብቐጥታ ባዕሉ አይጸውዖን። እቶም ሱቕ በል እናበሉ ዝኽልክልዎ ዝነበሩ ክጽውዕዎ ነጊርዎም። ሽዑ ንሶም “አጆኻ ተንሥእ ይጽውዓካ አሎ” እናበሉ ጸዊዖሞ፥ አብዚ ቃላት ሰለስተ ፍሉይ ትርጉም ዘልኦ ነገራት ንርኢ፡ (1) ዘበራትዕ “አጆኻ” (2) “ተንሥእ” ትንሣኤ ንሓዲስ ሕይወት ብአካላውን ብመንፈሳዊ ነገር። (3) ይጽውዓካ አሎ። ባርጢሜዎስ በቲ ሰባት ዝበልዎ ሱቕ ኢሉ እንተ ዝኸውን ክንደይ ዓሻ ምኾነ። ናይ ህዝቢ ነገር ተለዋዋጣይ እዩ። አብ ኢየሱስ ከምጽኡናን ከርሕቝናን ይኽእሉ። ብዙሓት አብ ኢየሱስ ዘቕረቡኒ አለዉ፥ ወለደይ፥ ቤተ ሰበይ፥ አዕሩኽተይ፥ መማህራነይ፥ ዝሰማዕክዎ ስብከት፥ ሱባኤ፥ ዘንበብክዎ መጻሕፍቲ፥ዝርአኽዎ ተለቭዥን ወይ ፊልም . . . . አብዚ ነቶም ነዚ ዝገበሩለይ አብ አምላኽ ዘቕረቡኒ ከመስግኖም አሎኒ። ከምኡ ብአይ አቢሎም ንኢየሱስ ክሰምዑ ክርእዩ ዝደልዩ ካብ ስድራይ ካብ መሳርሕተይ . . . አለዉ፥ እሞ ክሳብ ክንደይ ብዛዕባ እምነትይ ንኻልኦት ከፍልጥ እዛረብ ወይ እምስክር? ክንደይ እዮም ከም ውፉይ ክርስትያን ዝፈልጡኒ? አብ ርእሰይ ጥራሕ ዝተወሰነ ክርስትና ተገራጫዋይ ፍረ ዘይብሉ እዩ።

አምላኽ ንብዙሕ ነገራት ክገብረልና ሰባት እዩ ዝልእከልና ምስ ሓመምና ዶክተር ይሰደልና ምስ ተጸገምና ንሓደ ሓውና/ሓፍትና ይሰደልና። አብ ሕይወትና ልኡኽ አምላኽ ኮይኑ ንዝመጽእ ክንቅበሎ ክንሰምዖ ጥቕሚ አልኦ።

አብ ኢየሱስ ምቕራብ፡

ባርጢሜዎስ መጸዋዕታ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ “ነጸላኡ ደርብዩ ዘሊሉ ናብ ኢየሱስ መጸ”። ንሓደ ለማናይ ነጸልኡ መደቀሲቱን እታ እንኮ ዝውንና ንብረቱ እያ። ነዚአ እንኮ ንብረቱ ደርብዩ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ጥርሑ ሓንቲ ዘይብሉ ሕይወቱ እዩ አቕሪቡ። አብ ኢየሱስ ገጽና ክንከይድ ምስ ጀመርና ድሕረና ክንሓድጎ ዝግብአና ነገራት አሎ። ባርጢሜዎስ ነጸልኡ ደርብዩ እዚ ኸአ አምሳል እቲ አሚቝ ዝሕዘና ካብ አምላኽ ዝፈልየና ነገራት እዩ። እሞ ሎሚ ክድርብዮ ዝግብአኒ ነጸላ ካብ አምላኽ ፈልዩኒ ዘሎ እንታይ አሎ ክንብል ይግብአና።

ቀዳሞት ወለድና ብሰንኪ ኃጢአቶም ጥርሖም ምስ ኮኑ ሕፍረት ተሰሚዕዎም ካብ አምላኽ ክሕብኡ ጀሚሮም። ኢየሱስ አብ መስቀል ጥርሑ ብምማቱ ነቲ ብሰንኪ ኃጢአት ዝአቶ ሕፍረት አብ ክብረትን ድሕነትን ቀይርዎ። በርጢሜዎስ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ብዘይ ሕፍረት ጥርሑ ደው ኢሉ። አብ ጥምቀት ብፍላይ አብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ዝዝውተር ዝነበር ሎሚ እውን አብ ምስራቓውያን አብያተ ክርስትያናት ዝዝውተር አብ ክርስቶስ ዘልኦም ውፉይ ሕይወት ከመልክት ምእንቲ ንኡሰ ክርስትያን ቅድሚ ምጥማቑ/ቓ ንዝአረገ ክዳውንቲ ደርብዩ ሓዲስ ጻዕዳ ክዳን ይኽደን እዚ ኸአ አብ ሓዲስ ሕይወት ምስ ክርስቶስ ዘልኦም ንምምልካት እዩ። ስለዚ ባርጢሜዎስ ብምሉእ እምነትን ምሉእ ነጻነት ሓንቲ ዘይብሉ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ይቐውም። ነዚ ምስቲ ሃብታም ሰብአይ ጽቡቕ ዝተኸድነ እሞ ኢየሱስ ክኽተሎ ምስ ጸውዖ ሃብቱ ዝመረጸ ክነወዳድሮ ንኽእል። አብ ርእስና ተመሊስና አነ ንመን እመርጽ ክንብል አሎና። መሪጽና እንተ ዘይከአልና ክንጋገ ክንርሕቕ ንኽእል ኢና እሞ ሎሚ አነ ንመን መሪጸ አሎዅ ክንብል ይግብአና። አብ ሕይወተይ ክድርብዮ ክሓድጎ ክቕይሮ ዝግብአኒ ነገር እንታይ አሎ ክንብል ይግባእ። ንሕና ብባህርና ንዝሓዝናዮ ወይ ንዝለመድናዮ እሞ ናተይ ኢልና ንዝሓዝናዮ ልምዲ ወልፊ ዝአመሰሉ ክንሓድግ ይጽግመና እዩ ስለዚ ትብዓትን ምሉእ እምነት አብ ኢየሱስ ገርና ክንቀርብ አሎና።

እንታይ ክገብረልካ ትደሊ፡

ገጽ ንገጽ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ደው ኢሉ እንከሎ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ” ዝብል ሕቶ ንባርጢሜዎስ ቀሪብዎ። አብዚ ኢየሱስ እቲ አብ መልእኽቲ ዕብራውያን “ሊቀ ካህንት” ተባሂሉ ዘሎ ባህርና ዝለበሰ ንዅሉ ዘድልየና ኵሉ ብዕምቆት ዝፈልጥ እዩ ዝሓቶ ዘሎ። “ሊቀ ካህናት ዘበለ ኵሉ ካብቶም ከምኡ ዝኾኑ ሰባት ይኅረ፥ ንእግዚአብሔር ብዝርኢ ነገር ከአ መባእን መሥዋዕትን ስለ ኃጢአት ምእንቲ ኼቕርብ ምእንቲ ሰብ ይሽየም” (ዕብ 5፡1)። ደቂ ዘብዴዎስ ንኢየሱስ ዝለመንናካ ኽትገብርለና ንደሊ አሎና ምስ በልዎ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኢልዎም? (ማር 10፡36)። ንሶም ከአ አብ ክብሪ ሓደና አብ ብየማንካ ሓደና ድማ ብጸጋምካ ኽንቅመጥ ፍቐደልና” ኢሎም ለሚኖሞ። ኢየሱስ አብ ዝሃቦም መልሲ ሕጽር ብዝበለ “ዝውሃቦም በቲ አብ ሕይወቶም ምስ አምላኽን ሰብን ዝገበርዎ ከም ዝውሰን ነጊርዎም”፥ ቀጺሉ ኸአ ንኻልኦት ብምግልጋል ዝርከብ ክብሪ ክደልዩ እምበር ንስልጣንን ክብርን ከይጥምቱ አስተምሂርዎም። አብ ገለ እዋን እትልምኖ ምፍላጥ አድላዪ እዩ።

ምስጢር ሕይወት ርኢኻ ምኽአል እዩ፥ ናይ ሕይወት ሓቀኛ ትርጉምን ሓበረታን ምርአይ፥ ራእዩ ዘለዎ ህዝቢ ምዃና፥ አምላኽ አበይ ከምዝርከብ ምፍላጥ፥ ሓቀኛ ሓቅን ሕያውነትን ጽቡቕን ዝርከቦ ምፍላጥ እዩ። አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ ንዝቐረበሉ ጸሎት ክምልስ ንርእዮ ማለት “ኪድ እምነትካ አባይ ስለ ዝአመንካ ድሒንካ አሕውያትካ ምሉእ ገራትካ” እናበለ አብኡ ዝአመነን ዝቐረበን እሞ ዝለመነን ዝረኽቦ ገሊጹ። ባርጢሜዎስ ብኡብኡ ረአየ አብ መገዲውን ሰዓቦ።

ሎሚ አብ ቅድሚ ኢየሱስ አሎና እንታይ ክገብረልካ/ኪ ትደሊ እንተ ዝብለና እንታይ ምበልና? አብ እምነት ዝተመስረት መልስዶ ምሃብና ወይስ ጌና አብ ዑረት ከሎና ካልእ ምለመና። እንልምኖ አብ አምላኽ ዘቕርበና ሓቀኛ ልመና ክኸውን ይግባእ። ለምኑ ክውሃበኩም ኳሕኩሑ ክኽፈተልኩም ኢሉና እዩ።

ምርአይ ከምዝስዕብ ገርዎ።

ባርጢሜዎስ ምስ ረአየ እንታይ ገሩ? ነታ ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ዝርኢ እንተ ኾነ ዝገብራ ገሩ። “ንኢየሱስ አብ መገዲ ስዒብዎ”። አብ መጀመርያ እዚ ዕዉር አብ ዘፈር መገዲ ኮይኑ ከም ዝልምን ዝነበረ ኢና ርኢና፥ ንኢየሱስ ጌና አይረኸቦን ነሩ። ንሱ ዕዉርን ድኻ ለማናይ፥ ዘይንቀሳቐስ አብ ሓደ ቦታ ኮይኑ ዝልምን እዩ ነሩ። አብ መወዳእታ ናይ እቲ ታሪኽ ግን ዝርኢ ሰብ ራእይ ዘልኦ አበይ ገጹ ከምዝኸይድ ጽቡቕ ገሩ ዝፈልጥ። ካብ ሕጂ ንድሓር ለማናይ ዘይኮነ ጽቡቕ ገሩ ዝርኢ። አብ ዘፈር መገዲ ኮይኑ ዘይልምን ናይ ሰባት ትኳቦ ዘይጥምት። ለማናይ አብ መገዲ ዘይኮነ ብመገዲ ዝኸይድ ኮይኑ ንርእዮ። ኢየሱስ አብ ትምህርቱ ንሱ “መገድን ሓቅን ሕይወትን” ከምዝኾነ ገሊጹ። እዚ መገዲ ከም ዝረአናዮ ንኢየሩሳሌም ዝወስድ እዩ ማለት ንሕማምን ሞትን ትንሣኤ ገጹ ዝወስድ።

እሞ ንርኢ ዘሎና ጠባይና አተሓሳስባና ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ርኢና ንኽእል ዘሎና ወይስ ጌና አብ ዑረት ኢና ዘሎና። አብ ሕልናና አቲና ንፈትሽ ካብ ምርአይን ንኢየሱስ ካብ ምስዓብን ዓጊቱና ዘሎ ክንቅንጥጥ አብ መንበር ንስሓ ተቐሚጥና ክርኢ ሓግዘኒ ኢልና ንለምኖ። አብ ትምህርቲ እምነትና ክርኢ ዝኸአለ ሰባኺ ወንጌል ሰዓብ ክርስቶስ እዩ ዝኸውን። “ክርኢ እደሊ አሎኹ ዝብል ጸሎትና” ይዅን።

እዚ ዝሰማዕናዮ ታሪኽ ናይ እቲ ቅ. ማርቆስ ንሰማዕቱ ብሩህ ርድኢት እምነቶም አብ ክርስቶስ ክህልዎም ምእንቲ ከምኡ ንክርስቶስ ምምእማን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ከምህሮም ዝቐረበ እዩ። ናይ ሓደ ክርስትያን አብ ሕይወቱ ክጕዓዞ ዘለዎ መገድን ሕይወትን ዝሕብር እውን እዩ።ከም ክርስትያን ትርጉም ሕይወት ክርድአና ዓይንና ክንከፍት አሎና። ክንርኢ እንተ ኸአልና ሓዲስ ራእይ ክህልወና እዩ ንኹሉ እንጉዓዞን እንገብሮን ከአ አብ ሓቀኛ ጉዕዞ ከም ዝኸይድ ክንገብሮ ኢና። ምስ ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ዝወስድ መገዲ ብብሩህ ራእዩን ሓቀኛ ነጻነትን ክንጉዓዝ ስንድዋት ክንከውን ይግብአና።

ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት ኃጢአተይ ክርኢ ሓግዘኒ ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

                     

27 October 2018, 14:24