ኢትዮ-ኤርትራ ሃዋሁ ሰላም! ኢትዮ-ኤርትራ ሃዋሁ ሰላም! 

፪ ሰንበት ዘጽጌ ጥቅምቲ 4 2011 ዓ.ም. (10/14/2018) ምስ ማርያም ንአምላኽ መሪጽካ ምኽአል

መዝሙር፡ ኪነ ጥበቡ መንክር ውዕጹብ. . . ሥራሕ ጥበቡ ዘገርምን ዘደንቕን እዩ፥ እቲ አብ ሰማየ ሰማያት ዘሎ አባና ምሕረቱ ገለጸ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ አብሪሁ ዝኸለሎ፥ ንምድሪ ብጽሩይ ዕምባባ ዘገጻ፥ ሰንበት ከም ንቡር ከዕርፉ ምእንቲ ዝሰርዐ፥ መአዛ ቅዱሳን ከም ሽቱ ሊሊ አብ ቆላታት፥ቃርፋን ናርዶስን ዓምበቡ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ንባባት፡ ዕብ 4፡12-13፥ 1ጴጥ 1፡17-ፍ፥ ግ.ሓ. 17፡2-ፍ፥ ማር 10፡17-30።  ምስባክ፡  ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ ወሰብእሰ ከመሳዕር መዋዕሊሁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ። “ኦ ጎይታ መሬት ምዃና ዘክር፥ ሰብ ከም ሳዕሪ ምዃኑ መዋዕሉ ከም ዕምባባ በረኻ ከምኡ ከም ዝፈሪ ዘክር”

ካልአይ ሰንበት ዘጽጌ ፍሉይ አብነት ማርያም ተኸቲልና ንአምላኽ ክንመርጽ እሞ ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ዝሕግዘና ሰንበት እዩ። ማርያም “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ክትብል እንከላ አብ አምላኽ ዘልአ እምነት ንምግላጽ እዩ። ንሳ ብመልአኽ ንዝተነግራ ጉዳይ ድሕነትና ንትስብእት ወልደ እግዚአብሔር ሕራይ ኢላ ተቐቢላ፥ አብ ምድራዊ ሕይወት ወዳ ክሳብ መወዳእታ አብ መስቀል ሞቱ ከይተረፈ አሰንያቶ ነዚ ኹሉ ዘኽአላ እምነታ እዩ።

መልሲ ሕይወትና አብቲ ማርያም ምስ አምላኽ ዝሃበቶ ክንሰርዕ እንተ ኸአልና መገዲ ድሕነት ጸሪግና አሎና ማለት እዩ፥ ናይ ሎሚ ንባባትና አብዚ መሰረት ገርና ጉዳይ ድሕነትና ከሰክፈና ከምዘለዎ ክንሓስብ እሞ ካብቲ ዝነአሰ ካሳብ እቲ ዝዓበየ አፍደገ ሰማይ ዝዓጽወልና ኵሉ ሓዲግና ንኢየሱስን ማርያምን ክንሰምዕ ስንድዋት ንኹን።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሓደ ሃብታም ጎበዝ ብዅሉ ዝተዓወተ ግን ጉዳይ ዘለዓለማዊ ድሕነቱ ዕርቡን ክህብ ዝደለ ከምኡ ርግጸኛ ዋሕስ ክሕዝ ኢሉ አብ ኢየሱስ ቀሪቡ “መምህሪ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክወርስሲ እንታይ እግበር” እናበለ አብ ቅድሚ ኵሎም ምስኡ ዝነበሩ ሓቲቱ።

አብቲ ኢየሱስ ዝሃቦ መልሲ እንተ ረአና ሰለስተ ነገራት ንዕዘብ፡

  • ኢየሱስ ምስ ሓደ ክስዕቦ ዝደሊ ሰብአይ ተራኺቡ እንታይ ክገብር ከምዘልኦ ከም ዝነገሮ።
  • ኢየሱስ ነርድእቱ ብዛዕባ ሃብትን አብ ጉዕዞ ዘምጽኦ ጸገማትን ብዙሕ መምርሒታትን ከም ዝሃበ።
  • ናይ ሓደ እሙን ተኸታሊ ክርስቶስ አብ መወዳእታ ዝውሃቦ ዓስቢ ከም ዝነገረን።

አብ ሰለስቲኡ ሃብቲ አብ ጉዕዞ ሕይወት እሙን ተኸታሊ ክትከውን ዓቢ ዕንቅፋት ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ነቶም ብዓቢ ትዕግስቲ ተልእክኦም ብጽቡቕ ዝፍጽሙ ዓስቦም ልዕሊ ዝኾነ መስዋዕቲ ከም ዝኾነ ነጊሩ።

ኢየሱስ ነዚ ሰብ አብ መገዲ ክኸይድ እንከሎ እዩ ዝረኽቦ፥ እዚ “አብ መገዲ” ዝብል አብ ወንጌል ፍሉይ ትርጉም አለዎ፥ አብ መጊዲ ሕይወትና እዩ ዘስምዕ ከምኡ መብዝሕትኡ ተአምራታቱ አብ መገዲ እዩ ገርዎ ዕዉራት፥ ለምጻማት፥ ንዜከዎስ፥ ንሰብ ኤማሁስ. . . አብ መገዲ እዩ ረኺብዎም። አብ መገዲ ኵሉ ክርከብ ይክአል ንአና እውን አብ ጉዕዞ መገዲ ሕይወትና ክንረኽቦ ይደልየና እሞ ሎሚ እንተ ረኽበናኸ እንታይ ምሓተትናዮ? አብ መገዲ ጉዕዞ ሕይወትና ዋሕስ ከሊኡና ዘሎ እንታይ አሎ? አብ መገዲ እና ተጓዓዝኩ ምስ መን እራኸብን እዛረብን? እዝን ካልእን ክንሓስብ ጠቓሚ እዩ።

እዚ አብ መገዲ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸበ ሰብ “አታ ሕያዋይ መምህር” እናበለ እዩ ሕቶኡ ጀሚሩ። ምናልባት አድህቦ ክረክብ ወይ እውን ባህሊ ናይ እዋኑ ክኸውን ይኽእል ኢየሱስ ግን ብቀጥታ አብ መልሱ እዩ አትዩ። ትእዛዛት ሓሉ ኢልዎ፥ እዚ ኸአ ትእዛዛት መሰረት ናይ ኩሉ ርክብ ምስ አምላኽ ስለ ዝኾኑ እዩ። ኢየሱስ ዝጠቕሶም ትእዛዛት ነቶም ንብጻይና ዝርእዩ ጥራሕ እዩ፥ ግን ስለምንታይ ንሓደ ዋሕስ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከረጋግጽ ንዝሓትት አብቲ መስርዕ ብአይትቕተል ዝብል ጀሚሩ፥ ብዝኾነ አብዚ እንርእዮ ምስ ሰብ ከማና ዘሎና ርክብ ወሳኒ ድሕነትና ምዃኑ ክገልጽ ኢሉ እዩ።

እዚ ሰብ አብ ኢየሱስ ቀሪቡ ፍጹም ክኸውን ዘለዓለማዊ ሕይወት ክረክብ ቀሪቡ። አብ ኢየሱስ ምቕራቡ ዝበለጸ እዩ ምኽንያቱ ዝበለጸን ጠቓሚናን መልሲ ስለ እንረክብ። አብ ኢየሱስ ከመጽአ ዝኽአላ አእጋር ንእኡ ክጥምታ ዝኽአላ አዒንቲ ንሓቂ ክረኽባ ርሑቓት አይኮናን። ንዝኾነ ከቢድን ክንርድኦ ዘይንኽእል ሕቶታትና አብ ኢየሱስ ነቕርቦ ሽዑ አዕጋቢ መልሲ ክንረክብ ኢና። ሓንቲ ጸገም እትኾነና ንሕና ከም እንደልዮ ጥራሕ ክኾነልና አይንጸበ ኢየሱስ ዝደልዮ እውን ክንጽበ ይግብአና ምኽንያቱ ብዙሕ ጊዜ ድላይና እምበር ድላይ ኢየሱስ ክኸውን አይንደልን ኢና። ኢየሱስ ንዝብለና ክንሰምዕ ክንቅበል ስንድዋት ክንከውን እንከሎና ነቲ ከቢድ መልሲ ክንቅበል እንከሎና ክንሕጎስ ኢና።

እዚ ሰብአይ ብሓቂ ጽቡቕ መዕበያ ዝረኸበ ወለዱ ንኹሉ ዘምሃርዎ እዩ ነሩ። ንትእዛዛት ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ መምርሒ ሕይወቱ ገሩ ዝነብር ዝነበረ እዩ። ወንጌል “ኢየሱስ ከአ ጠሚቱ ፈተዎ” ይብለና። ኢየሱስ ክጥምት እንከሎ ውሽጣዊ ሕይወትና ይርኢ እንጉዓዞን እንነብሮን ዘሎና ይርኢ። እሞ አባይ እንተ ዝጥምት እንታይ ምርአየ? ጠሚቱ ምፈተወኒዶ ወይስ ዘየፍቱ ነገራት ምርአየ? ሓደ ካብቲ አብ ሕይወትና ክንገብሮ ዘሎና ከም ሰብ መጠን ነቲ መሰረታዊ ነገራት አመንቲ ዘብለና ክንፍጽም አሎና። እዚ ሰብ እዚ ሕይወቱ ብቕኑዕ መገዲ ይመርሕ ነሩ እንተ ኾነ ሓንቲ ነገር ተሪፋቶ ነራ። “ሓንቲ ጎዲላትካ አላ ኪድ ዘሎካ ኩሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ አብ ሰማይ ድማ ሃብቲ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዓበኒ” እናበለ መጸዋዕታን ክገብሮ ዘለዎ ነጊርዎ። ክቕበሎን ክሰምዖን ዘይደሊ ነገር አልዒልሉ ሽዑ ንመጸዋዕታን ንኽገብሮ ዝነገሮ ሓዲጉ እኳድአ ሓዚኑ ከይዱ።

ሰባት ንድለትናን ስምዒትናን ጥራ ክንርኢ ምስ ጀመርና ንመገዲ አምላኽ ምስ ሓደግና ክንቅበል ክንሰምዕ ይጽግመና። አብ ልበይ ቀዳምነት ሂበ ሰሪዐዮ ዘሎኹ እንታይ አሎ? አብ አምላኽ ዝመልስኒ ከይቅበል ዓጊቱኒ ዘሎ እንታይ አሎ ኢልና ክንሓስብ አድላዪ እዩ። እምበር አምላኽስ ንነፍሲ ወከፍና ክንገብሮ ዝግብአናን ክንሰምዖን ካብ ምንጋር ዓዲ አይወዓልን አሎ።

ኢየሱስ ብፍሉይ ክንገብሮ ዝደልየና ነገራት አሎ። ንርእስና ክንርኢ እንተ ኸአልና ምናልባት አብ ኪዳናዊ ሕይወትና ንዘሎ ጸገም ክንፈትሕ ክንገብሮ ዝግብአና፥ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ፥ አብ ግላዊ ጠባያትና ግብርና መንፈስና ኮታ ነፍስወከፍ ንርእስና ክንርኢ እንተ ኸአልና ክንሓድጎ ክንቅይሮ ዘሎና ነገራት አሎና።

ሥጋና ባህርና ንዝለመዶ ነገር ክሓድግ ወይ እውን ክቕይር ቀሊል አይኮነን። ባህርና አይስዓርን ዝብል ባህሪ ዘለዎ እዩ ምስኡ ሰይጣን ጸላኢና ክዕወተልና ካብ አምላኽ ክፈልየና ንሰናይ ንድሕነትና ከይንመርጽ አበርቲዑ እዩ ዝቃለሰና ሽዑ ንሓቅን ንድሕነትን ከይንመርጽ ልብናን ዓይንናን ሸፊኑ ካብ በረኸት መርገም ካብ ፍቕሪ ክሕደትን ምፍልላይን ካብ ምሕረት ምሃብ ከም እንጭኻኸን ይገብረና ስለዚ ምስ ርእስናን ሰይጣንን ውግእ ክንእውጅ ሽዑ ንዓወት ክርስቶስ ክንሳተፍ ኢና።

ኢየሱስ ንዅሉ ሃብቲ ሓዲጉ ክስዕቦ እሞ ሽዑ ዋሕስ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክረክብ ከምዝኽእል ነጊርዎ። እቲ ሰብአይ ግን ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበሮ በቲ ዝተዋህቦ ቃል ሓዚኑ እናጎሃየ ከይዱ። አብ እዋን ኢየሱስ ዝነበረ ርድኢት ሃብቲ ምልክት በረኸትን ፍቕሪ አምላኽን እዩ ነሩ። በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ “ብሃብቲ ንዝአምኑ አብ መንግስተ ሰማይ ምእትው ክንደይ ጭንቂ እዩ” “ሃብታም ናብ መንግስቲ አምላኽ ካብ ዝአቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኪኃልፍ ይቐልል” ምስ በሎም ሰማዕቱ ዝተገረሙ። ሰማዕቲ ኢየሱስ “መን ድአ ኾን ኪድኅን ይኽእል” እናበሉ ተገሪሞም። ኢየሱስ ናብአቶም እናጠመተ “ብሰብ አይክአልን እዩ ብአምላኽ ግን ከምኡ አይኮነን፥ ስለምንታይ ብአምላኽ ኵሉ ነገር ይክአል እዩ” እናበለ ንኹሉ ነገር ብመገዲ አምላኽ ክርእይዎ ነጊርዎም።

አብ ታሪኽ ብዙሓት ንአምላኽ ከይክተሉ ዕንቅፋት ዝኾኖም ንኹሉ ሃብቲ ክሓድጉ ስለ ዘይክአሉ እዩ። እቶም ንመጸዋዕታ አምላኽ ዝተቐበሉ እንተ ረአና አብ ታሪኽ ይዝከሩ ከምኡ አብ ጉዳይ ድሕነት ደቂ ሰብ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም። እቶም ንሃብቶም ክሓድጉ ዘይክአሉ ግን ምስ ታሪኾም ተቐቢሮም አይዝከሩን እውን። ሰብ ታሪኽ ሰሪሑ ክብሃል እንተ ኾይኑ አብ ድሕነት ሰባት እንተ አበርከተ አብ ሕይወት ሰባት ንአምላኽ ከምዝመርጹ እንተገበረ እዩ። አብ ዓለምና ግን ብአንጻሩ እዩ እኳድአ ገለስ ብዝገብርዎ ክፍአትን ግፍዕን መጠኑ ታሪኽ ዝገበሩ ዝመስሎም አለዉ ብፍላይ አብ ፖሎቲካዊ ዓለም። ግፍዕን ጭቆናን ከምኡ ማእሰርትን ውርደትን እንተ አብዝሑ ዝያዳ ንሓቂ ዘተግበሩ ይመስሎም። ዓለምና ሎሚ ፍቕሪ ሰላም ውሒድዋ እትሳቐ ዘላ ሰብ ንአምላኽ ምምራጽ አብዩ ንርእሱን ንዓቕሙን ሃብቱን ጥራሕ ስለ ዝመረጸ እዩ፥ እንተ ኾነ አምላኽ ንአኡ ክንመርጽ ንመገዱ ክንስዕብ ከሎና ዝያዳ አብኡ ከም እንቐርብ ደጋጊሙ ነጊሩና እዩ።

እግዚአብሔር ንሙሴ ክጽውዖ እንከሎ ክልተ ምርጫ ሂብዎ፥ ሓንቲ ሱቕ ኢልካ ንመጸዋዕታ አምላኽ ነጺግካ ኪድ ካልአይ ፈርዖን ከአ ኹን። ካልአይቲ ንኹሉ ዘሎካን ንፖሎቲካዊ ስልጣን  ሓዲግካ ንመገዲ አምላኽ ስዓብ ኢሉ ሓቢርዎ። ሙሴ ንካልአይቲ መሪጹ ንህዝበ እስራኤል ካብ ባርነት አውጺኡ በዚ ኸአ ሓደ ካብቶም አዕኑድ ታሪኽ ድሕነት ኮይኑ ይዝከር። እዚ እዩ እቲ ዝረኸቦ ዓስቢ።

ኢየሱስ ንኹሎም ክስዕብዎን መጸዋዕትኡ ክቕበሉ ዝደልዩ እሞ አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያኑ ክሳተፉ ዝደልዩ ንዘቕርበሎም መጸዋዕታ ክቕበሉ ሽዑ አብቲ ህያው ዝክሪ አባላት ከምዝኾኑ ይነግሮም። ወንጌል ነዚ ሰብአይ ንመጸዋዕታ ምቕባል ዝአበየ ሽሙ ብዳግም አይዝክሮን ሃብቱ ንዕብየቱ ይውስነሉ ስለዚ አብ ታሪኽ ቦታ የብሉን።

አብ ታሪኽ ብዙሓት ሰባት ንሃብቶም መጋበሪ አምላኽ ክገብርዎ ንርኢ። ሓንቲ ከይተመርዓወት ዕድሚአ ዘሕለፈት እንግሊዛዊት Mary Guthre Essame ዝተባህለት ጥሮተኛ ነርስ አብ ሓደ አረጊት ገዛ፥ ብዙሕ ጽቡቕ ክዳውንቲ ዘይትኽደን ዝአረገ አሳእን ዝነበራ አብ ከባቢአ ዝነብሩ ዝፈልጥዋ ክሳብ ክንድዚ ሃብታም ምዃና ይፈልጡ አይነበሩን። ድሕሪ ሞታ አብ ዝተረኽበ ለበዋ ከም ዝሕብሮ 10 ሚልዮን ንገበርቲ ሰናይ ሂባ። ከምዚአ ዝበሉ እዮም ትርጉም ሃብቲ ዝፈልጡ።

ኢየሱስ ነቲ ሕይወት ዘለዓለም ክወርስ ዝሓተቶ አብ ሕይወት ናይ ሓደ ሃብታም ሰብ ክልተ ነገራት ከም ዝኽወልኦ ሓቢሩ። አብ ልዕሊ ድኻታት ፍቕርን ሓልዮትን የብሉን ከምኡ ንሃብቱ ምስቶም ዘይብሎም ወይ ጽጉማት ክካፈል አይደልን እዩ። ኢየሱስ ከም ዝብሎ ሓቀኛ እምነት ዝግለጸ አብ ምክፋል እዩ እምበር አብ ምዕቋር አይኮነን። ጥዑይ አማናይ ንሕግን ስርዓትን ዝሕሉ ጥራይ አይኮነን፥ ንሃብቱ ምስ ካልእ ዝሳተፍ፥ ንክእለቱ አብ ሓገዝ ካልኦት ዘውዕል ብዝያዳ ምስ ጽጉማት። ሎሚ ንነፍስወከፍና አብ ርእስና አቲና ንኢየሱስ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነትዶ እስዕቦ አሎኹ። ምናልባት ቀዳምነት እንህቦ ሃብትና ክእለትና፥ ስራሕና፥ ጥዕናና፥ ወይ እውን ዝናና ከይከውን፥ እዚ ኹሉ ግን ምስ አምላኽ ዘራኽብ አይኮነን ምስ ርእስና ጥራሕ እዩ ዘራኽበና ስለዚ እሙናት ክርስትያንን አርድእትን ክንከውን ነዚ ዅሉ በቲኽና ምስ ካልኦት እናተኻፈልና ንንበር።

አብ ክርስቶስ ቀሪባና ዝብለና ንስማዕ፥ አብ ዝኾነ ካብ ንክርስቶስ ምስዓብ ዝዕንቅፈና ክንድሕን ከአ ሓግዘና ንበሎ። ውሳኔና ክንስዕቦ እምበር ካብኡ ክንርሕቕ አይኹን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

13 October 2018, 15:27