ር.ሊ.ጳ.፥ ሓደ ሰብ ከምዝተፈቕረ ምስ ዝስምዖ ኣሉታዊ ጽላሎት ውሳኔ ጥዑም ሞት ይርሕቆ ር.ሊ.ጳ.፥ ሓደ ሰብ ከምዝተፈቕረ ምስ ዝስምዖ ኣሉታዊ ጽላሎት ውሳኔ ጥዑም ሞት ይርሕቆ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሓደ ሰብ ከምዝተፈቕረ ምስ ዝስምዖ ኣሉታዊ ጽላሎት ውሳኔ ጥዑም ሞት ይርሕቆ

ተኣምርን ፈውስን እማኔን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ዘተኰረ ቃለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ዝተጠቕዔ እውን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ብዙሓት ግቡእ ኣገልግሎት ሕክምና ንኸይረኽቡ ይገብር ከምዘሎን፡ ጥዕና መሰልን ክብርን ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክነሱ ብዙሓት ካብዚ ኣገልግሎት’ዚ ብዝተፈላለየ ጸገም ተነጺሎም ከምዝርከቡን፡ ሕክምና ዋጋን ረብሓን ማዕረኣዊ ምክፋል ሃብቲ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝሓትት እዩ፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምሕዋይ ዝብል ኣብ ዝሓመመ ሰብ ኣብ ዘሎ ተስፋ ምእማንን ንዝሓመመ ሰብ ልክዕ ንዝሳቐይ ሓው ከም እትህቦ ኣቃልቦ ምቕራብን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእስክ ቃል ምዕዳን ነቲ ስነ ምግባር ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ዝዝትይ ራብዓይ ጉባኤ ንዝሳተፉ ሰብዓ ተጋባእያን ተቐቢሎም ለጊሶም፡ ኣብ መንጐ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ህሙማንን ዓሚዩቕ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ርክብ ክህሉ ኣተሓሳሲቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ክንክን ጥዕና ስነ ምግባር ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገዎ መርሕ ቃል፡ ሓደ ሰብ ከምዝተፈቕረ ዝስምዖ እንተድኣ ኰይኑ ገና መድሃኒ ዘይተረኽቦ ሕማም እውን ይሓዞ ጥዑም ሞት ዝብል ኣሉታዊ ውሳኔ ካብኡ ከምዝርሕቕ ርጉጽ እዩ ኢሎም። ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣቐዲሞም ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ክንክን ጥዕና ጉዳይ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ቦቻተይ ነቶም ተጋባእያን ንኸላልዩ ዘቕረብዎ ቃል ኣስዕቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ዘዳለዎ ምዃኑ ዘኪሮም፡ እቲ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓውደ ጉባኤ ኣብ መንጐ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ህሙማንን ጥልቂ ሰብኣዊ ርክብ ክህሉ ዝድግፍን ነዚ ዘብቅዕ መገዲ እውን ዘብርህ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ሕሙማን ዝስቐይ ወጅሒ

ተኣምርን ፈውስን እማኔን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ዘተኰረ ቃለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ዝተጠቕዔ እውን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ብዙሓት ግቡእ ኣገልግሎት ሕክምና ንኸይረኽቡ ይገብር ከምዘሎን፡ ጥዕና መሰልን ክብርን ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክነሱ ብዙሓት ካብዚ ኣገልግሎት’ዚ ብዝተፈላለየ ጸገም ተነጺሎም ከምዝርከቡን፡ ሕክምና ዋጋን ረብሓን ማዕረኣዊ ምክፋል ሃብቲ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝሓትት እዩ፡ ኣብ ዝሓመመ ሰብ ናይ ሓው ወጅሂ ምልላይ ከምዘድሊ እውን ገሊጾም፡ ሕክምና ንኹሉን ናይ ኵሉን ክኸውን ኣለዎ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ።

ቅርበትን ግብኡ ክንክንን ከብ ነፍሲ ወከፍ ህሙም ኣሉታዊ ጽላሎት ውሳኔ ጥዑም ሞት ይግስጽ

ንሓደ ሕሙም ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ምቕራብ መድሃኒትን ኣብ ጥዕና ንምምላስ ኣብ ዝብል ዕዮ ዝተሓጽረ እንተድኣ ኰይኑ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣገልግሎት ሕክምና ነቲ ዝሓመመ ምፍዋስ እንተድኣ ዘይከኣለ፡ እቲ ህሙም ተስፋ ቆሪጹ ናብ ዕለተ ሞት ምጽባይ ወይ ከኣ ጥዑም ሞት ናብ ዝብል ውሳኔ ርእሰ ቅትለት ክበጽሕ ይድረኽ፡ ምእንቲ’ዚ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና እቲ ዝሓመመ ሰብ ከምእተፈቕረ ክስምዖን ከረጋግጽን ዘብቅዕ ድጋፍን ቅርበትን ክረክብ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ብሰፊሕ ኣብሪሆም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሓደ ሰብ ከምዝተፈቕረ ምስ ዝስምዖ ኣሉታዊ ጽላሎት ውሳኔ ጥዑም ሞት ይርሕቆ
01 October 2018, 17:12