ኣብ ናይጀሪያ ሓሙሽተ ደናግል ከምእተጨወያን ካልኦ ክልተ ማህሰይቲ ከምዝወረደን ትሓቢሩ ኣብ ናይጀሪያ ሓሙሽተ ደናግል ከምእተጨወያን ካልኦ ክልተ ማህሰይቲ ከምዝወረደን ትሓቢሩ 

ኣብ ናይጀሪያ ሓሙሽተ ደናግል ከምእተጨወያን ካልኦ ክልተ ማህሰይቲ ከምዝወረደን ትሓቢሩ

ብዕጡቓት ሰባት ብዝተተኰሰ ጠያዪት ተዓጊታን ክልተ ደናግል ማሕሰይቲ ክወርደን እንከሎ እተን ካልኦት ሓሙሽተ ደናግል በቶም ዕጡቓት ሰባት ከምእተጨወያን

ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ደልታ ኣብ ዝርከብ ደቡባዊ ምብራቕ ከባቢ ሰበኻ ኢሰለ ኡኩ ናይ ዝተመስረተ ማሕበር ደናግል ልኡካነ ወንጌል ማርታ ወማርያም ኣባላት ዝዀና ሓሙሽተ ደናግል ከምእተጨወያን ካልኦት ክልተ ብዝተተኰሰ ጠያይት ከምዝቖሰላን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፥ ዕለት 25 ጥቅምቲ እተን ደናግል ብሸነኽ ምዕራብ ሰበኻ ኢሰለ ኡኩ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣግቦር ኣብ ዝተፈጸመ ናይ ፍትሓት ጸሎትን ናይ ቀርብሪ ስነ ስርዓትን ተሳቲፈን ኣናተመልሳ እንከለዋ ዝጓዓዛላ ዝነበረት መኪና ብዕጡቓት ሰባት ብዝተተኰሰ ጠያዪት ተዓጊታን ክልተ ደናግል ማሕሰይቲ ክወርደን እንከሎ እተን ካልኦት ሓሙሽተ ደናግል በቶም ዕጡቓት ሰባት ከምእተጨወያ ናይ ሰበኻ ኢሰለ ኡኩ ካህን ዝሃብዎ ቃል ጠቒሱ ከመልክት እንከሎ፡

ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ደልታ ብዙሕ ግዜ ውጥረትን ግጭትን ዝረኣየሉ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ

እተን ዝተጨወያ ደናግልን ኣብ ኣእጋረን ብዝተተኰሰ ጠያይት ዝተጐድኣ ክልተ ደናግል እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ዝገልጽን ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ሓደጋ ብዙሕ ግዜ ዝርኣይ  እውን ምዃኑ፡ ክልተ ሳዕ ንፈለማ ጊዜ ኣብ 2017 ደሓር እውን ዕለት 5 ሰነ 2018 ዓ.ም. ተጨውዮም ናጻ ዝተለቁ ናይ ሰበኻ ኢሰለ ኡኩ ካህን ናይ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘኦቦምክፓ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ኤንድሪው ኣናሕ ሓቢሮም እተንዝ ዝተጨውያ ደናግል ናጻ ክልቀቓ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።   

ኣብ ናይጀሪያ ሓሙሽተ ደናግል ከምእተጨወያን ካልኦ ክልተ ማህሰይቲ ከምዝወረደን ትሓቢሩ
31 October 2018, 16:50