ድለ

ካዛኪስታን፡ ሻድሻይ ዓውደ ጉባኤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ኣስታና ካዛኪስታን፡ ሻድሻይ ዓውደ ጉባኤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ኣስታና 

ካዛኪስታን፡ ሻድሻይ ዓውደ ጉባኤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ኣስታና

ኣብ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ዘተ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ናይ ሓባር ዘተ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝከተተል ቤት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ካለድ ኣካሸሕን ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ካዛኪስታንን ታጂኪስታንን ኪርጊዚስታንን ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ኣሲዚ ቹሊካትን፡ ኣብ ኣዘርበጃን ህየንተ ሓዋርያዊ መስተናብር ኣባ ቭላድሚር ፈከተን ኣብ በይሩት ናይ ቅዱስ ዮሴፍ መንበረ ጥበብ ኣቦ መንበር ኣባ ሳሊም ዳካቸን ኣብ ኖትረ ዳም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ፕሮፈሰ ፓውላ በናርዲኒ እትሓቁፍ ጉጅለ ልኡካን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መሪሖም ዝተሳተፉ ሰነዳት ሕጊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ኮኮፓልመሪዮ እዮም።

ኣብ ካዛኪስታን ርእሰ ከተማ ኣስታና 80 ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዝተዋጽኡ መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ባህል በርገሳውያን ማሕብራትን ላዕለዎት ኣካላትን ዘሳተፈ ሻድሻይ ዓውደ ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን፥ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ንውሑስ ዓለም ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ንኽልተ መዓልቲ ከምእተኻየደን ብብፁዕ ካርዲናል ኮኮፓልመሪዮ ዝተመርሐ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካ ጉጅለ እውን ከምእተሳተፈ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ንውሑስ ዓለም ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ናይ ካዛኪስታን ርእሰ ብሔር ኑርሱልታን ናዛርባየቭን ናይ ምስልምናን ኣቢያተ ክርስቲያናትን ቡድሃውያንን ናይ ኣይሁድን እሂንዱን ታኦስምን ዛሮኣስትሪዝምን መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ዝተፈላለያ ባህልታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ወከልቲ ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ኽከውን እንከሎ፡

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላኡካን

ኣብ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ዘተ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ናይ ሓባር ዘተ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝከተተል ቤት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ካለድ ኣካሸሕን ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ካዛኪስታንን ታጂኪስታንን ኪርጊዚስታንን ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ኣሲዚ ቹሊካትን፡ ኣብ ኣዘርበጃን ህየንተ ሓዋርያዊ መስተናብር ኣባ ቭላድሚር ፈከተን ኣብ በይሩት ናይ ቅዱስ ዮሴፍ መንበረ ጥበብ ኣቦ መንበር ኣባ ሳሊም ዳካቸን ኣብ ኖትረ ዳም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ፕሮፈሰ ፓውላ በናርዲኒ እትሓቁፍ ጉጅለ ልኡካን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መሪሖም ዝተሳተፉ ሰነዳት ሕጊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ኮኮፓልመሪዮ እዮም።

ኣስተዋጽኦ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ፖሊቲካ መራሕትን ኣብ ምስናፍ ጸንፈይናነትን ኣኽራርነትን

ናይ ኤውሮጳ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ምትሕብባርን ውድብ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ቶማስ ግረሚንገር ከምእተሳተፉ እውን ክሕበር እንከሎ፡ ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ ኣስተዋጽኦ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ፖለቲካ መራሕትን ኣብ ምብዳሕ ጸንፈይናነትን ኣኽራርነትን እንታይ ከምዝመስል ከምእተገልጸን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ቫቲካን ናዝራዊ ስድራ ቤት ኣቦ መንበር ሳልቫቶረ ማርቲነዝ ኣብ ውድብ ደሕንነት ምትሕብባርን ኤውሮጳ ብዘለዎ ናይ መንግስቲ ኢጣሊያ ወኪል ስልጣን ንመንግስቲ ኢጣሊያ ወኪሎም ከምእተሳተፉን፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኩለን ሃይማኖታትን ባህልታትን ብሓባር ኣብ ቃልሲ ጽልእ ዓሌትን ጽልእ ሰብን ዘይምክብባርን ኣድልዎን፡ ኣድልዎ ኣብ ምእመናን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣማእኪሉን ምስ እዚ ኣተሓሒዙ ዓመጽን ጽልእን ካብ ዓለም ንምውጋድ ኣብ ዝብል ሕቶ እውን ሰፊሕ ምምጥ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

ካዛኪስታን፡ ሻድሻይ ዓውደ ጉባኤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ኣስታና
15 October 2018, 17:18