ሓላዊ መልኣኽ ኣብ ጉዕዞ ዘሰንይ ሓላዊ መልኣኽ ኣብ ጉዕዞ ዘሰንይ  

ሓላዊ መልኣኽ ኣብ ጉዕዞ ዘሰንይ

መላእክት ኣካላዊ ህልዎት ዘይብሎም ብምዃኖም ናይ እግዚኣብሔር ፍጽምና ተኻፈልቲ ከይኖም ፍጽምናኦም ናቶም ዘይኰነ ኣብ ተኻፋልነት ፍጽምና እፍግዚኣብሔር ክኸውን እነክሎ፡ ናይ እግዚኣብሔር ምሉእ ፍጽምና መግለጺ እያቶም፡ ዝበሉ ኣባ ቪቲየሎ ኣስዒቦም፥ ኣካላዊ ህልዎት ዘይብሎም እውን እንተዀኑ፡ እቲ ሰብ ካብ ካልእቶ ፍጥረታት ፍልይ ዘብሎ ቀልብን ነጻነትን ፍቓድን (ድላይ) ዝብሉ ባህርያት ዘለዎም ብምዃኖም ፍጡራን ከመ ሰብ እያቶም

ዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ሓላዊ መልእኽ ክበዓል ር.ሊ.ጳ. ቀለመንጦስ ዓስራይ ኣብ 1670 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ  መሰረት በቢ ዓመቱ ዕለት 2 ጥቅምቲ ዓቢይ በዓል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓላዊ መልኣኽ፡ ካብ መንፈስ ክፍኣት ዝከላኸል ኣብ ጉዕዞ ዘሰይ፡ ብጻይ ጉዕዝ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሎሚ ዕለት 2 ጥቅምቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ሓለውቲ ቅዱሳት ተብዕል፡ ኣባ ሳልቫቶረ ቪቲየሎ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልበ ዘኢየሱስ ናይ ስነ መቕድም ቲዮሎጊያ መምህር ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ኣብ ሓልዮት መልኣኽ የንብር፡ ስለምንታይ ፍጥረቱ ክዕቀብን ካብ መንፈስ ክፍኣት ክከላኸልን መታን እንክብሉ የነጽሩ።

ሓላዊ መልኣኽ ትውፊት ድዩ ወይ ናይ እምነት ሃምነነ (ዶግማ)

ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ቅዱሳትን ወትሩ ህላዌ ሓላዊ ቅዱስ መልኣኽ የረጋግጹ፡ እዚ ኸኣ መላእኽቲ ክፍሊ ዕቃቤ እምነት ክሳብ ዝዀኑ እዩ፡ ማለት ከምቲ ኣብ ጸሎተ ተኣምኖት (ሃይማኖት) እንደግሞ ሰማይን ምድርን፡ ዚርአን ዘይርአን ዝፈጠረ ኵሉ ብዝሓዘ፡ ብሓደ እግዚኣብሔር ኣቦ ነኣምን ዝብልን ናይ እምነት ቃለ ኑዛዜ ነቕርብ፡ መላእኽቲ ኣብ መንጐ ዚረአን ዘይረኣን ዝቑጸሩ እዮም፡ እዚ ከኣ ብናይ ኒቅያን ስዒቡ እውን ናይ ቁስጥንጥንያ ውሳኔ ዘረጋግጾ ኰይኑ በቲ ብእግዚኣብሔር እኣምን ዝብል ህዝቢ እውን ከምኡ እንክብሉ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 30 ሰነ 1968 ዓ.ም. ይገልጽዎ፡ ፡

ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ፡ ህላዌ መላእኽትን ሓለውቲ መላእኽትን ይግለጽ፡ ዝበሉ ኣባ ቪቲየሎ፡ ሓላፍነት ናይቲ ሓላዊ መልኣኽ ፍጥረት እግዚኣብሔር ምክልኻል ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ከይዲ ቤተ ክርስቲያን እዚ ናይ እምነት ሓቂ’ዚ ብጥልቂ ተጸኒዑን ቲዮሎጊያዊ ባህሊ እውን ኰይኑ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እውን ይመሓላለፍ።

መላእክት፥ ፍጽምና እግዚኣብሔርን ሰብን

መላእክት ኣካላዊ ህልዎት ዘይብሎም ብምዃኖም ናይ እግዚኣብሔር ፍጽምና ተኻፈልቲ ከይኖም ፍጽምናኦም ናቶም ዘይኰነ ኣብ ተኻፋልነት ፍጽምና እፍግዚኣብሔር ክኸውን እነክሎ፡ ናይ እግዚኣብሔር ምሉእ ፍጽምና መግለጺ እያቶም፡ ዝበሉ ኣባ ቪቲየሎ ኣስዒቦም፥ ኣካላዊ ህልዎት ዘይብሎም እውን እንተዀኑ፡ እቲ ሰብ ካብ ካልእቶ ፍጥረታት ፍልይ ዘብሎ ቀልብን ነጻነትን ፍቓድን (ድላይ) ዝብሉ ባህርያት ዘለዎም ብምዃኖም ፍጡራን ከመ ሰብ እያቶም፥

“ሕሹኽ ዝብለኒ መንፈስ ቅዱስ ኣሎ፡ ሕሹኽ ዝበለኒ መልኣኽ እውን ኣሎ፡ እዚ እንብሎ ከኣ ጠመቓዊ ትምህርቲ ስለ ዝኾነን ወይ ፍንጥዝያ ስለ ዝዀነን ኣይኰነን፡ እግዚኣብሔር፥ ክሕልወካ መታን ቀቅድሜኻ ዝኸይድ መልኣኽ ክልእኽ እየ፡ እትስዕቦ መገዲ መታን ጉጉይ ከይውን ዘሰንየካ (ኦሪት ዘጸኣት 23. 20-23 ረኣ… ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ)፡

ዝበልዎ ቃል ጠቂሶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሓላዊ መልኣኽ ኣብ ጉዕዞ ዘሰንይ
02 October 2018, 17:18