ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ሓፈሻዊ ጉባኤ 

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ሓፈሻዊ ጉባኤ

ኣብ ካተድራል ቅዱስ ማርቲን ስዒቡ ኣብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን ዘሳተፈ ናይ ሓባር ጸሎት ፍሓት ከምእተኻየደን ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ልኡካ ብፁዓን ጳጳስትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብሓባር ዘዕረግዎ ጸሎተ ፍትሓት፡

ካብ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ በልጀም ኣብታ ካብ 1914 ክሳብ 1918 ዓ.ም. ዝተኻየደ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ዘባረዖም ዝተፈላለዩ ክልተ ከበድቲ ውግኣ ዝተኻየዱሉ ዞባ ፊያንድረ ሓፈሻኢ ጉባኤ ዘካይድ ዘሎ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፡ ነቶም በቲ ዘስካሕክሕ ውግእ ኣደዳ ዝዀኑ ንምዝካር ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ መካነ መቓብር ብምኻድ ናይ ፍትሓት ጸሎት ኣዕሪጎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተጸመ ስነ ስርዓት ጸሎት ፍትሓት ግዳይ ውግእ ዓለም ንዝተሳተፉ ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት ዝመርሑ ናይቲ ጉባኤ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ላቲና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርያኖ ክሮቻታ ክዀኑ እንከለዉ ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ቡኡነ ዣን ክላውደ ሆለሪኽ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መደበይና በመል 15 ሓፈሻዊ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ይሳተፉ ብምህላዎም ከምዘይተረኽቡ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ማርቲን ኣብ ዞባ ፊያንዳር ካብ ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ብዙሓት ተመሃሮ ዘሳተፈ ንዝኽሪ ኣደዳ ቀዳማይ ውግእ ዓለም መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ማርቲን ስዒቡ ኣብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን ዘሳተፈ ናይ ሓባር ጸሎት ፍሓት ከምእተኻየደን ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ልኡካ ብፁዓን ጳጳስትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብሓባርዘዕረግዎ ጸሎተ ፍትሓት፡ ሰላም እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ዝቃላሕ ዕሴት ምዃኑን፡ ንናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ቅዋሜ መሰረት እውም ምዃኑ ዝሓበረ ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት መግለጺ ኣስዒቡ፡

እቲ ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝክረ ነገር ካብ ዝገበሮም ሓደ እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻእን ናይ ደሕንነት ፖለቲካ ጉዳያት ሓላፊት ምኽትል ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድረገት ምኽትል ኣቦ መንበርን ፈደሪካ ሞገሪኒን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምስንባት ጉዳይ ዝክታተሉ ሚሸል ባርናርን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ሓላፊ ሉካ ዣሃይርን ናይ ኤውሮጳ ፈደራላዊ ማሕበር መንእሰያት ኣቦ መንበር ክሪስቶፈር ግሉክ ዘሳተፈ  እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ምርጫን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ።

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ሓፈሻዊ ጉባኤ
26 October 2018, 16:57