ድለ

ቡድሃውያንን ክርስትያን መናንያን ደናግል ኣብ ናይ ሓባር ኣብ ዘተ ቡድሃውያንን ክርስትያን መናንያን ደናግል ኣብ ናይ ሓባር ኣብ ዘተ 

ቡድሃውያንን ክርስትያን መናንያን ደናግል ኣብ ናይ ሓባር ኣብ ዘተ

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ግደ ደቀንስትዮ ክብ ክብል ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞ ዘቕርብዎ ዕድመ ምዃኑ ኣቃሊሖም

“ግብረ ኣስተንታኒ ምናኔን ንጡፍ ኣስተንትኖኣዊ ምናኔን፡ ቡድሃውያንን ክርስቲያን መናንያን ደናግል ኣብ ዘተ”፥ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ናይዘን ክልተ ሃይማኖታት መናንያን ማሕበር ደናግል ዘሳተፈ ብጳጳሳዊ ሓልዮ ዘተ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ ታይዋን ናይ ገዳማውያን ማሕበር ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበርን ናይ ፎ ጉኣንግ ሻ ብድህ ማሕበር መናንያን ደናግል ብሓባር ዘነቓቕሕዎ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ደቡብ ታይዋን ኣብ እትርከብ ከተማ ኮኣህሲዩንግ  ከምእተኻየደ ናይዚ ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እታ ዓውደ ዘተ ዝተኻየደላ ከተማ ኣብ 1995 ዓ.ም. ንፈለማ ጊዜ እዚ ናይ ክልቴኣተን ሃይማኖታት መናንያን ደናግል ናይ ሓባር ዘተ ዘተኣንገድት ብምዃና ነቲ ናይ ሓባር ዘተ ታሪኻዊት ክትከውን ዝበቕዔት ምዃና ነዚ ናይ ለምዘበን ርክብ እውን ታሪኻዊ ዘብሎ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፡ ኣብቲ ጉባኤ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሮትን ምኽትሎም የኔታ ኣኢንዱኒል ጃናካራትነ ኮዲዙዋክሁ ካንካናማላገ ነቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ወኪሎምን ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ልኡካን ብሉተራናዊት ሲሞነ ሲን ተመሪሑ እውን ከምእተሳተፈን ክንገር እንከሎ፡ ናይ ሓባር ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተመክሮታትን ብምልውዋጥ መንፈሳዊ ዘተ ምክያዱን፡ ናይ ሓባር መንፈሳዊ ንግደት ናብ ቅዱሳት ስፍራ እውን ዘጥቓለለን ብነኣሽቱ ጉጅለ ተመዳዲቡ እውን ሓድ ሕዳዊ መንፍሳውን ሃይማኖታውን ጸዋዕታ ገዳማውነትን ኣብ ዘማእከለ ርእሰ ጉዳይ ቃል ምስክርነት ኣውን ከምዝቐረበ ተገሊጹ።

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ከይዲ ግደ ደቀንስትዮ ክብ ምባል

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ግደ ደቀንስትዮ ክብ ክብል ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞ ዘቕርብዎ ዕድመ ምዃኑ ኣቃሊሖም ብዙሓት ኣብ ስነ ዘተን ከይዲ ዘንተ ዝለዓለለ ተመርኮ ዘለወን ደቀንስትዮ ኣብ ካቶሊካዊ ባህሊ ጥራሕ ዘይኵነ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሃይማኖታት ባህሊ እውን ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ኣብ ከይዲ ዘተ ሱታፌኤን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ካብቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

ቡድሃውያንን ክርስትያን መናንያን ደናግል ኣብ ናይ ሓባር ኣብ ዘተ
20 October 2018, 17:46