2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

ሰንበት ዘከመ እንተ መብረቅ ፬ ጳጕሜን 2010 ዓ.ም. (9/9/2018)

መዝሙር፡ ከመ እንተ መብረቅ ዘይወጽእ እምጽባሕ. . . “በርቂ ካብ ምብራቕ በሪቝ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝርኤ ምጽአት ወዲ ሰብ ከአ ከምኡ ብብርሃን መብረቕ ምስ ኃይሊ ሰማይ አእላፍ መላእኽቲ ሊቃነ መላእኽቲ ክኸውን እዩ፥ አኽሊል አኽሊላት አብ ርእሲ ካህናት”።
ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ንምጽአት ጎይታ ተዳለዉ 

ንባባት፡ ፩ተሰ 5፡1-19፥ ያዕ 2፡1-5፥ ግ.ሓ. 26፡1-15፥ ማር 7፡31-37። ምስባክ፡ እግዚአብሔር ገሀደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድመሁ፥ እግዚአብሔር ብግሁድ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ስቕ አይብልን እዩ፥ አብ ቅድሚኡ እሳት ይነድድ” መዝ፡ 50፡3።

አብዚ ሓዲስ ዓመት አብ ዝአትወሉ ዘሎ እዋን ክንሕደስ ብዝተቐየረ ሕይወት ክንአትዎ ዘዘኻክር መዝሙር “በርቂ ካብ ምብራቕ በሪቝ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝርኤ ምጽአት ወዲ ሰብ ከአ ከምኡ ብብርሃን መብረቕ ምስ ኃይሊ ሰማይ አእላፍ መላእኽቲ ሊቃነ መላእኽቲ ክኸውን እዩ፥ አኽሊል አኽሊላት አብ ርእሲ ካህናት” ይብል።

ሓዲስ ዓመት ክአቱ እንከሎ ንብዙሕ ነገር ክነስተንትን ይሕግዘና፡ 1. ነቲ አምላኽ አብዛ እትውዳእ ዘላ ዓመት ዝተዋህበና ጸጋ ርኢና ክነመስግን። 2. ከም ክርስትያን ዝተጎዓዝናዮ ሕይወት ከመይ ነሩ ኢልና ድሕሪ ምሕታት ንዝበደልናዮ አምላኽን ንከማና ሰብን ይቕረታ ክንሓትት ክንዕረቕ ንዝመጽእ ዓመት ብንጹሕ ልቢ ክንጅምሮ። 3. ዓመት ክውዳ እንከሎ ካልእ ዝዓበየ ነገር ክንሓስቦ ዘሎና ሕይወትና ካብታ ዝተወለድናላ ዕለት ጀሚሩ ናብ መወዳእታ ከም እንጉዓዝ ዘሎና ክንሓስብ እሞ ሕይወትና ክንርኢ ከመሎኹ ስንቂ ሰማይ ሒዘ ዘሎኹ እናበልና ክንሰናዶ። ናይ ሎሚ ንባባትና ነዚ እዮም ዝሕብሩና። ከም ስርዓትናን እምነትናን ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትክእ እንከሎ ነቲ ዝሓላፍ ዕድመና ርኢና ንዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ ክንሓስብ እና አዘኻከር አብ ቅድስና ክነብር ይነግረና። ዝሓልፍ ዘሎ ዓመት ብንስሓን ዕርቅን ክንዛዝሞ ንዝመጽእ ከአ ብንጹሕ ልብን መንፈስ ክንጅምሮ እንከሎና ብሩህ ተስፋ ድሕነት ስለ ዘርእየና ንኹሉ ብዓይኒ አምላኽ ክንርኢ እሞ ብሕጉስ መንፈስ ዓመትና ንጀምር። 

ካብ ዝሓለፈ ኃሙስ ጀሚሩ ክሳብ ሰኑይ ዘሎ እዋን ብፍሉይ ጳጉሜን ተባሂሉ ይፍለጥ። ከም ስርዓት ባኅሪሓሳብ ዓድና እምብአር እዚ ሶምን ጳጉሜን እዩ (ሂፓጉሜን ወሰኽ ማለት እዩ)፥ ምሉእ ወርኂ ስለ ዘይኮነ ጸያቒ አዋርሕ እውን ይብሃል እዩ። አብ ዘመነ ዮሓንስ 6 መዓልታት አብቶም ካልኦት ግን ሓምሽተ መዓልታት እዩ። ከም መሰጋገሪ ናይ ሓዲስ ዓመት ተራእዩ ዝተፈላለየ ባህሊ በዚ እዋን ይግበር። ሓደ ካብቲ ኩሉ ዝግበር ለይቲ ተንሲእካ አብ ሩባ ከድካ ማጨሎት ምሕጻብ እዩ እዚ ኸአ ብነፍስን ብስጋን ነጺሕካ ንሓዲስ ዓመት ምእታው እዩ። ሕይወትና ክነጽሕ እንከሎና ጥራሕ ኢና ምስ አምላኽ አሎና ክንብል እንኽእል። ንሓዲስ ዓመት ምስ ሓዲስ መንፈስን ጥዕናን ክንአትዎ ብማለት አብ ሩባ ወሪድና ንሕጸብ፥ እዋናቱ ፍሉይ እዩ፥ ምድረ ሰማይ ብዝተፈላለየ ዘራእትን ብቝልን ምሉእ ተስፋ ዝረአየሉ ሓረስቶት አብ ምውንጫፍን ምዕጻድን ዝአትዉሉ ኩሉ ዘራእቲ ዝስውተሉ፥ አዕዋፍ ሰማይ ድምጺ ተሓጓስ ዘስምዓሉ፥ ጠለ በግዕ ከብቲ ኩለን ሰቢሔን ክዕንድራ ዝረአያሉ፥ ብሓምሊ ተዋሪዱ ዝነበረ ከርሲ ሸዊትን ከምኡ ተስፋ ዘራእቲ ዝርአየሉ ጊዜ ስለ ስኾነ ኩሉ ሰሚሩ ዝሕጎሰሉ ግዜ እዩ። ነዚ ኹሉ ዝሃበ አምላኽ ተመስገን ክንብሎ እሞ ምሉእ ሓጎስ ክገብረልና ብፍሉይ ክንልምኖ ግቡእ እዩ።

ካብ ማርቆስ ወንጌላዊ ዝሰማዕናዮ ብዛዕባ ኢየሱስ ዘሕወዮ ዓባስን ጸማምን ሰብ ይነግረና። ኢየሱስ ንሰባት አብዘለውዎ መጺኡ ክሓውዩ እሞ ምሉእ ጥዕና ለቢሶም ከም ሰቦም ንአምላኽን ሰብን ከም ዘገልግሉ ይገብር። አብ ሓዲስ ዓመት አብ እንአትወሉ ዘሎና ፍሉይ መልእኽቲ ናይ እዚ ወንጌል  ካብ ኩሉ መንፈሳውን ማሕበራውን ሕማማትና ነጺሕና ዓመትና ብጽሩይ ልብን መንፈስን ክንአትዎ ንኢየሱስ ረኺብና ንኽአል። ማርቆስ ወንጌላዊ ሓደ ጸማምን ዓባስን ሰብ ከም ዘምጽእሉ ይነግረና ብርግጽ ክሰምዕ ስለ ዘይከአለ ክዛረብ የጸግሞ ነሩ ምስማዕ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ነገር አብ ሕዋሳትና ብግቡእ ክሰርሕ ዝሕግዞ እዩ። አብዚ አዕሙቕ አቢልና ክንርእዮ ዝግብአና ነገራት አሎ።

  • ኢየሱስ ባዕሉ ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ግልል አቢሉ ወሲድዎ። እዚ ኸአ እዩ እቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ምኽንያቱ ጸማማት አብ ቅድሚ ሰባት ስለ ዘይሰምዑ ይሓፍሩን ይስከፉን እዮም። አብ ገለ እዋን ካብ ጸማም ምዃን ዕዉር ምዃን ይሓይሽ ምኽንያቱ ጸማማት ከምዘይሰምዑ ይፈልጡ እዮም። አብ መንጎ ሰብ ዓው ኢሉ እንተ ተዛረቦም ወላ አይሰምዕዎን እዮም። በዚ እዩ ኢየሱስ ነዚ ጸማምን ዓባስን ሰብ ቀስ ኢሉ ጸገሙ ክሰምዖ ክፈትሓሉ ንበይኑ ዝወሰዶ። ኢየሱስ ንበይናን ክገብረልና ክህበና ዝደልዮ ነገር ሎሚ እውን አሎ ሓንትስ ንበይንና ክንረኽቦ ፍቓደኛታት ንኹን።
  • ኢየሱስ ነቲ ዓባስን ጸማምን አጻብዑ አብ አእዛኑ አንቢሩ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ ተኸፍት ኢሉ ምስ አዘዞ ሓወየ። ሽዑ አእዛኑ ተኸፍታ ምእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ አጽርዩ እውን ተዛረበ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ አንብሮ ኢድ ምልክት ናይ ኃይሊ ወይ ቡራኬ አምላኽ ከም ዝወርድ እዩ ( ዘፍ 48፡14ፍ፥ 2ዘነገ 5፡11፥ ሉቃ 13፡13)። አጻብዕ ምልክት ኃያል መለኮታዊ ተግባር አብ ግብሪ ይርአ ከምዘሎ ዝገልጽ እዩ (ዘፀ 8፡19፥ መዝ. 8፡3፥ ሉቃ 11፡20)። ኢየሱስ ምስቲ ኩነታት ዝኸይድ አገባብ ተጠቂሙ ተአምራቱ ገሩ። እዚ ብቕልጡፍ ምሕዋይ ልዕልቲ ምልክት ከም ዝኾነ ይሕብር።

አብዚ ኢየሱስ ገበሮ ተአምራት ብግሉጽ እንርእዮ አምላኽ ከመይ ገሩ አብ ምሕዋይ ነፍስናን ከመይ ኢሉ ክረኽበና ከም ዝደሊ ንምግላጽ እዩ። ክንአምን አምላኽ መጀመርያ ልባትና ክኸፍት አለዎ ሽዑ ቃላቱ ክንሰምዕ ንኽእል፥ ድሕሪኡ ከም ሓዋርያት ነቲ አድናቒ ስርሓት አምላኽ ክንሰብኽ ንኽእል (ግ.ሓ. 2፡11)። አብ ስርዓተ ልጡርግያ ቤተ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ የማናይ አጻብዕ እግዚአብሔር አብ እዩ ዝግለጽ ስለዚ ሎሚ እውን ብምንፈስ ቅዱስ ገሩ ክሕውየና ሓደስቲ ሰባት ኮና ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ክንጅምር ድላዩ እዩ።

ኢየሱስ ነቲ ዓባስን ጸማምን ከምጽኡሉ ከለዉ አብ መገዲ ይጉዓዝ እዩ ነሩ። ኢየሱስ ንሰባት አብ መገዲ ክረኽቦም እንከሎ አምሳል እቲ አብ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወትና እንከሎና ዝረኽበና እዩ ዘመልክት። ንነፍሲ ወከፍና አብ ዘሎናዮ ሕይወት ክረኽበና ይደሊ ብፍሉይ ከአ አብዚ ሓዲስ ዓመት አብ እንጅምረሉ ዘሎና። ሓደ እዋን አብ ተለቭዥን ዝተራእየ ሓደ ብዘይመጠን ኃያል ሰብአይ ይንግር ነሩ። ገለ መጠን ኃይሉ ክርእዩ ዝደለዩ ሓደ ዓቢ መጽሓፍ ተለፎን አብ ክልተ ክመቕሎ አምጺኦምሉ። ንሱ ርእይ አቢሉ መጀመርያ ንሶም ክቐድዎ ሂብዎም እዚ ኸአ ቅሚ ንሱ ምግባሩ ንሶም ክሳብ ክንደይ ድኹማትን ሕማቓትን ምዃኖም ከርእዮም እሞ ሽዑ ንሶም ምስ ሓመቑ ንሱ ኃይሉ ከርኢ ንማለት እዩ። ድሕሪኡ አብ ቅድሚ ኩሎም ነቲ መጽሓፍ ውስድ አቢሉ አብ ክምተ ቐዲዱ መቒልዎ ዝዕዘብ ዝነበረ ህዝቢ በቲ ዝገበሮ አድንቖቶም ክብ ብዝበለ ገለጹሉ። እዚ እዩ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እንርእዮ፥ ሰባት ንሓደ ሰብአይ ጸማምን ዓባስን አብ ኢየሱስ አምጺኦም ኢዱ ከንብረሉ ከሕውዮ ሓቲቶሞ ንሱ ከአ ኃይሉን መን ምዃኑን አርእይዎም አብ ኩሉ ኸአ አውረይዎ። አብዚ ሓደ ፍሉይ ትምህርቲ እንርእዮ ሰባት ንሓደ ጽጉም ሰብ አብ ኢየሱስ አምጺኦሞ ከሕውዮ ኸአ ሓቲቶሞ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት አብ ቍምስናና አብ ሕብረተሰብና አብ ኢየሱስ ከምጽኡ የድልዩና አለዉ። ሎሚ ዝፈልን ዘርሕቕን እምበር ዘምጽእ ውሒድሉ አብዘሎ እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ገሊጹ ይነግረና አሎ ንሰባት አብ ኢየስ ከም ዝመጽኡ ክንገብር ብፍላይ አብዚ ዓመት አብ ዝጅመረሉ ዘሎ እዋን።

አብ ከባቢናን ዓለምናን እንተ ተዓዘብና ሰባት ሎሚ አብ አምላኽ ዘቕርቦም ምስ ተባእሱ ዝዓርቆም፥ ምስ ጠፍኡ ዝደልዮም፥ ምስ ሓመሙ ዝበጽሖም፥ ምስ ተሸገሩ ዝህቦም ደልዮም የዕለብጡ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። አብቲ ቀንዲ ክርስትያናዊ ሓላፍነትናን ተልእኮናን ክንዲ ነድህብ አብ ዘይጠቅም ዝፈላሊ አብ ተንኮልን ክፍአትን ወፊርና ብቐትሩ ጸልሚቱና ዓለምና አደዳ ስቓይን ህውከትን ኮይና ንዕዘብ አሎና። ክንበራበር እሞ አብ አምላኽ ዝወስድ መገዲ በዚ ብሩኽ ሓዲሽ ዓመት ክንጅምሮ ንተዓጠቕ።

አብ ወንጌል ብዙሕ ጊዜ ህዝቢ ሓገዝቲ ከምዘይነበሩ እዩ ዝንገር ንአብነት ንመጻጉዕ መዓጹ ይዓጽዉሎም። ንዘኬዎስ ንኢየሱስ ከይርኢ አጸጊሞሞ፥ ነቲ ድኻን ለማናይን ባርጤሜዎስ ሱቕ በለ ኢሎሞ. . . ኢየሱስ ግን ንኹሎም አብኡ ከምዝቐርቡ ገሩ፥ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ከአ ነዚ ሰብአይ ካብ ንብሕቱ ካብ ህዝቢ ፈልዩ ግልል አቢሉ ጸገሙ ሽግሩ ክፈትሓሉ ወሲድዎ። ማርቆስ ወንጌላዊ ፍሉይ ርድኢት ክህልወና ኢሉ ኢየሱስ ካብ ህዝቢ ፈልዩ ከም ዝወሰዶ ይነግረና። እዚ ብርግጽ ሓደ ማንም ሰብ ዝገብሮ ዘሎ አይኮነን አምላኽ ባዕሉ እዩ ዝዓዪ ዘሎ። ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ካብቲ አብ ውሽጥና ኮይኑ ዘሳቕየና ዘሎክነጽሕ ንበይንና ክንረኽቦ ብኃጢአትና ክንሳሕ እሞ ጥዑያት አመንቱ ክንከውን ይደሊ አሎ። 

እዚ ዓባስን ጸማምን ሰብ ከም ኩሎም አብ ወንጌል ዝጥቀሱ አብኡ ከምዝመጽእ ኮይኑ ወይ እውን ከምቶም ክሓውዩ አብ ኢየሱስ ዝመጽኡ ቀሪቡ እዚ ኸአ አምሳል ነፍስወከፍናን ንኹልና ደቂ ሰብ ዘመልክት እዩ። ዕድል ምንጻሕን ምሕዋይን ይውሃበና አሎ አብ መንበረ ኑዛዜ ተምበርኪኽና ብኃጢአትና ተአሚና ዕርቂ ሰማይን ምድርን ክንገብር እዋኑ እዩ። ሰላም ፍቕሪ ብቃል ጥራሕ ዘይኮነ አብ ግብሪ ክንገብሮ እዩ ድላይ አምላኽ። ሓዲስ ዓመትና በዚ መንፈስ ክንጅምሮ ከሎና ጥራሕ እዩ ክርስትያናዊ እምነትን ትርጉምን ዝህልዎ። ከምቲ ኢየሱስ ነቲ ዓባስን ዕዉርን ሰብ ብኢዱ ከሕውዮ ዝሓዞ ንምሉእ ተፈጥሮ ክንሓውን ሓደስቲ ፍጥረት ኮና እሙናትን ንጹሓትን ክንከውን ብዓይኒ ፍቕሪ ይሕዘና ዓይኒ ዓይንናን ይርኢ አሎ። 

እምብአር ሎሚ እዚ ሰብአይ አነ እየ። መድሕነይ ክርስቶስ መለኮታዊ ኢዱ ገሩ ክሕዘኒ  ከሕውየኒ ነጻ ኽገብረኒ፥ ከድሕነኒ ኢሉ ዓኒ ዓይነይ ይጥምት አሎ። ነቲ ጸማምን ዓባስን ድላዩ ክገልጸሉ ኢሉ ተንኪፍዎ። አጻብዑ አብ አእዛኒ አንቢርሉ ሽዑ ሓውዩ በዚ ኸአ ቃል ኢየሱስ ክሰምዕ ጀሚሩ። ልሳኑ ብጥፍጣፉ ልሳኑ ምስ ተንከፎ ክዛረብ ጀሚሩ፥ ሎሚ ንኹልና ጥፍጣፉ ዘይኮነ ምሉእ ሕይወቱ ይህበና አሎ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንሳተፍ ከሎና ምሉእ ኢየሱስ ኢና እንቕበል። እምብአር ንነፍሲ ወከፍና ከካብቲ ተኸዊልናዮ ዘሎና ወጺእና ክንረኽቦ ክንቅበሎን ክንትንክፎን ሽዑ ሕልናና ተኸፊቱ ክንርእን ንጽቡቕ ግብሪ ናትና ኢልና ክንገብር ኢና።

መልእኽቲ ክርስቶስ አብ ልብና ክስቆረና ክንሰምዖን ክንርድኦን አእዛና ክንከፍት አሎና። ሓንሳብ ምስ ሰማዕናዮን ተረዲእናዮን ቀጺሉ ባህርያዊ ሳዕበኑ ንስብከት ክንብገስ ነቲ ዝሰማዕናዮን ዝተረዳእናዮን ንኻልኦት ክነካፍል እዩ። ክልቲኡ ምስማዕን ምዝራብን ንሓደ ክርስትያን ርድኢ ዘይፈላለ ነገር እዩ።

አብዚ ሓዲሽ ዓመት አብ እንጅምረሉ ዘሎና ጊዜ እምብአር ምሉእ ምቅርራብ ንስሓ ክንገብር ምስ አምላኽን ሰብን ምሉእ ዕርቂ ክንገብር ብምሉእ ልብና ንኽፈተሉ። አብዛ እትውድእ ዘላ ዓመት ዝተዋህበና ጸጋ ብልቢ እናአመስገና ነዛ እትጅምር ዓመት ብሰላም ብፍቕር እንጅምር ይግበረና።

ብሩኽ ሓዲሽ ዓመትን ሰላምን ፍቕርን ዝነገሶ ዓመተ ሉቃስ ይግበረልና።

 

09 September 2018, 13:13