ድለ

ወለንተይናዊ ምምላስ ተመዛበልቲ ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ብዛዕባ ሶሪያን ዒራቕን ዝዝትይ ጉባኤ ኣብ ቫቲካ

ጳጳሳዊ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ክሳብ ዕለት 14 መስከረም ዝቕጽል ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሶሪያን ዒራቕን ዝዝትይ ወለንተይናዊ ምምልሳ ተመዛበልቲ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምእኩል ዝገበረ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 13 መስከረም 2018 ዓ.ም. ከምእተጀመረ ክምልከት እንክሎ፡ ብፁዕ ኣቡነ ተኻዶ ሙኖስ፡ ንህዝቢ  እተን ሃገራት ግቡእን ኣገዳሲ መልሲ ምሃብን ዘጋጠሞ ኵለ መደያዊ ማህሰይቲ ምፍዋስ ኣድላዪ እዩ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዝተፈላለያ 50 ካቶሊካውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ናይ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ኣባይቲ ምኽርን ናይቲ ከባቢ ተቕዋማት ቤተ ክርስቲያን ወከልትን ኣባላት ገዳማውያን መንፈሳዊ ማሕበራትን ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ውሉደ ክህነትን ኣሳቲፉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝዝትይ ጳጳሳዊ ናይ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ዕብየት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዘነቓቐሖ ዓውደ ጉብኤ ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ሶሪያንን ዒራቕን ሊባኖስን ቱርክን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኣሳቲፉ ነቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅርበትን ምትሕብባርን ብምርግጋጽ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ብቑዕ መልሲ ንምሃብ መገዲ ዝሕንጽጽን ብፍላይ ዘተ ካብ ሰላም ዝምጭው ምዃኑ ዝምስክር ከይኑ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ግብረ ሰናይ ዘሳልጡ ማሕበራት ሓይሎም ኣወሃሂዶም ክዓዩ ንምድጋፍ ዝሓቀነ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቶም ካብ ሶሪያ ናብ ዮርዳኖስን ሊባኖስን ቱርክን ዝተሰዱ ሶርያውያን ተመዛበልቲ ናብ ሃገሮም ብወለንተይናነት ንኽምለሱ ዝደልዩ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዝመርሕ መደብ ግብረ ሰናይ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ክፍጸም ዘነቓቕሕ ምዃኑ ይንገር።

ወለንተይናዊ ምምላስ ተመዛበልቲ ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ብዛዕባ ሶሪያን ዒራቕን ዝዝትይ ጉባኤ ኣብ ቫቲካን
13 September 2018, 16:32