2018.09.25 Pastoral visit of Archbishop of Asmara to Kessela Sudan 2018.09.25 Pastoral visit of Archbishop of Asmara to Kessela Sudan 

ኀውጾተ-ኖልዎ ሊቀ ጳጳስ ዘበኣሥመራ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥትኣብ ኣብ ቁምስና ደብረ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ

ካብ ዕለት 15-16 - መስከረም - 2018 ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ኣብ ቁምስና ደብረ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ከሰላ ሱዳን ሓዋርያዊ ኅውጾተ ኖላዌ ኣካይዶም፣

ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚኣብሔር!!

ቀዳም 15- መስከረም-2018  ወጋሕታ ለይቲ ስዓት 2.00 ቅ.ቀ. ብኣባ ጴጥሮስ ወልደ ተሰንዮም ካብ ካርቱም ተበጊሶም፣ ናብ ከሰላ ብሰላም ኣትዮም፣፣ ኣብ ብሎኮ ከሰላ ምስ በጽሑ ኣባ ገብራይ ብእደማርያም ምስ ቆሞስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ያን ቅዱስ ሚካኤል ቀሺ ጠዓመ ተወልደ ሽማግለታት ናይ ክልቲኦም ደብርታት (ማለት ናይ ካቶልካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ኣብያተ ክርስቲያን) ኪቕበልዎም ከዱ፣፣ ኣብ ቅርዓት ቤተ-ያን ምስ በጽሑ ኣባ ሰሎሞን ነጋ ልብሰተ ክህነት ተላቢሶም ምስ ክልተ ዲያቆናትን ምእመናን፣ መንእሰያት እንዳዘመሩን ኣዴታት እንዳደረፋን ዓለላን ብዓጀባ ተቀበልዎም፣፣ ካብ ማኪና ምስ ወረዱ መስቀል ኣባ ሰሎሞን ኣሳለምዎም፣፣ ካብ መንፈሳውያን ማሕበራት ደቂ ቅድስቲ በኪታን ኪዳነ ምሕረትን ከኣ ጉንጉን ዕንበባ ኣብ ኪሳዶም ወደያሎም፣፣ ድሕሪ’ዚ ጉዕዞና ናብ ቤተ-ያን ኣምራሕና፣፣

ኣብ ውሽጢ ቤተ-ያን ቆሞስ ኣባ ገብራይ ብእደማርያም ብስሞምን ብስም ቁምስናን ናይ እንቋዕ ድሓን መጻኹም ሓጺር ቃል ምስጋና ምስ ኣስምዑ፣፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም’ውን ብግደኦም “እንቋዕ ገጽ ንገጽ እራኣኣየና” ብምባል ኣባታዊ ቡራኬኦም ሃቡ፣፣ እቲ ናይ ቃል ምስጋን ብቋንቋ ትግርኛን እንግሊዝን ነበረ፣፣ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ያዕቆብ ሩፋኤል ከኣ ናብ ቋንቋ ዓረብ ተርጎምዎ፣፣

ካብ ቤተ-ያን ወጺእና ናብቲ ተቀሪቡ ዝነበረ መደብ ኣምራሕና፣፣ ሻሂ እንዳትሰተና ከኣ ኣባ ገብራይ ናይቶ ሽማግለታትን ዓበይቲ ዓድን ኣስማት ሓደ ብሓደ ኣላለይዎም፣፣

ድሕሪ ቀትሪ ስዓት ካብ 4-00 – 5፣30 ድ.ቀ. ናብ ሰለስቲኤን ኣብያተ ትምህርት ብካቶሊካዊት ቤተ-ያን ዝመሓዳራ በጽሑ፣፣ መማሃራን ምስ ተማሃሮ ከኣ ድሙቕ ዝኮነ ኣቀባብላ ገበርሎም፣፣ ኣብ ሓደ ሓደ ክፍልታት ብምእታው ከኣ ኣባታዊ ምኽሮም ለገሱ፣፣

ካብ ስዓት 6፣00 - 7፣30 ድ.ቀ.ርክብ ምስ ምእመናን ኣካየዱ፣፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግስትኣ “ሓደ ምእመን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ከዘውርቶም ዘለዎ ሓሙሽተ ነገራት ማለት (ጸሎት፣ እምነት፣ ምስጢረ ንስሓ፣ ምስታፍ ምስጢረ ቅዱስ ቅርባን፣ ሰናይ ተግባራትን) ዝብላ ሓሳባት ኣስፍሕ ኣቢሎም ጥዑምን ማራኽን ዝኮነ ኣባታዊ ምኽሮም ለገሲ፣፣

ሰንበት 16 - መስከረም - 2018 በቲ ወጺኡ ዝነበረ መደብ መስረት መስዋኦቲ ቅዳሴ ብፁዕ ኣቡነ መንግስትኣብ ምስ ኣርባዕተ ካህናት ኣባ ገብራይ ብእደማርያም፣ ኣባ ሰሎሞን ነጋ፣ ኣባ ጴጥሮስ ወልደ፣ ኣባ ፒተር ዶመኒክ ቆሞስ መደኒ ስዓት 9፣30 ቅ.ቀ. ተጀመረ። ላባስያን ካብ ቤተ-ያን ለቢሶም ናብቲ ዓቢ ዳስ ከምርሑ እንከለዎ፣ ብመጀመርያ መስቀል ……..>> መጀመርያ ቅዱስ ቁርባን ዝገብሩ ሕጻናት እናዘመሩ፣ ….>> መእተዊ መዝሙር ብዓረብ ባህላዊ ኣስረጋጭ ዝዝምሩ ሕጻንትን …..>> ተቐማጦ ከባቢ ከሰላ ኣቦታትን ኣዴታትን መንእሰያትን መዘምራንን ኩናማ ባህላዊ ልብሶም ለቢሶም፣  ቀቅድሚ ለባስያን ኣምሪሖም ኣተዉ፣፣ ምእመናን ከኣ ብዕልልታን ጣቂዒትን ደስ ዘብል ኩነታት ነበረ፣፣ መስዋዕቲ ቅዳሴ ምስ ተጀመረ ንባባት ብቋንቋ ትግርኛ፣ ብዓረብን ኹናማን ተነበ፣፣ ኣብ ወንጌል ምስ በጻሕና ከኣ ብትግርኛን ብዓረብን ተነበ፣፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግስትኣብ ከኣ ብትግርኛን ንእንግሊዝን ቃል ስብከቶም ኣብ ወንጌል ሉቃስ 3፣ 1-20 ተመርኹሶም ትማሊ ሰሉስ 1/1.2011 ዓም ግዕዝ (11/9/2018) ሓዲሽ ዓመት ዘመነ ማርቆስ ወዲእና ዘመነ ሉቃስ ጀሚርና ኣሎና፣፣ ዓመት ስለምን ራህዋን ቅሳነትን ይግበረልና፣፣ ነዚ ኣብ ሃገርናን ከባቢና እንስምዖ ዘሎና ናይ ሰላም ኩነታት ኣምላክ ባዕሉ ምሉእ ይግበረልና፣፣ ናይ ሎሚ ሰንበት “ሰንበት ዘዮሓንስ” ክንዝክር ንርከብ ኣሎና፣፣ ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ “ጸያኄ ፍኖት - ጸራጊ መንገዲ” ኢዩ ዝነበረ፣፣ ነቲ ኣብ ትንቢት ኢሳያስ ዝርከብ “ጎደና እግዚኣብሔር ኣሰናድዉ፣ መንገድታቱ’ውን ኣቕንዑ፣ ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፣ እምባን ኲርባን ትሕት ይበል፣ ጥውጥዋይ ዝኾነ ኩሉ ትኽ ይበል፣ ድንጉር ይተኻኸል” (ሉቃ.3፣4-5) ዝብሎ ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ነቶም ኺጥመቑ ዝመጹ ሰባት ከምኡ ይብሎም ነበረ፣፣ እቶም ሕዝቢ ድማ “እንታይ እሞ ንግበር?” ኢሎም ሓተትዎ፣፣ ንሱ ከኣ “ክልተ ክዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይምቀሎ፣ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከማኡ ይግበር ኢሉ መለሰሎም፣፣ ተቐበልቲ ቐረጽ ድማ ኦ መምህር ንሕናኸ እንታይ ንግበር በልዎ። ንሱ ከኣ ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ኅልፊ ኣይትውሰዱ በሎም፣፣ ወተሃደራት ከኣ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ምስ በልዎ? ንሱ ከኣ ንሓደ’ኳ ኣይትግፍዑ፣ ብሓሶት’ውን ኣይትመስክሩ፣ ደሞዝኩም ይኣክለኩም” በሎም (ሉቃ. 3፣7-14)፣፣   ንሕና’ውን ሕዝበ እግዚኣብሔር እዚ ሓሳባት እዚ ሎሚ ንዓና ቅድስቲ ቤተ-ያን ከተዘኻኽረና ትርከብ ኣላ፣፣…………. ብምባል ጥዑምን ምሃርን ዝኾነ ስብከቶም ኣስምዑ፣፣

ከም ፍቃድ ኣምላኽ ኮይኑ በቲ ተመዱቡ ዝነበረ መደብ ናይ ቁምስናና ከኣ 8ቱ ሕጻናት መጀመርያ ቅዱስ ቁርባን ዝቕበልሉ ዕለት ነበረ፣፣ ነቲ በዓል ድምቀት ኣብ ልዕሊ ድምቀት ወሰኸሉ።

መስዋዕቲ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ፣ ኣባ ገብራይ ናይዚ ኩሉ ዝተበግረ ቃል ምስጋና ንብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ከምስግኑ እንከለዉ፣ ጎይታና ኣቡን ከኣ ብወገኖም ናይቲ ኩሉ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ኣመስገኑ፣፣ ኣብ መወዳእታ ምስ ዝተፈላለዩ ሽማግለታት ቤተ-ያን፣ መንፈሳውያን ማሕበራት መዘምራን  ስእሊ ናይ ሓባር ተወስደ፣፣

ሰንበት ምሸት ካብ ስዓት 4፣30 - 7፣00 ድ.ቀ. ብመንእሰያት ቁምስና ደብረ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ዝተሰናደወ መዘናግዒ ሳዕስዒትን፣ ደርፍን፣ መዛሙርን ንዝተፈላለዩ ብሔራት ቁምስናና ዘንጸባርቁ ተኻየደ፣፣ መምህር ወልደኢየሱስ መብራህቱን ኣቶ ኣማን ኣርኣያ በብተራ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻኹም ዝገልጽ መልእኽቲ ብግጥምን ብስዲ ንባብን ናይ ምስጋና ቃላቶም ኣስምዑ። ኣብ መወዳእታ ንብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ብቁምስና ደረጃን ብመንፈሳውያን ማሕበራት ሰራዊተ ማርያምን ኪዳነ ምሕረትን ሕያዋይ ጓሳን ደቂ ቅድስቲ ባኪታን ሕያባት ቀረበ፣፣ ደጊሞም ኣባ ገብራይን ብፁዕ ሊቀ ጳጳስን ናይ ቃል ምስጋና ምስ ኣስምዑ ብጸሎተ ቡራኼ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ መደብ ኅውጾተ ኖላዌ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ተዛዘመ፣፣ ንጽባሒቱ ሰኑይ ወጋሕታ ስዓት 3፣00 ቅ.ቀ. ካብ ከሰላ ናብ ካርቱም ምስ ኣባ ፒተር ዶመኒክ ተመልሱ።

NB. ምእመናን ቁምስና ደብረ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ካብ ካልኦት ቁምስና ፍልይ ዝበላት ኢያ፣፣ ፍልይቲ ዝገብራ ከኣ፣ ኤርትራውያን (ትግርኛ፣ ብሌን፣ ኹናማ)፣ ዓሰርተ ብሄራት ደቂ ደቡብ ሱዳን ብሓደ ሓቢሮም ኣብ ዓበይቲ በዓላትን ፍሉይ ኣጋጣሚታት ኪኸውን እንከሎ ሓባራዊ ዝኾነ ምንቅስቃሳት ኢዮም ዝገብሩ፣፣ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ልዙብ ስምረትን ሒዛ እትጉዓዝ ቁምስና ኢያ።  ካብዚ ተበጊሶም ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግስትኣብ ቁምስናኹም ፍልይቲ ቁምስና ኢያ፣ ካልኦት ይህልዋ ይኾና ኢየን ግና ኣይከምናትኩምን ኪብሉ ዝተረኽቡ፣፣

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

Photogallery

ኀውጾተ-ኖልዎ ሊቀ ጳጳስ ዘበኣሥመራ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥትኣብ ኣብ ቁምስና ደብረ ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ከሰላ-ሱዳን
25 September 2018, 10:28