ድለ

ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይቲ ዝተቐበልካዮ ሓላፍነት ብግቡእ ዘይምፍጻም ሳዕቤን እዩ ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይቲ ዝተቐበልካዮ ሓላፍነት ብግቡእ ዘይምፍጻም ሳዕቤን እዩ 

ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይቲ ዝተቐበልካዮ ሓላፍነት ብግቡእ ዘይምፍጻም ሳዕቤን እዩ

ቅድሚ ናይ ውሲብ ዓመጽ፡ ናይ ሓላፍነትን ሕልናን ዓመጽ ኣሎ ከምዝበሉ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተረኽቡ ካቶሊካዊ ስልጣኔ ናይ እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣብቲ ናይቲ መጽሔት ኣብ ናይ መወዳእታ ሕትመቱ ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ የመልክቱ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ዱብሊን ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ንምስታፍ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ኣየርላንድ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ምስ ዝፍጽሙ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ተራኺቦም፡ ፈሪሳውይነት ንዝዀነ ይኹን ዓመጽ የቃልዕ፡ ቅድሚ ናይ ውሲብ ዓመጽ፡ ናይ ሓላፍነትን ሕልናን ዓመጽ ኣሎ ከምዝበሉ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተረኽቡ ካቶሊካዊ ስልጣኔ ናይ እተሰምየ ክልተ ሰሙናዊ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣብቲ ናይቲ መጽሔት ኣብ ናይ መወዳእታ ሕትመቱ ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ የመልክቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣባ ስፓዳሮ ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ ከምዘመልክትዎ፡ ኣብ ኣየርላንድ ኣብቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝተኻየደ ርክብ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ምኽንያት ስቓይን ጓህን ዝስዓበ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምዃኑ ሓቢሮም፡

ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ምስ ዝዀኑ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ዘተ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዱብሊን ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ሕንጻ ምስ 63 ኣብ ኣየርላንድ ዘገልግሉ ምስ ዘለዉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ኣየርላንድ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ሓለቓ ኣባ ሊዮናርዶ ኤ. ሞሎነይ ከምዝገለጽዎ፡ ቅድሚ እቲ ምስ ኢየሱሳውያን ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም ምስ ሸሞንተ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ምስ ዝዀነ ዜጋታት ዕጽው ዝርርብ ከምዘካየዱን፡ ምስ ኢየሱሳውያን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ዘዘንተዉሎም ታሪዀም ብሓቂ ዘሰንብድ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ከቢድ ታሪኽ እዩ እንክብሉ ክምዝገለጹን፡ ብጥልቀት ከምዝተንከፎም እዮም እውን ዝገለጹ፡ ከምእዉ እውን እተን ካብ ቃል ኪዳን ወጻኢ ዝወለዳ ዝወለድኦ ሕጻናት ዝተመንጠላ ኣዴታት ታሪኽ ልቦም ከምዝተንከፎምን ዝተሰምዖን ጓህን ስቓይን ከምዝገለጽሎም ይሕብሩ።

ቅድሚ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝተቐበልካዮ ሓላፍነት ብግቡእ ናይ ዘይምጥቃም ዓመጽ ኣሎ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ንዝነበሩ፡ ኣብ ኣየርላንድ ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሓደራዅም ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ጸገም ከይፍጸምን ከምዚ ዓይነት ናይ ዓመጽ ታሪኽ ከይድገም ሓግዝዋ፡ ከምዚ ክብሉ እንከለዉ ከኣ፡ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ረስዕዎ ንምባል ዘይኰነስ ንኽትሕውይዎን ነቲ ዝተኸስተ ቍስሊ ዘሕይው ተግባር ምፍጻን ወሳኒ ምዃኑ ንምምልካት ከምዝዀነ እውን ቅዱስ ኣቦና ከምዝገለጹ ኣፍሊጦም፥ ኣብ ቺለን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈጸመን፡ ናይታ ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ካብ ምዃን ገዛእ ርእሳ ኣርሒቓ ኣብ ፈሪሳውነትን ምሩጽነትን ተዓጽያ ናይ ዝተረፈት ቤተ ክርስትያን ተግባር እዩ፡ ስለዚህ ቅድሚ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝተቐበልካዮ ሓላፍነትን ጸዋዕታን ብግቡእ ካብ ዘይምንባር ዝፍጠር ዓመጽ ኣሎ። ሓደራኹም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣየርላንድ ኣንጽሕዋ፡ ሕልና ክሕደስ ግበሩ፡ ነገራትን ክስተታትን ብስሞም ንምጽዋዕ ኣይትፍርሑን ኣይትሕፈሩን ከምዝበሉ ኣባ ስፓዳሮ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ የመልክቱ።

ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ምኹናን

ብቐረባ ዝፈለጥናዮን ዝሰማዕናዮን ዓመጽ እንተሎ ንዝግብኦ ኣካል ነመልክት ሓደራ፡ ኣይንሓባብኣዮ፡ ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይ ዝተቐበልካዮ ሓላፍነት ብግብኡ ካብ ዘይምፍጻም ስዒቡ ዝኽሰት ዓመጽ እዩ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልካዮ ሓላፍነት፡ መን እዩ ካብ መንጐና ገለ ገለ ምልካውያን ጳጳሳት ዘይፈልጥ፡ ናይ መንፈሳውያን ማሕበራትን ገዳማትን ወይ ከኣ ጳጳሳትን ሓላፍነቶም ናብ ምልካውነት ዝቐየሩ ነሮም እዮም፡ ፈሪሳውያነት መላኽነት እዩ፡ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ብሕሉቕቶም ብሓይሊ ዝተላእኩ ኣለዉ፡ ተልእኮ ወንጌል በገልግሎትን ብተኣዝዞን ምንባር ይግባእ ከምዝበሉ ኣባ ስፓዳር ይሕብሩ።

ሓጢኣንን ምግባረ ብልሽዋትን

ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ኣየርላንድ፡ ብሓደራ ዝሃብዎም ቃል፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስቓይን መከራን ኣብ ዝተራአየሉ ከባቢ ምዕያይ ቀሊል ኣይኰነ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነዚ ኵሉ በዲህካ ምግልጋል ናይ ወንጌል ሓሴትን ሕዳሴን ውጽኢት እዩ፡ ኢየሱስ ሓሴት እምበር ናይ ግብረ ገብ ጉዳያት ሕጊ ክህብ ኣይመጸን፡ ኢየሱስ ሓጢኣተይናታት ዘፍቀረ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ነቶም ስልጣኖምን ሓላፍነቶምን ብግቡእ ዘይጥቀሙ ሰብ ምግባረ ብልሽዋት ተጻባእቱ ከምዝነበሩ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 23 ተመልኪቱ ከምዘሎ ቅዱስነቶም ከምዘዘኻኸሩ ኣባ ስፓዳሮ ኣብ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣኔ ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ የመልክቱ።

ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ናይቲ ዝተቐበልካዮ ሓላፍነት ብግቡእ ዘይምፍጻም ሳዕቤን እዩ
14 September 2018, 16:38