ድለ

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ኣይሁድ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ኣይሁድ 

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ኣይሁድ

ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓበይቲ በዓላት ሮሽ ሓ-ሻናሕን ዮም ክፑርን ሱኮትን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ሪካርዶ ሰኚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ በዚ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓበይቲ በዓላት ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ንመላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ንኣኹምን ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽትይ ከመሓላልፍ ዝዝምዓኒ ሓጐስ ወሰን የብሉን

“እቲ ልዑልን ከሃሌ ኵሉን ብጸጋ ሰላሙ ይባርኸናን ኣባና እውን ሰላም ኣብ ምንቕቓሕ ዘይስልክይ ጻዕሪ የነቓቕሕ” ዝብል ሓሳብ ዝተማእከሎ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ሮሽ ሓ ሻና (ናይ ኣሁድ ሃይማኖት ሰዓብቲ ርእሰ ዓመት)ን ዮም ኪፑርን ሱኮትን (በዓል ዳሳት) ናብ ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዓቢይ መምህር ሪካርዶ ሰኚ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓበይቲ በዓላት ሮሽ ሓ-ሻናሕን ዮም ክፑርን ሱኮትን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ሪካርዶ ሰኚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ በዚ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓበይቲ በዓላት ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ንመላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ንኣኹምን ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽትይ ከመሓላልፍ ዝዝምዓኒ ሓጐስ ወሰን የብሉን ቢሎም እቲ ልዕሉ ፈጣሪ ስለ እቲ ዝዓደሎ ጸጋታት ንኹሉ ማሕበረሰብ ኣይሁድን ንመላእ ዓለምን ናይ ሰላምንን መንፈሳዊ ምጽንናዕን ክኸውን ዝመነዮ ስለ እቲ ኩሉ ጸጋታቱ ምስጋና ዝቐርበሉ በዓል እዩ፡ እሞ ምሳኹም ሓቢረ እግዚኣብሔር ስለ እቲ ኵሉ ለውሃቱ እናመስገንኩ “ነቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ምሕዝነትን ስለ ናይ ኵሉ ሰናይን ነቲ ናይ ሓባር ዘተ ድላይ ቀጻልነቱ ዝውሕስ ይኹነልና” ቢሎም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብእብራይስጥ ቋንቋ ሻሎም ኣለከም (ሰላም ምስ ኵለ ኵሙ) እንክብሉ ኣጠቓሊሎም።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ኣይሁድ
19 September 2018, 16:40