TURKEY-RUSSIA-RELIGION-ORTHODOX TURKEY-RUSSIA-RELIGION-ORTHODOX 

ርክብ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ኪሪልን፡ ኤንዞ ቢያንኪ፥ ኣብ ከይዲ ዘተ ዓቢይ ፍጻሜ እዩ

እቲ ኣብ ኢስታንቡል ፋናር ዕለት 31 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ናይ ቅስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪልን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብሓቂ ዓብይ ናብ ኦርቶዶክሳዊ ዕርቂ ዘሰንይ ስጉምቲ ምዃኑ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ማሕበረሰብ መስራቲ መነኵስ ኣባ ኤንዞ ቢያንኪ ገሊጾም።

ናይ ቦዘ ማሕበረሰብ መስራቲ ኣባ ኤንዞ ቢያንኪ እቲ ኣብ መንጐ ፓትሪያርካት ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ፋናር ዝተኻየደ ፍሉይ ርክብ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕን እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

እቲ ኣብ ኢስታንቡል ፋናር ዕለት 31 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ናይ ቅስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪልን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብሓቂ ዓብይ ናብ ኦርቶዶክሳዊ ዕርቂ ዘሰንይ ስጉምቲ ምዃኑ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ማሕበረሰብ መስራቲ መነኵስ ኣባ ኤንዞ ቢያንኪ ገሊጾም።

ዓቢይ ናይ ሕውነታውነት ምልክታ

ባዕሎም ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል እዮም ናብ ኢስታምቡል ምብጻሕ ከካይዱ ዝደለዩ፡ እዚ ኸኣ ብሓቂ ሰናይ መንፈስ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ፍልልያትን ናይ ምርኻብ ጸገምን ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ግምት ዝሃበን ኣብ ቁስጥንጥንያ ኣብ ከርሲ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውነት ፓትሪያርክ ምህላዉ ኣፍልጦ ዝሃበ ክኸን እንከሎ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ምስ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ንኽራኸቡ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝተፈጸመ ርክብ እዩ፡ ስለዚ እቲ ርክብ ናይ ዘተ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መንጐ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ሕገ ቀኖናዊ ፍልልያት ብሓባር ንምርኣይ ዘተባብዕ እውን እዩ፡ እታ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ መናብርተ ፓትሪያክ ርኢኻ ኣብ ዓለም ብጠቕላላ ልዕሊ 200 ሚሊዮን ዝግመት ምእመን ዘለዋ ክትከውን እንከላ፡ ዓባይ ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርተለመዎስ ቀዳማዊ ርክብ ንምክያድን ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ሕጋዊ ጸገም ንምዝታይ ዝሃቀነ ምንባሩ ኣባ ቢያንኪ ገሊጾም፡

ብዘተ ጥራሕ

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት እቲ ኣብ መንጐ ክሊቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ተፈጢሩ ዝነበረ ምፍሕፋሕ እዚ ከኣ ኣብቲ ናይ መላእ ዝተፈላለያ ኦርቶዶክሳያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጉባኤ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብውሳኔኣ ብዘይ ምስታፋ ዝፈጠሮ ዘይምርድዳእ ኣዚዩ ዘነጸረ ምዃኑ ቢያንኪ ምስ ቫቲካን ራዲዮ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ስለዚህ እቲ ናይ ዕለት 31 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ርክብ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እቲ ክሌኣዊ ዘተ ምብጋሱ ዘበስር እዩ ምስ በሉ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቀዳማውነት ፓትሪያክ ኣፍልጦ ብምሃብ ጥራሕ እዩ ንኣብነት ከምቲ ኣብ ኡክራይንን ዝረአይ ዘሎ ግጭትን ዘምርድዳእን ምስሕሓብን መፍትሒ ክረክብን ዝኽእል፡

ቤተ ክርስቲያናዊ ውሁድ ጥዕሙ ማህሌት

ብፁዕ ወቅዱ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪልን ዘካየድዎ ርክብን ብሕውነታዊ መንፈስ ዘካየድዎ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ኩሉ ዋላ’ኳ ድሕሪ እቲ ዘካይድዎ ክሌኣዊ ርክብ ናይ ሓባር ውግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ምፍሕፋሕ ዘወግድ ናብ ቤተ ክርስቲያናዊ ውሁድ ጥዕም ማህሌት ዝመርሕ ምዃኑ ዝተረጋገጸ እዩ እንክብሉ፡ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ርክብ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ኪሪልን፡ ኤንዞ ቢያንኪ፥ ኣብ ከይዲ ዘተ ዓቢይ ፍጻሜ እዩ
05 September 2018, 16:24